እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ኣክንዲ ሃገራዊ መዝሙር ደቡብ ሱዳን ብጌጋ ናይ ሱዳን ተወሊዑ
ኣዳለውቲ ኦሎምፒክ ፈረንሳ፡ ደቡብ ሱዳን ምስ ፖርቶሪኮ ኣብ ዝነበራ መኽፈቲ ጸወታ ኵዕሶ ስኪዐት ደቂ ተባዕትዮ፡ ጌጋ ሃገራዊ መዝሙር ደቡብ ሱዳን ከፊቶም።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ስታድየም ፒየር ማውሮይ ዝነበሩ ተዓዘብቲ፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ መዝሙር ደቡብ ሱዳን ሃገራዊ መዝሙር ሱዳን ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን ክጭድሩ ተሰሚዖም።
እቲ ሃገራዊ መዝሙር ድሒሩ ተኣሪሙ።
ኣዳለውቲ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ በቲ ዝተፍጥረ “ጌጋ” ይቕሬታ ሓቲቶም።
ሓደ ካብ ተጻወትቲ ደቡብ ሱዳን ድሒሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጌጋ “ኣኽብሮት ዘይብሉ” ምዃኑ ገሊጹ።
“እዚ እቲ ዝዓበየ መድረኽ ብምዃኑ፡ [ኣዳለውቲ] ዝሓሸ ክዀኑ ኣለዎም፤ ደቡብ ሱዳን ድማ ኣብዚ ኦሎምፒክ ትጻወት ከም ዘላ ትፈልጡ ኢኹም። ካልእ [ሃገራዊ] መዝሙር ብምኽፋት ክትጋገይሉ እትኽእል ምኽንያት የለን፤ ፍጹም ኣኽብሮት ዘይብሉ’ዩ” ክብል ማጆክ ደንግ ዝተባህለ ተጻዋቲ እታ ሃገራዊ ጋንታ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ “ፍጹም ዝዀነ ሰብ ከም ዘየለ ርዱእ’ዩ፤ ጌጋ ፈጺሞም። ኣብ መወዳእታ [መዝሙር ደቡብ ሱዳን]ወሊዖም፤ ንሕና’ውን ቀጺልና” ኢሉ።
ኣዳለውቲ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024፡ “ነታ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመጽአት ጋንታን ደገፍታን በቲ ዝተፈጥረ ጌጋ ልባዊ ይቕሬታ ንሓትት” ኢሎም።
“ክብደት ናይቲ ጌጋ ምሉእ ብምሉእ ንርዳእ ኢና” ይብል እቲ ዘውጽእዎ መግለጺ።
ኣዳለውቲ ንኸምዚ ዝበለ ጌጋ ይቕሬታ ክሓቱ ንኻልኣይ ግዜኦም’ዩ።
ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ስፖርተኛታት ደቡብ ኮርያ ናብ መድረኽ ክወጽኡ እንከለው ብጌጋ “ዲሞክራሲያዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ኮርያ” - ወግዓዊ ስም ሰሜን ኮርያ - ተባሂሎም ተጸዊዖም።
ጋንታ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ጸወታ ኵዕሶ ስኪዔት ንፖርቶሪኮ ብ90 ን79 ነጥቢ ረቲዓታ።
ደቡብ ሱዳን ድሕሪ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ፡ ብ2011 [ኣ.ኤ] ካብ ሱዳን ናጽነታ ዝረኸበት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እያ ንፈለማ እዋን ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ሓሊፋ።
ዝሓለፈ ሰሙን ደቡብ ሱዳን ምስ ኣመሪካ ብዝነበራ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ኣብ መወዳእታ ካልኢታት ብሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ብኣመሪካ ተሳዒራ።