ዝበቘለ ድንሽን ሽጉርቲን ምብላዕ ጸገም ኣለዎ ድዩ?

ጸብሒ ድንሽ ዊን ኢልኩም ድራር ክትሰርሑ ናብ ክሽነኹም ምስ ኣተኹም ወዮ ኣቐዲምኩም ዝሸመትኩሞ ድንሽ ወይ ቀይሕ ይዅን ጻዕዳ ሽጉርቲ ድሮ በቚሉ ምስ ዝጸንሓኩም እንታይ ምገበርኩም? ክትጕሕፍዎ ድዩ ዘለኩም ዋላ ክትጥቀምሉ?

ልሙድ ሕቶ'ኳ እንተዀነ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ዝወሃብ ርእይቶታት ግን ይፈላለ'ዩ።

እስኪ ነቶም ቀንዲ ሓሳባት ንሎሚ ከነቕርበልኩም፣

ድንሽ ክበቍል ከሎ እንታይ'ዩ ዝኸውን?

ምብቋል ድንሽ ባህርያዊ መስርሕ'ኳ እንተዀነ፡ ኣገዳሲ ምዕባለታት ዝኽሰተሉ'ዩ።

ኣብዚ መስርሒ'ዚ፡ ሱር ናይቲ ድንሽ፡ ኣትክልቲ ካብ ባልዕን ፋንገሳትን ርእሶም ንምክልኻል ዝጥቀምሉ ልዑል መጠን ዘለዎ 'ግሊኮልካሎይድስ' ዝተባህለ ባህርያዊ መርዚ የፍሪ።

ብፍላይ ሓደ ኣካል ናይቲ ባህርያዊ መርዚ ዝዀነ 'ሶላኒን' ዝተባህለ መርዛም ባእታ ኰይኑ ኣብ ከም ድንሽ፡ ኮሚደረ፡ ዝኲኒ (ኩረጀትስ) ጉዕ-በርበረታትን ዝበሉ ኣሕምልቲ ዝርከብ'ዩ።

ምኽዛን ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ፍርያትን መስርሕ ምብቋልን ድማ'ዩ ንሰብን እንስሳን ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል።

ቡቋልያ ናይዞም ኣሕምልቲ ምብላዕ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?

"እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ዝበቘለ ድንሽ ግሊኮልካሎይድስ እዩ። እዚ ዓርዓሪ መቐረት ዝህብ ኰይኑ፡ ዳርጋ ኵሉ ሳዕ ክሳብ ተምላስ ከስዕብ ዝኽእል'ዩ። ከቢድ ሳዕቤን ግን ዘለዎ ኣይኰነን፡" ይብል ዶ/ር ክሪስ ቢሾፕ፡ ኣብ ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ሊንከን፡ ክኢላን ተመራማሪን ቴክኖሎጂ ምኽዛን ድንሽ።

"እዚ ባህርያዊ ቀመም (ከሚካል) ዝያዳ ዝርአ ድንሽ ቀጠልያ ክኸውን እንከሎ'ዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዩ ቀጠልያ ድንሽ ክንበልዕ ዘይብልና፡" ክብል ዶ/ር ቢሾፕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብፍላይ እቲ ዝበቘለ ኣካሉ ልዑል መጠን ናይዞም ከሚካላት ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ምሉእ ብምሉእ ክእለዩ ኣለዎም። እንተ ተሰኪፍና ድማ ሱር ናይቲ ብቚሊ ዘለዎ ክፋል ናይቲ ድንሽ ከነልግሶ ንኽእል።"

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ምቍጽጻር ደረጀ መግቢ ብሪጣንያ (FSA)፡ ኣድላዪ ክንክን ዝተገብረሉ ብቋልያ ድንሽ ክብላዕ ይኽእል'ዩ።

