ካቢነ ትግራይ፡ ብክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ ምቅይያር ካርታ ‘ምጽሕታር ነገር እዩ’ ክብል ኣጠንቂቝ

ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ኣምሓራ ምስፋርን ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ጌርካ ምስትምሃርን፡ ሓላፍነት ዝጐደሎ እዩ ብምባል ብኣጋ ክእርም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ መስርሕ ሰላም ዝህውኽን ተግባራት ምጽሕታር ነገርን እዩ ክብል ኣጠንቒቑ።

እዚ ንህዝቢ ትግራይ መቓቒልካ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክእረም እንተዘይክኢሉ ግን ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ምሉእ ሓላፍነት ዝስከም ክልል ኣምሓራ እዩ ክብል ኣጠንቂቝ።

ብተመሳሳሊ ተግባራት ንመንግስቲ ፈደራል ዝኸሰሰ እቲ እዋናዊ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ብትካላት መንግስቲ ፈደራል ዝተፈጸመ ከምዚ ዝበለ ተግባር ብመንግስቲ ግቡእ ስጕምቲ ከምዘይተወስደን ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት እዩ ክብል ከሲሱ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይዅን መንግስቲ ፈደራል ነዚ ብካቢነ ምምሕዳር ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝሃብዎ ምላሽ ዛጊት የለን።

እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ብሓይሊ ዝሓዞ ከባቢታት ትግራይ ግፍዒታት ክፍጽም ከምዝጸንሕ’ውን ብምጥቃስ፡ “ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ስሕተት” ዋጋ ከምዘኽፍል ተገንዚቡ ብህጹጽ ክእርሞ ጸዊዑ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ናብ ካልኦት ጐረባብቲ ክልላት ዝለሓመ ደማዊ ኲናት፡ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይን ክፋል ደቡብ ትግራይን ብሓይልታት ኣምሓራ ከምዝተታሕዘ ይፍለጥ።

ነቲ ከቢድ ደማዊ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ንምባል፡ ብኣላይነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2022 [ኣ.ኣ] ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ሰላም ከምዝተኸተመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ከስፍን ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ።

እንተዀነ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ነቲ ቀጥታዊ ግጭትን ተዅስን ደው’ኳ እንተበሎ፡ እቶም ዘካትዑ ቀንዲ ጉዳያት ከይተፈትሑ ብምቕጻሎም ስግኣታት ክፈጥሩ ጸኒሖም እዮም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝግበር ልዝብ ብመንገዲ ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክካየድ ከምዝወሰነ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነቲ ምድንጓይ ትግባረ ንምእላይን ንምግምጋምን ኣብ ኣዲስኣበባ ርክባት ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ብሓይሊ ዝተወስዱ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ዝርከቡ ገለ ኣሰሓሓብቲ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምህላዎም ንግዝያዊ ምምሕዳር ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ከም ዝጸንሐ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ መንጐ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ሰፊሕ ዘይምትእምማን ከምዘሎ ኣሚቱ ነይሩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ እቶም ዘካትዑ ከባቢታት ብቐዋምነት ንምፍታሕ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ምስተን ብቐንዱ ምስቲ ጉዳይ ዝምልከተን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ 'ህዝበ-ውሳነ ክካየድ' ምርድዳእ ተበጺሑ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ብምቅዋም፡ እቲ ጉዳይ ብመስረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሕገመንግስቲ መሰረት ብዝገበረ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝግባእ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ።