እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑንትላንድ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣፍልጦ ከሊኣ
ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ፑንትላንድ፡ ኣብ ሞቓድሾ ንዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ እትህቦ ኣፍልጦ ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ።
ካቢነ ሚኒስተራት መንግስቲ ፑንትላንድ ብቐዳም 30 መጋቢት ድሕሪ ዝገበርዎ ህጹጽ ኣኼባ፡ እታ ብኸፊል ንርእሳ እተመሓድር ግዝኣት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ፈደራል እምነት ስለዝሰኣነት፡ ነቲ ንፈደራል መንግስቲ ክትህቦ ዝጸንሐት ኣፍልጦ ከተልዕል ከምወዝወሰነት ገሊጻ።
እዚ ውሳነ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ባይቶ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ቅዋም እታ ሃገር፡ ኣካታዒ መስርሕ ንምምሕያሽ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።
ብቀዳም 30 መጋቢት፡ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ባይቶታት ሶማልያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናይ ምሻምን ምስጓግን ስልጣን ዝህብ ውሳነ ዝርከቦም ነቲ ቅዋም ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ውሳነ ኣጽዲቝ።
መንግስቲ ፑንትላንድ፡ ነቲ ቅዋም ንምምሕያሽ ዝተወስደ ውሳነ፡ እቲ መስርሕ ምምሕያሽ ን"ፈደራላዊ ስርዓትን ሃገራዊ ሓድነትን" እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ብዘእቱ መንገዲ ስለዝተኻየደ ነቲ ውሳነ ብትሪ ከምዝቃወሞ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ነበርን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን፡ እቲ ንሓያሎ ሰሙናት ከካትዕ ዝቐነየ ምምሕያሽ ቅዋም ብሰፊሑ ክዝተየሉን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
“ኵለመዳያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክሳብ ዝምስረት መንግስቲ ፑንትላንድ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝነበሮ ኣፍልጦ ስሒቡ፤ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ፈደራል ዝነበሮ እምነት እውን ኣልዒሉ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ፑንትላንድ፡ ድሕሪ ደጊም ካብ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ወጻኢ ንረብሓታታ ንምግልጋል ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ ከምእትዋፈር’ውን ገሊጻ።
ፑንትላንድ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ዳርጋ ሓውሲ ‘ናጽነት’ ክትእውጅ ምውሳና፡ ድሕሪ ሶማሊላንድ ንፈደራላዊ መንግስቲ ካልእ ሕማም ርእሲ ክኸውን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፤ መንግስቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስታ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ወጥሪ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ።
ፑንትላንድ፡ ዘይከም ሶማሊላንድ፡ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ ሓውሲ ነጻ-ርእሰ-ምሕደራን ኣካል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ኮይና ጸኒሓ እያ።
ኣብቲ ፑንትላንድ ዝፈረመቶ ፈደራላዊ ቻርተር ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ፑንትላንድ ኣባል ፈደራላዊት ሶማልያ ምዃና፡ ምእንቲ ሓድነት ሶማልያ ክብል ኣብ ትሕቲ ፈደራል መንግስቲ ክትግዛእ ከም ዘለዋ ይገልጽ።
እታ ብወግዒ ‘ፑንትላንድ ግዝኣት ሶማልያ’ ተባሂላ እትፍለጥ ፑንትላንድ፡ ኣብ 1998 ኣትሒዛ ኣካል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኰይና ጸኒሓ እያ።
ርእሰ ከተማኣ ጋሮዌ ዝዀነት ፑንትላንድ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ብምዕራብ ምስ ሶማሊላንድ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ብምዕራብ ምስ ወሽመጥ ዓደን፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ።