ኲናት ትግራይ፡ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት እታ ክልል ተጋዲዱ ይቕጽል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክረከበሉ'ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን'ዩ፡ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዳግማይ ተወሊዑ።

ወተሃደራዊ ምድላዋት ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ዝንገረሎም፡ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ኲናት ከም ብሓድሽ መን ጀሚሩዎ ኣብ ዝብል ንሓድሕዶም'ዮም ዝካሰሱ።

ብወገን ኤርትራ እንታይ ይመስል?

ሓይልታት ትግራይ፡ ብወገን ዶባት ኤርትራ ሓድሽ መጥቃዕቲ ክኽፈቶም ከምዝኽእል ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ ኣሚቶም ኣለዉ።

ኣፈኛ ህወሓት፡ ጌታቸው ረዳ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ምሉእ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ግራት ደብዳብ ከካይዱ ውዒሎም" ክብል ከሲሱ።

"ሓይልታትና ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ምስ ሓይልታት ኤርትራን [ኢትዮጵያን] ክዋግኡ ቀንዮም ኣለዉ" ይብል ኣቶ ጌታቸው።

ኣቐዲሙ ገለ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ዝገለጹ መራሕቲ ትግራይ፡ ብሰሜናዊ-ምዕራብ፡ ብወገን ኣድያቦ ዝተብሃለ ከባቢ፡ ምስ ሓይልታት ኤርትራ ብምዃን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ክገልጹ ቀንዮም ነይሮም።

ብወገን ኤርትራ ዛጊት ብዛዕባ ተሳትፎ ሓይልታታ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብ ምጅማር'ቲ ኲናት ኣብ ጎድኒ ሰራዊት መንግስኢ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ምንባሮም ይዝከር።

ብዝተፈላለዩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ይኽሰሱ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ልሒኹ ወጺኡ ዝበሎ ዘይተረጋገጸ ሰነድ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ መጥቃዕቲ ክኸፍቱ መደብ ነይርዎም ክብል ኣብ ትዊተር ከሲሱ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ካብ ሰራዊት ንዝሃደሙን ካልኦትን መንእሰያት ንምሓዝ ግፋታት ከካይዱ ከምዝቐነዩ፡ ምንጭታት ጠቒስና፡ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ኣብ ከባቢ ዶባት ጽዑቕ ምንቅስቓስ ሰራዊት ክረአ ምጽንሑ'ውን ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብቲ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ትሳተፍ ከምዘላ ብምኽሳስ ኮኒና'ላ።

ብሰንኪ ምቋራጽ መስመራት መራኸቢታት፡ እቲ ኲናት ብዝምልከት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ቢቢሲ ኣብቲ ብወገን ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ብስልክን ናይ ፅሑፍ መልእኽትን ዝገበሮ ፈተነ ዛጊት ምላሽ ኣይረኸበን።

እንተኾነ ግን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኩላ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ትግራይ እያ፡ ኩላ ክልል ትግራይ'ውን ኢትዮጵያውያን ዝውንኑዋ'ያ" ኢሉ።

"ትግራይ ዑቕባ ናይ ኣሸበርትን፡ ህወሓት ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝኾነላን ክትከውን የብላን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ካልእ ግንባራት ዘሎ ምዕባለታት

ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ከባቢታት ዓዲ-ኣርቃይ ከምዝወጹን ብድሕሪኦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተቖጻጸሮን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብወገን ሑመራ፡ ብረከት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ቆቦን ከባቢኣን ሕጂ'ውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምእትርከብ ጸብጻባት ይገልጹ።

ብኣንፈት ዋግ-ሕምራ ዝተባህለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ'ውን፡ ረጽሚ ከምዘሎ ነበርቲ ኣሚቶም። ከተማ ሰቖጣ ግን ዛጊት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት መንግስቲ ትርከብ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፡ ሰዓታት እቶ-እቶ ተኣዊጁ ከምዘሎን ይግለጽ።

ውግእ ብኣንፈት ዶብ ሱዳን

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብሉምበርግ ዝተባሃለ ማእከን ዜና፡ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝነበሩ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ፡ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ወጊኖም ይዋግኡ ከምዘለው፡ ዝሕብር ፀብፃብ ዘርጊሑ ነይሩ።

ንደቡብ ሱዳንን ንሱዳንን ኣብ እተሰሓሕብ ገዝኣት ኣቢየ ተዋፊሮም ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ከባቢ 500 ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢና' ብምባል ኣብ ሱዳን ምትራፎም ተገሊጹ ኔሩ።

ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ እዞም ኣማኢት ኣባላት ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ነበር፡ ምስ ካልኦት ተወለድቲ ትግራይ ብምዃን ዶብ ሰጊሮም፡ ንከተማ ሑመራ ክቆጻጸሩ ቀሪቦም ከምዘለዉ፡ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮምኒ ይብል ጸብጻብ ብሎምበርግ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ብሉምበርግ ጸብጻብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓቃብ ሰላም ነበር፡ 'ናይ ስደተኛነት መሰል ድሕሪ ምሃቡ እዮም ናብ ኲናት ተዋፊሮም ዘለዉ' ዝብል ክሲ ተደጋጋሚ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ንስደተኛታት ኣፍልጦ ዝህብ መንግስቲ ሱዳን ምዃኑን፡ ናቱ ተራ፡ ቴክኒካዊ ምኽርን ደገፍን ካብ ምሃብ ከምዘይሓልፍ እቲ ኮሚሽን ኣመልኪቱ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡ "ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ኣፍልጦ ስደተኛነት፡ ምስ ዝኾነ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከምዘይሳነን፡ ሓደ ወተሃደር ዑቕባ ክሓትት እንተደልዩ ድማ ካብ ውትህድና ክወጽእ ከምዘለዎ ይድንግግ" ኢሉ።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ዘለዉዎም መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ምልመላ ከምዝካየድ፡ ሓበሬታ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኩነታት ዝርርብ ሰላም

ነቲ ኲናት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክበጽሕ ኣይክኣለን።

ብፍላይ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝረኸበን፡ ብህወሓት ስክፍታታት ክቐርበሉ ዝጸንሐን ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ብንጹር ዝፍለጥ የለን።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ከምዘሎ ይዝረብ። እንተኾነ፡ ጻንሒቱ ብዝምለከት፡ ዛጊድ ዝተውሃበ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ዋይት ሃውስ፡ ከምዝበሎ ኣምባሳደር ሃመር ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮ መገሻ ቀንዲ ዛዕብኡ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዘጋጠመ ቅልውላው ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ሳልሳይ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይኑ ስርሑ ዝጀመረ ሃመር፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተመላሊሱ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላዉ

ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክኾኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ስልኪ፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቁራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።

ኣብተን ሰብኣዊ ምራጽ ተገይሩለን ዝጸንሓ ኣዋርሕ፡ ብተዛማዲ ድሓን ዝኾነ መጠን ህጹጽ ረድኤት ክኣቱ'ኳ እንተጸንሐ፡ ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ግን ንንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ'ቲ ውግእ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ስጉምቲ ነቲ ተጻባዪ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ እታ ክልል ንጥምየት ዘቃልዕ'ዩ።

ብኣየር ዘካይዶ ዝነበረ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት'ውን ከምዝተቛረጸ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።