"ብቚሊ ምስ ተኣልየ፡ እቲ ድንሽ ተሪርን ናይ ምምሽማሽ ምልክት እንተ ዘይብሉን ብጥንቃቐ ክብላዕ ይኽእል'ዩ፡" ይብል ምኽሪ ናይቲ ትካል። "እንተዀነ ግን፡ እቲ ድንሽ፡ ንእሽቶ ናይ ቀጠልያ ምልክት እንተ ኣርእዩ፡ ምጕሓፉ ተመራጺ'ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ቀጠልያ ምልክታቱ መርዚ ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ።"

"ድንሽ፡ ብቚሉ ምስ ተኣልየ፡ ክትሕዞ እንከለኻ ተሪርን ኣመና ዘይዓጠረን፡ ከምኡ'ውን እቲ ብቚሊ ዝጅምር ዘሎ እንተዀይኑ ንምብልዑ ውሑስ'ዩ። ይዅን'ምበር፡ ዝለስለሰ፡ ዝዓጠረን ዝተጨበጠን ምስ ዝኸውን መኣዛታቱ ዝወድአን ዘይጥዕሙን ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል እቲ ትካል ምቍጽጻር ደረጃታት መግቢ።

ገለ ክኢላታት ኣብዚ ጉዳይ ዝያዳ ጥንቃቐ ክግበር'ዮም ዝላበዉ።

ኣብ ካልእ ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ኢስት ኣንግልያ መምህር ስነፍልጠት ኣትክልቲ ዝዀነት ፕሮፌሰር ካቲ ማርቲን፡ "ፈጺምካ ዝበቘለን ቀጠልያ ዝዀነን ድንሽ ክትበልዕ የብልካን፡" ብምባል ተጠንቅቕ።

"ምኽንያቱ፡ ንብርሃን ምቅላዕ (ንምብቋል ዘደንፍዕ) መርዛም ዝዀነ 'ስቴሮይዳል ግላይኮኣልካሎይድ' ክፈሪ ዘነቓቕሕ እዩ። እዚ ድማ ንሰባትን እንስሳታትን፡ ብፍላይ ንደማሙን ኣኽላባትን፡" ትብል።

"ቀጠልያ ዘይኰነ ድንሽ ትሑት መጠን ሶላኒን ኣለዎ። እንተዀነ፡ ብሶላኒን ክስመም ስለ ዝኽል ዝዀነ ሰብ ዘይበሰለ ድንሽ ፈጺሙ ክበልዕ የብሉን፡" ትብል ፕ/ር ማርቲን።

ሳሕቲ ዝርአ'ኳ እንተዀነ፡ ውሑድ ቍጽሪ ብሶላኒን ዝተሰመሙ ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብኦም፡ እቲ ብዙሕ ዝተነግረሉ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ዘጋጠመ'ዩ። እቲ ፍጻመ፡ 78 ቈልዑ ተመሃሮ ቀጠልያ (ሓምላይ) ድንሽ በሊዖም ክሳብ ሆስፒታል ዝኣተውሉ'ዩ ነይሩ።

ውሑድ መጠን ብምብላዕ ናይ ሕማም ምልክት ዘይከስዕብ ይኽእል'ዩ።

ሳዕቤናት ማእከላይ መጠን ምምራዝ ሶላኒን ውጽኣት፡ ተምላስን ከቢድ ቅርጸትን ዘጠቓልል'ዩ።

እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ምስማም ሶላኒን ድማ ምፍዛዝ፡ ምስልቻው፡ ምድንጋር፡ ድኻም፡ ዓይንኻ ሕውዝውዝ ምባልን ሃለዋትካ ምጥፋእን ክኸውን ይኽእል። ሓድሓደ እዋን'ውን ሞት ከስዕብ ይኽእል'ዩ።

መርዛም ድንሽ ምስ በላዕካ ካብ ክልተ ደቒቕ ክሳብ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘሎ እዋን ምልክታት ክትርኢ ትኽእል።

ምኽርታት፡ ዝበቘለ ድንሽ ብኸመይ ክተሓዝ ኣለዎ?

