ኣመሪካ ኣብ ጓንታናሞ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ዝሰርሓቶም ቴንዳታት ተላዒሎም

ቴንዳታት

ምንጪ ስእሊ, Kristi Noem

ኣሜሪካ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ጓንታናሞ ቤይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምዕቃብ ካብ ዝሃነጸቶም ቴንዳታት ዝበዝሑ ከምዘፍረሰቶም ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተገምገመ ምስልታት ሳተላይት ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምስ ሓዘ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ኣብ ኩባ ዘሎ መሳለጥያ 30 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝሕዝ ኮይኑ ክሰፍሕ ኣዚዙ ነይሩ። ይኹን እምበር ብጭቡጥ ውሑዳት ጥራይ እዮም ኣብቲ መዓስከር ተታሒዞም።

ምክልኻል ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ናይቲ ናብ ጓንታናሞ ቤይ ዝተኻየደ ስርሒታት ምስጓግን ምእሳርን ስደተኛታት፡ ኣስታት 38 ሚልዮን ዶላር ከምዘውጽአ ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ።

ሕጂ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ካብቶም ከም ኣካል ናይቲ ስርሒት ዝተተኽሉ ኣስታት 260 ቴንዳታት ክሳብ 16 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከምዝተኣልዩ ሓደስቲ ምስልታት ሳተላይት የመልክቱ።

ብዛዕባ ምእላይ እቶም ቴንዳታት ዝተሓተተ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ "እዚ ምትዕርራይ ሓይሊ፡ ኮነ ኢልካ ዝተገበረን ብቑዕን ኣጠቓቕማ ጸጋታት ዝውክልን እምበር - ድልውነት ምንካይ ኣይኮነን" ኢሉ።

እቲ መዓስከር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ውጥን ምስ ኣወጀ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ህንጸቱ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ 30 ጥሪ ክሳብ 12 ለካቲት ሓያሎ ቴንዳታት ተሃኒጾም። እቲ ህንጸት ክሳብ 8 መጋቢት ከምዝቐጸለ'ውን ኣብ ምስሊ ሳተላይት ተራእዩ'ሎ።

እዚ መሳለጥያ ንነዊሕ እዋን ንገለ ስደተኛታት ንምሓዝ ዝጥቀሙሉ ዝነበረን ካብቲ ብኣሜሪካ ብገበን ግብረሽበራ ዝተጠርጠሩ እሱራት ንምሕያር ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ልዑል ጸጥታ ዘለዎ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርትን ዝተፈልየ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምስልታት ሳተላይት፡ ኣብቲ ብ 1 ሚያዝያ ዝተወሰደ ስእሊ ኣስታት 260 ቀጠልያን ጻዕዳን ወተሃደራዊ ቴንዳታት የርእይ። ክሳብ 10 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ እዋን ግን ብዙሓት ተኣልዮም ይረኣዩ።

ድሕሪኡ ዝተረኸቡ ኣሳእል ሳተላይት ከም ዘመልክትዎ ድማ ክሳብ 16 ሚያዝያ ብድምር ኣስታት 175 ቴንዳታት ክፈርሱ ተገይሩ'ሎ።

ምስሊ ሳተላይት - (ብጸጋም ሚያዝያ 1 - ብየማን ሚያዝያ 10)

ምንጪ ስእሊ, Planet Labs PBC

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ መሳለጥያ ክንደይ ስደተኛታት ከምዝተረፉ ንጹር ኣይኮነን። ስቲቨን ሚለር - ምክትል ሓላፊ ስታፍ ዋይት ሃውስ - ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ መደበር ክፉት ምዃኑን "ብዙሓት ግብረሽበራውያን ወጻእተኛታት" ገና ኣብኡ ከምዘለዉን ተዛሪቡ ነይሩ።

ምእላይ እቶም ቴንዳታት ነቲ ትራምፕ ኣብቲ መዳጎኒ ስራሕቲ ምስፋሕ ክካየድ ዝሓንጸጾ መደብ ምትራፉ ዝገልጽ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዋይት ሃውስ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን።

ትራምፕ 30 ሽሕ ስደተኛታት ናብቲ መደበር ክሰድድ ምዃኑ እኳ እንተተሓነየ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ግን እቲ ኣብቲ ቦታ ዝተገበረ ምውፋር ን2,500 እሱራት ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ ንዓቕሚ እቶም ቴንዳታት ብዝምልከት ኣብ ዘቐመጦ ትንተና፡ ብመሰረት እቲ ክሳብ ክንደይ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዳስ ክድቅሱ ኣለዎም ዝብል ወተሃደራዊ መምርሒታት ኣሜሪካ፡ ትሕቲ 3 ሽሕ ሰባት ጥራይ ከዕቁቡሎም ከምዝኽእሉ ገሚቱ።

ትራምፕ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ብዓቢኡ ሓደገኛታት ገበነኛታት ወይ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምሓዝ ከምዝውዕል ኣብ ወርሒ ጥሪ ገሊጹ ነይሩ።

"ገሊኦም ኣዝዮም ክፉኣት ስለዝኾኑ ዋላ ነተን ተቐቢለን ዘጽንሕኦም ሃገራት'ውን ኣይንኣምነንን ኢና። ምኽንያቱ ተመሊሶም ክመጽኡ ኣይንደልዮምን" ክብል ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ገሊጹ።

ኣስዒቡ "ስለዚ ናብ ጓንታናሞ ክንሰዶም ኢና... ንኽትወጽእ ከቢድ ቦታ'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ።

ስራሕቲ ምስፋሕ ካብ ዝካየደሉ ቅድሚ ክልተ ወርሕን ፈረቓን ኣትሒዙ ግን ኣስታት 400 ስደተኛታት ናብኡ ከምዝተላእኩን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከቡ ኣብያተ ማሕዩር ከምዝተመልሱን ይግለጽ። ካልኦት ድማ ተሰጒጎም። ብ20 ለካቲት ብሆንዱራስ ኣቢሎም ናብ ቬንዙዌላ ዝተላእኩ 177 ሰባት ካብ መንጎ'ቶም ዝተሰጐጕ ምንባሮም ይዝከር።

ብ28 መጋቢት፡ ሓሙሽተ ሰነተራት ዲሞክራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ናብቲ መዓስከር በጺሑ ነይሩ። ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድማ "ብዓቐንን ብኽነትን ከምኡ'ውን ምምሕዳር ትራምፕ ንወተሃደራዊ ሓይልታት ብዘይግቡእ ምጥቃሙ ከምዝተቖጥዑ" ብምሕባር፡ እቲ መዓስከር "ግቡእ መስርሕ ንምድኻምን ካብ ሕጋዊ ምጽራይ ንምህዳምን ዝተዳለወ ዝመስል" ክብሉ ገሊጾሞ።

እቲ ልኡኽ ሰነተራት፡ ስደተኛታት ካብ ኣሜሪካ ብነፋሪት ኣጓዓዒዝካ ኣብ ጓንታናሞ ቤይ ንምእሳር ዝወጽእ ወጻኢታት "ኣብ ወርሒ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር" ከምዝበጽሐን "ንከፈልቲ ግብሪ ኣሜሪካ ጸርፊ" ከምዝኾነን ብምሕባር ነቒፉ።