ምስጢራት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ብምሕላፍ ዝተኸሰሰ ኣመሪካዊ-ኢትዮጵያዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስ ክፍሊታት ጉዳያት ወጻኢን ፍትሕን ኣመሪካ ዝሰርሕ ካብ ኢትዮጵያ ዝውለድ ኣመሪካኣዊ ዜጋ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣሕሊፉ ብምሃብ ተኸሲሱ።
ኣብታ ጎረቤት ርእሰከተማ ዋሽንግተን-ዲሲ ዝኾነት ክፍለሃገር ቨርጂኒያ ዝነብር ኣብርሃም ተክሉ ለማ ዝተባህለ ሰብ ምስ ስለያ ዝተሓሓዝ ሰለስተ ክስታት ቀሪብሉ ከምዘሎ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 50 ዓመት ክሱስ፡ ንናይ ወጻኢ መንግስቲ ንምድጋፍ ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ምክልኻል ስቱር ምስጢራት ብምእካብ ወይ ኣሕሊፉ ክህብ ወዲት ብምእላም፡ ከምኡ'ውን ሓበሬታ ምክልኻል ኣመሪካ ካብ ፍቓድ ወጻኢ ብምሓዝ ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ እቲ ውልቀሰብ ብቐጥታ ነቲ ሓበሬታ ንኢትዮጵያ ሂብዎ'ኳ እንተዘይበለ፡ ናብታ ስድራቤታዊ ርክብ ዘለዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ዝተመላለሰላን ሃገር ከምዘሕለፈ ጠቒሱ'ሎ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብርሃም ተክሉ ንረብሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላይ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ገሊጹ ነይሩ።
ሰብመዚ ፍሕቲ ኣመሪካ፡ ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ)፡ ከምኡ'ውን ዋና ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ እቲ ጥርጡር መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዛጊት ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።
ኣብርሃም ተክሉ ለማ፡ ኣብ ክፍሊ (ሚኒስትሪ) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ'ዩ። ኣብ ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር'ውን ከም ተንታኒ (ኣናሊስት) ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።
እቲ ዝነበሮ መዝነትን ስራሕን ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ክረኽቦ ከምዘኽኣሎ'ዮም ሰብመዚ ኣመሪካ ዝገልጹ ዘለዉ።
ካብ ታሕሳስ 2022 ክሳብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሕጊ ብምጥሓስ ንሚስጢራዊ ሓበሬታ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቀዲሑ ወሲዱ ይብል እቲ ወግዓዊ ክሲ።
እቲ ዝወሰዶ ሓበሬታ ምስቲ "ዞባ" ዝተሓሓዝ'ዩ ክብል ብሓፈሻ'ኳ እንተገለጾ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ግን እቲ ኣብርሃም ዝወሰዶ ቅዳሕ ሓበሬታ ምስ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለን ምንቅስቐስን፡ መኣዘዚ ነቑጣታትን ዝምልከት ምዃኑ ጸብጺበን ኣለዋ።
ሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዘቃለሖ ጸብጻብ ድማ፡ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ንኣብርሃም ብዛዕባ ኣንጻር መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ "ዕጡቕ ጉጅለን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳቱን" ሓበሬታ (መረዳእታ) ክረክብ ሓቲትዎ ይብል።
እንተኾነ ግን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣየናይ ምዃኑ ብንጹር ዝተገልጸ የለን።
ኣብታ ሃገር ሓያለ ኣንጻር ፈደራላዊን ክልላዊን መንግስታት ዝዋግኡ ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ካብቶም ቀንዲ ኣብታ ሃገር ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሮም ዝርከቡ ግን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ዝጀመሩ ዕጡቓት ፋኖን እዮም።
ኤን-ቢ-ኤስ ዝተባህለ መደበር ተለቪዢን ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንሰብመዚ ፍትሒ ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣብርሃም ብስቱር ኣገባብ ካርታታት፡ ምስልታትን ናይ ሳተላይት ሓበሬታታትን ከምዘመሓላለፈ ጠቒሱ።
ኣብርሃም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ሓያለ ምብጻሕ ከምዘካየደን፡ ነቲ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሆቴል ከምዝረኸቦን ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ውልቀሰብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸደሎም ግዚያት ዝተሓተሙ ሰነዳት ከምዘረከበን፡ ስቱር ምስጢር (ቶፕ ሲክረት) ብዘይ ፍቓድ ምውሳድ ካብ ዝጅምርን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምልላሱን ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ገንዘብ ኣታዊ ከምዝተገብረሉን ሰብመዚ ገሊጾም።
ብዘይካ'ዚ፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ኣብርሃም ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ክህብ ድሉው ምዃኑ ዝገለጸሉ ምልውዋጥ ጽሑፍ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።
"ሓገዝካ እትቕጽለሉ ግዜ ሕጂ'ዩ" ዝብል መልእኽቲ ካብ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ብዓልስልጣን ምስተቐበለ፡ ኣብራሃም "ተቐቢለዮ ኣለኹ" ዝብል መልሲ ከምዝሃበ፡ ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጠቒሶም።
"እዛ ውቅብቲ ሃገር ዘኹርዕ ታሪኻ ንምሕላው፡ ንርእሶም ኣሕሊፈም ዝህቡ ሰባት ኣለዉዋ። ወትሩ ክትዝከር ኢኻ. . ." ክብል እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልስልጣን ንኣብርሃም ከምዘሞጎሶ'ውን መግለጺ ኣመሪካ ኣነጺሩ።
ካብቶም ንኣብርሃም ቀሪቦምሉ ዘለዉ ክስታት፡ ክልተ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ወይ ንሕልፈት ማእሰርቲ (ዕድመ ልክዕ) ከስዕቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣመልኪቱ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