  • ፈለማ ዝበቍል ዘሎ እንተዀይኑ፡ ቈሪጽካ ብምእላይ ጥራሕ ከተብስሎ ይክኣል።
  • እቲ ብቋልያ ክሳብ 2.5 ሰ.ሜ. ዝበጽሕ እንተዀይኑ ወይ እቲ ድንሽ ልስሉስ ምስ ዝኸውን ብምልኡ ክድርበ ኣለዎ።
  • ቀጠልያ (ሓምላይ) ክፋሉ ወትሩ ክእለ ኣለዎ - ልዑል መርዚ ከም ዘለዎ ዘርኢ ስለ ዝዀነ።
  • እቲ ድንሽ ናይ ምምሽማሽ ምልክት እንተ ደኣ ኣልይዎ'ውን ክድርበ ኣለዎ።
  • ዝበቘለ ድንሽ ክትዘርኡ ምስ እትደልዩ ድማ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ብቋልያ እንተ ተሰሊዑ፡ ልክዕ ከም ኣካላት ሰብ እቲ ድንሽ ብቐሊሉ ብሕማም ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ።

ብፍላይ ነፍሰጾራት፡ ክታበት ዘይወሰዱ፡ ከምኡ'ውን ንዝምገቡ ቈልዑ ልዑል ጥንቃቐ የድልዮም።

ድንሽ ብኸመይ ክኽዘን ይኽእል?

ብኽነት ንምንካይን ዘፈርናዮ ይዅን ዝሸመትናዮ ድንሽ ከይተበላሸወ ንነዊሕ ከም ዝጸንሕ ንምግባር፣

  • ኣብ ዝሑል (3-10 ደረጃ ሰልሰስ)፡ ጸልማት ዕጹው ከብሕታትን ቆፎታትን ምኽዛን።
  • ቅድሚ ምኽዛን ድንሽ ዘይምሕጻብ - ጠሊ ንኽምሽምሽ ዘተባብዕ ብምዃኑ።
  • ድንሽ ካብ ሽጉርቲ ተፈልዩ ክቕመጥ ኣለዎ - ክልቲኡ ጠሊ ስለ ዝሰድድ ናይ ክልቲኡ ቅልጡፍ ምብቋል ከስዕብ ይኽእል'ዩ።

ኣብ ሽጉርትን ጻዕዳ ሽጉርትንከ?

ናይ ሽጉርቲ ብሓፈሻን ጻዕዳ ሽጉርትን ጉዳይ ፍልይ ዝበለ'ዩ።

"ዘይከም ናይ ድንሽ፡ ብቋልያ ሽጉርቲን ጻዕዳ ሽጉርትን ምብላዕ ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን። ክንድ እቲ ናይ ድንሽ መጠን ሓደጋ መርዚ የብሎምን፡" ትብል ፕ/ር ማርቲን።

"ብቚሎም ካብቲ ኣብ ውሽጦም ዝዓቘርዎ መኣዛታት'ዩ ዝወጽእ። ግና ዕርዕርን ልስልስን ዝበለ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ክልቲኡ ኣብ ዝሑል (3-10 ደረጃ ሰልሰስ)፡ ጸልማትን ደረቕን ቦታ ክቕመጥ ከም ዘለዎ ድማ ክኢላታት ይመኽሩ።

ኣብ ዕጹው ፕላስቲክ ካብ ምኽዛን ድማ ተቘጠቡ - ቀዳድ መትሓዚ ወይ ወረቐት ምጥቃም ንፋስ ክሓልፎ ስለ ዝሕግዝ።

ልክዕ ከምቲ ናይ ድንሽ ምልክት ምዕሳው፡ ምልስላስን ሕማቕ ጨናን እንተ ኣልይዎ ግን ምጕሓፉ ጥራሕ'ዩ።