'መንግስትኹም ኣይቅበሎምን'የ ኢልኩም ተባሂልና' - ኢትዮጵያውን ኣብ ስዑድያ

ኣብ ስዑድያ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተፈሪዶም ግዜ ማእሰርቶም ዝወድኡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዞም ልዕሊ 750 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ መዳጐኒ ከምዝርከቡን፡ ብምዝውዋር ሓሽሽን ካልኦት ገበናትን ክሳብ 15 ዓመት ተፈሪዶም ማእሰርቶም ከምዝወድኡ ይሕብሩ።

ንጉስ [ንድሕነቱ ስሙ ዝዓቀበ] “ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ተፈሪዱና ነቲ ዝተወሃበና ቕፅዓት ዝወዳእና ኢና። ናብ ዓድና ክንኸይድ ድማ ፈሪምና ኔርና። ዝምላእ ቅጥዕታት እውን መሊእና። ብድሕሪኡ ግን ውሰዱና እንተበልና ‘መንግስትኹም ኣብዩኩም’ ኢሎምና” ክብል ተዛሪቡ።

ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ብወገኑ፡ “ግዜ ፍርድና ወዲእና ካብቲ ዝነበርናሉ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ኣብ ካልእ ንበይንና ፈልዮምና ኣለዉ። ነጻ ስለዝዀንኩም ናብ ሃገርኩም ክትከዱ ኢኹም ኢሎም ፈልዮምና፣ ግን ድማ ዝበፅሐልና ኣይረኸብናን” ክብል መረረኡ ኣስሚዑ።

ብዝፈጸምዎም ገበናት ተፈሪዶም ግዜ ማእሰርቶም ካብ ዘሕለፉሉ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ መጽንሒ ቦታ ወሲዶም ከምዘቐመጥዎም ዝሕብር ዮሃንስ [ሓቀኛ ስሙ ዝተቐየረ] ድማ “እቲ ቐንዲ ሓላፊ መጺኡ ኣዘራሪብናዮ ኣብዚ ቕነ ድሕሪ በዓል ክትኸዱ ኢኹም ምስ በለና ሕራይ ኢልናዮ። ድሕሪ በዓል ዒድ ተፀቢና ግን ዋላ ሓደ ነገር የለን” ክብል ነቲ ብወገን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህቦም መልሲ ጠቒሱ።

ኣስዒቡ፡ “ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርናሉ ቦታ ናብ ካልእ ማይ ዘይብሉን መኽዝን ኣፅዋር ዝነበረን ቦታ ኣምፂኦም ዳጒኖምና ኣለዉ። መብራህቲ’ውን የብሉን። ንምንታይ ኢልና እንተሓተትና ‘ናታትኩም ጉዳይ ነዓና ዝምልከት ኣይኰነን። ፍርድኹም ስለዝወዳእኹም መንግስቲ ሃገርኩም እዩ ዝምልከቶ’ ኢሎምና” ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ቀረባ እዋናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ ከርፋሕ ህይወት ክመርሑ ዝጸንሑ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጀመረን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሱን ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረቡ ይግለጽ።

“ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ኣለና”

እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ካብቲ እሱራት ኮይኖም ዝፀንሑሉ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ኣብ ጂዛን ዝርከብን ኤዋ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ከምዝተወሰዱ እዮም ዝዛረቡ።

መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብእኹል ኣብ ዘይረኽቡሉ ሓደ ኣዳራሽ ልዕሊ 750 ሰባት ከምዝተዳጐኑ ብምሕባር፡ ብሰንኪ ዘለዉሉ ኵነታት ግዳይ ሕማምን ሞትን ይዀኑ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ዮሃንስ፡ “መዓልታዊ እዩ ሰብ ዝሞተና። ሎሚ ንጉሆ’ኳስ ክልተ ሞይቶምና ኣለዉ። ብቕድሚ ትማሊ ድማ ክልተ ሞይቶም። ነዚ ተቓዊሞም ድምፂ ዘስምዑ 17 ሰባት ናብ ደገ ኣውፂኦም ደርብዮምዎም ኣለዉ” ኢሉ።

ነቶም 17 ሰባት፡ ‘ማዕፆ ኳሕኲሕኩም’ ብዝብል ከም ዝፍለዩ ተገይሩ፤ ንሳቶም ግን “እሞ ሰብ እናሞተና ደኣ እንታይ ክንገብር” ከምዝበልዎም፣ ሽዑ እቶም ዕጡቓት ሓለውቲ፡ “ማዕፆ ክትሰብሩ ኢኹም ሓሲብኩም” ኢሎም ንዓሰርተ ሸውዓተኦም ኣብ ደገ ኣሲሮምዎም ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

“ጥዕና ኣእምሮኦም ተዛቢዑ ጥራሕ ነብሶም ዝኸዱ ሰባት ኣለዉና። ቲቢን ሽኮርን ዝሓመሙ ሰባት'ውን ኣለዉ። ሕክምና የለን፤ ካልእ ሓገዝ እውን የለን። እንታይ ኢና ጌርና” ክብል ንጉስ ይገልጽ።

እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደልይ ምስ በዓል ዮሃንስ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ከምዝብሎ፡ ኣብ ሞንጐኦም ነብሰ ቕትለት ዝፈጸሙ ሰባት ኣለዉ።

“ንሕማም ተቓሊዕና ኢና ዘለና። ኣብ ሆስፒታል'ውን ዝዀነ ዝግበረልና ሓገዝ የለን። መንግስትኹም እምበር ንሕና ዝገብርናኩም የለን እዮም ዝብሉና” ክብል ወሲኹ ይገልፅ።

እቲ ጠንቂ ስደት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝግለጽ ቁጠባዊ ጸገማት፤ ደርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ናብ ስዑድያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ኣይኦኤም ኣብ 2019 ጥራይ ኣስታት 140,000 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ኣብዚ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሰባት ዝጨውዩ ሰብ መዚ የመንን ነዞም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ስድራ እዞም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ከምዘገድድዎም ሰነዳት ከምዘለዎ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይፈልጥ’ዶ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ቈንስል ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድያ ነበር፡ ጉዳይ እቶም እሱራት ከምዝፍለጥን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ናይ ጕዕዞ ሰነድ ንምድላው ይስራሕ ከምዝነበረን ሓቢሩ።

እቶም እሱራት ብወገኖም ግዜ ማእሰርቶም ካብ ዝውድኡ ሓደ ዓመት'ኳ እንተሓለፎም ዝግደሰሎም ከምዘይረኸቡ እዮም ዝዛረቡ።

“እቲ ኣምባሳደር ስልኪ እንተደወልናሉ ኣየልዕሎን። ወከልቱ’ውን ናብዚ መጺኦም ምስረኣዩና ‘ከምዚ ክንገብር ኢና’ ኢሎም ቃል ይኣትዉ። እቲ ፀገም ‘ናይ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ እዩ’ እዮም ዝብሉና። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ድማ እቲ ጸገም ኣብ መንግስትኹም እዩ’ ዝብል። ኣብ መንጐ ንሕና ተጐዲእና” ይብል እቲ ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ።

ዝምልከቶም ኣባላት ቤት ጽሕፈት ቈንስል፡ ንዅነታቶም ከምዝፈልጥዎ ዝሕብር ንጉስ ድማ፡ ናብቶም ኣባላት ቈንስል ብተደጋጋሚ ስልኪ እንተደወልሉ ግን ምላሽ ዝህቦም ከምዘይረኸቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ዝተወሰነ እዋን መፂኦም ሪኦምና ነይሮም። ግን ድማ ‘ሎሚ መጻና፤ ጽባሕባ’ ክብሉና ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ እዋን ፈጺሞም ስልኪ ኣየልዕሉናን ዘለዉ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ናብ ኤምባሲን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያን እንተደወሉ’ውን ንሕቶኦም ምላሽ ዝህብ ከምዝሰኣኑ ዝገልጽ ዮሃንስ ብወገኑ፡ “ንሰበስልጣን ስዑዲ ‘እንታይ ደኣ ክንገብር’ ምስ በልናዮም፤ ‘ዓሪፍኩም ኮፍ በሉ መንግስትኹም እንተደልዩ መፂኡ ክወስደኩም እዩ። እንተዘይኰይኑ ቀይሕ መስቀል ክመጽእ እዩ’ ይብሉና” ኢሉ።

“ኣብዚ ቦታ ኴንና ተቓውሞና ክንገልጽ ንኽእለላ መገዲ፡ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ምክያድ ጥራሕ እያ። ካብኣ ንላዕሊ ክንገብራ ንኽእል ነገር የብልናን” ዝብሉ እቶም እዋን ፍርዶም ከምዝወድኡ ዝዛረቡ ኢትዮጵያውያን፡ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ እናተመላለሱ ከምዝቈጻጸርዎም ሓቢሮም።

“መቈጻጸሪ ካሜራ ኣለዎም። መግቢ ክንሕሰም ከለና መጺኦም ‘ክትፍትሑ ኢኹም’ ይብሉና። ኣብ መንደቕ ዝተሰቐለት ስልኪ ስለዘላትና ኢና ናባኹም ደዊልና። መጻኢና ግን እንድዒ. . .” ኢሉ ዮሃንስ።

ንጉዳይ እቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣለና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ናብቲ ኣብ ጂዳ ዝርከብ ቈንስል ኢትዮጵያ ደዊልና ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ናብ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝደወልናሉ እዋን ድማ፡ ኢመይል ክንልእኽ ተሓቲትና ከምቲ ዝተባህለና’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኢኽና። ይኸን’ምበር ዛጊት ዝተወሃበና መልሲ ወይ መብርሂ የለን።

[ምስ በጽሐና ከምእነቕርቦ ክነዘኻኽረኩም ንፈቱ።]