ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሞሮኮ ኣንጻር ስጳኛ፡ እንታይ ንጽበ?

ብተሳትፎ 32 ሃገራውያን ጋንታታት ዝተጀመረ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብ 3 ታሕሳስ ኣትሒዙ ጸወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ የአንግድ ኣሎ።

ናብዚ 16 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ካልኣይ ዙር እቲ ውድድር ዝሓለፋ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ሰኔጋልን ሞሮኮን ጥራይ እየን።

ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ንኣፍሪቃ ወኪላ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐት ሃገር ዘይምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ 2022 ክልተ ሃገራት ካብ ምድብ ጸወታ ምሕላፈን ፍሉይ ምዕራፍ ክኸውን ዝገብር እዩ።

እዚ ድሕሪ 2014 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝበለጸ ብቕዓት ኣፍሪቃ ዝተረኣየሉ እዋን ኰይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ናይጀርያን ኣልጀርያን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን ከምዝነበራ ይዝከር።

ናብ ዙር 16 ምብጻሕ ኣገዳሲ ምልክት እኳ እንተዀነ፡ ሞሮኮን ሰኔጋልን ናብ ርብዒ ፍጻመ እንተበጺሐን ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝቕይር ህሞት ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ሰኔጋል ብእንግሊዝ ተሳዒራ ድሮ ካብ ካብቲ ውድድር ተኣልያ'ላ።

ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሐን እየን፡ ኣብ 1990 (ካሜሩን)፡ 2002 (ሰኔጋል) ከምኡ’ውን 2010 (ጋና)።

ይዅን እምበር ክልተ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ኣብ ሓንቲ ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሐን ኣይፈልጣን።

ኣብ ዙር 16 ክካየዱ መደብ ካብ ዝተተሓዘሎም ጸወታታት ሓደ ዝዀነ እምበኣር ሞሮኮ ኣንጻር ስጳኛ ኰይኑ፡ ትኹረት ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዝረኸበ እዩ።

ኣንጻር ትጽቢት ኵሉ ሰብ ሞሮኮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ እያ ናይ ምድብ ጸወታኣ ዛዚማ። ኣብ ታሪኻ ሓንሳብ ጥራይ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ስጳኛ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ተስፋ ክትገብር እያ።

መዓስ? ንሞሮኮን ስጳኛን ዘራኽብ ጸወታ ዙር 16 ሰሉስ 6 ታሕሳስ ኣጋምሸት 6፡00 ክካየድ እዩ።

ኣበይ? እዚ ጸወታ ኣብ ኣራያን፡ ኢጁኬሽን ሲቲ እዩ ክካየድ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ’ዚ ጸወታ ክትፈልጥዎም ዘድልዩ ነጥብታት ሰኒዱ ኣቕሪቡልኩም ኣሎ።

ሞሮኮን ስጳኛን ናብ ዙር 16 ብኸመይ ሓሊፈን?

ስጳኛ ምስ ጃፓን፡ ጀርመንን ኮስታ ሪካን ኣብ ምድብ 5 እያ ተሰሪዓ ነይራ። ሞሮኮ፡ ኣብ ምድብ 6 ምስ ክሮሽያ፡ ቤልጅምን ካናዳን ተመዲባ።

ሞሮኮ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ካብ ምድብ ከይሓለፈት ክትተርፍ እንከላ፡ ክሮሽያ ንፍጻመ ሓሊፋ፣ ነቲ ውድድር ካልአይቲ ኰይና እያ ዛዚማቶ።

ቤልጅም፡ ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ጋንታ እያ።

ስለዚ ሞሮኮ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና ክትሓልፍ እያ ኢሉ ዝተጸበየ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።

ይዅን እምበር፡ ኣንጻር ክሮሽያ ማዕረ ዝወጸት ሞሮኮ፡ ኣንጻር ቤልጅም 2 ብ 0 ተዓዊታ። ኣብ ናይ መወዳእታ ምድብ ጸወታ ድማ ኣንጻር ካናዳ 2 ብ 1 ተዓዊታ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና እያ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም ዋንጫ፡ ኣብ ምድብ ጸወታታት ካብ ሓደ ግዜ ዝዛይድ ቅድሚት ተሰሪዐን ናብ ዙር 16 ዝሓለፈ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ክልተ ጥራይ እየን፤ ናይጀርያ ኣብ 1994ን 1998ን ከምኡ’ውን ሞሮኮ ኣብ 1986ን 2022ን።

ስጳኛ መጀመርታ ኣንጻር ኮስታሪካ ዘካየደቶ ጸወታ ንብዙሓት ኣዝዩ ተስፋ ዝሃበ ነይሩ። እታ ንኮስታሪካ 7 ብ 0 ዝረትዐት ጋንታ ስጳኛ፡ ኣንጻር ጀርመን 1 ብ 1 ማዕረ ተፈላልያ።

ኣብ ሳልሳይ ጸወታኣ ኣንጻር ጃፓን ውጽኢት የድልያ’ኳ እንተነበረ፡ 2 ብ 1 ተረቲዓ’ያ። ይዅን እምበር ነታ ጀርመናዊት ጋንታ ብፍልልይ ሸቶታት ስለዝበለጸት፡ ንጃፓን ተኸቲላ ካብቲ ምድብ ዝሓለፈት ካልአይቲ ጋንታ ክትከውን ክኢላ።

ሞሮኮ ካብ ዘካየደቶም 3 ጸወታታት ሓደ ግዜ ማዕረ ክትወጽእ እንከላ ክልተ ግዜ ረቲዓ 7 ነጥቢን 3 ናይ ሽቶ ፍልልይ ኣመዝጊባ።

ስጳኛ ብወገና ሓደ ግዜ ማዕረ፡ ሓደ ግዜ ተረቲዓ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ጥራይ ብምዕዋት 4 ነጥቢን 6 ፍልልይ ሽቶን ሒዛ እያ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክትበጽሕ ክኢላ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም ሕድሕድ ተራኺበን ይፈልጣ ድየን?

እወ፤ ሞሮኮን ስጳኛን ኣብ ታሪኽ ዓለም ዋንጫ ሰለስተ ግዜ ተራኺበን እየን።

ክልቲአን ጋንታታት ፈለማ ዝተራኸባ ኣብ 1962 ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝተገብሩ መጻረዪ ጸወታታት እዩ። እዚ ማለት ኣብ 1961 ክልተ ግዜ ዝተራኸባ ክኾና እንከለዋ፡ ቀዳማይ ዙር ጸወታ ሞሮኮ 1 ብ 0 ተረቲዓ።

ሞሮኮ ኣብቲ ካልኣይ ዙር ጸወታ ዝሓሸ ብቕዓት እንተርኣየት’ውን ኣብ መወዳእታ 3 ብ 2 ተረቲዓ እያ።

ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ተራኺበን።

ኣብቲ እዋን ሞሮኮ፡ ምስ ስጳኛ፡ ኢራንን ፓርቱጋልን ኣብ ምድብ ክልተ ተሰሪዓ ነይራ። ኣንጻር ስጳኛ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 2 ብ 2 ማዕረ እንተወጸት’ውን ኣንጻር ፖርቱጋል 1 ብ 0 ተረቲዓ ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ክትረክብ ክኢላ።

ነዚ ስዒቡ፡ ካብቲ ወድድር ዝተኣልየት ቀዳመይቲ ጋንታ ከምዝዀነት ይዝከር።

ሕጂ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ንራብዓይ ግዜ ክራኸባ እየን።

ካብዚ ጸወታ እንታይ ንጸበ?

ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሞሮኮ ተዓዊታ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ተስፋ ይገብሩ።

ሞሮኮ ትስእኖ ነገር ስለዘይብላ ርእሰ ተኣማንነት ዝመልኦ ጸወታ ከምተርእይ ይግመት።

ስጳኛ ኣብዚ ውድድር ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኣብ ትኾነሉ እዋን ዝያዳ ከም ትቃላዕ ተራእዩ እዩ። ካብዚ ኣገባብ፡ ጀርመን ሓደ ነጥቢ ክትረክብ እንከላ ጃፓን ግን ንህሞታት መሪጻን ጽዑቕ ቅርጺ ሒዛን ብምጽዋት ምሉእ ብምሉእ ክትዕወት ክኢላ እያ።

እዚ ኣጸዋውታ ጋንታ ጃፓን ድማ ምናልባት ንሞሮኮ መርኣያ ክኸውን ዝኽእል እዩ።

ሞሮኮ፡ ኣብ ቐጠር ብላዕሊ ካብ ዝመጻ ኵዓሳሱ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበት እንኮ ጋንታ ብምዃን ነዚ ሜላ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ዝብሉ ኣለዉ።

ይዅን እምበር፡ ብዙሓት ተንተንቲ ኣብ መወዳእታ ስጳኛ ክትዕወት ትጽቢት ይገብሩ።

ካብዚኦም ሓደ፡ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ዝዀነ ክሪስ ሱተን፡ ኣብ ዙር 16 ናይ ዝካየዱ ጸወታታት ዝምልከት ግምታቱ ዘስፈረ ክኸውን እንከሎ፡ ተስፋኡ ኣብ ስጳኛ ከምዝዀነ ይሕብር።

ሱተን፡ ስጳኛ ኣብዚ ውድድር ዝበለጸት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከምዝዀነት ይገልጽ።

ንሱ፡ ኣጸዋውታኦም ኵዕሶ ዝቀባበልሉ መስርሕን ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ ይብል። ግን ብርክት ዝበሉ ሽቶታት ስለዘየቝጽሩ ጋንታታት ኣብ ምክልኻል እንተኣተኲረን ከምዝጽገሙ ይገልጽ።

ስለዚ፡ ኣንጻር ሞሮኮ ዝካየደ ጸወታ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ከምዝኸውን ዘተንብሀ ሱተን ስጳኛ 1 ብ 0 ክትዕወት ትጽቢት ይገብር።

ኣብዚ ጸወታ ትዕወት ሃገራዊት ጋንታ 10 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ምስ ፖርቱጋል ወይ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ እያ።