ቅልውላው ሱዳን፡ ድሕሪ ሓድሽ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑ

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ እቶም ንስልጣን ዝነሓንሑ ዘለዉ ጀነራላት፡ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ-ሕሜቲን ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ድሕሪ'ቲ ንሓደ ለይቲ ዝተኻየደ ውግኣትን ደብዳባት ኣየርን፡ ተዛማዲ ህድኣት ከም ዘምጽአ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ተነቢሩ ዘሎ ን72 ሰዓታት ዝቕጽል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ንኽልቲኦም ጀነራላት ዘሸማግላ ዘለዋ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን እየን ኣፍሊጠን።

ሰብመዚ ሱዳን፡ በቲ ብቐዳም ኣብ ካርቱም ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ሓሙሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሓቢሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሉ ግዝኣት ያርሙክ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 25 መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝዓነዉ’ውን ተፈሊጡ።

ድሕሪኡ ግን እቲ ኵነታት ዝሃድአ ይመስል ከምዘሎ ነበርቲ'ውን ተፋኦም ይገልጹ ኣለዉ፤ ሓደ ነባሪ ካርቱም፡ እቲ ኵነታት ከም ዝሃድአ ብምግላጽ፡ እዚ ሓድሽ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ንምዝዛም እቲ ኲናት መፈለምታ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣተስፍዩ።

ኣብ መንጐ ክልተ ጐባልል ጀነራላት ሱዳን ብምትፍናን ንስልጣን ዝግበር ከቢድ ውግእ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ እዩ ተወሊዑ።

ማሕበር ሓኻይም ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር እዚ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ 1000 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቘሰሉን ይሕብር።

ብሰንኪ እዚ ውግእ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ተገዲዶም።

እዚ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣብ ቍጠባ ሱዳን ዛጊት 3.4 ቢልየን ዶላር ክሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ኣፍሊጡ እዩ።

እቶም ሓይልታት - ሰራዊት ሱዳንን ሓይሊ ወሃቢ ደገፍን - መጥቃዕትታት ክገትኡን ንምትሕልላፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተሓባበሩን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገበሩ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ብኣጋ ከም ዝበርዓኑን ዝድለ ውጽኢት ከምዘይተረኽቦምን ብዙሓት ገምጋሞም የቐምጡ።

ተዋጋእቲ ሓይልታት ወገናት ሱዳን፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ግንቦት፡ ኣብ ጅዳ ብመንጐኝነትን ጸቕጥን ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን፡ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምክያዶም፡ ብተወሳኺ ነቲ ስምምዕ ንሓመሽተ መዓልታት ክቕጽል ከምዝተሰማምዑ ኣሜሪካን ስዑድ ዓረብን ኣብ ሓባራዊ መግለጺአን ኣፍሊጠን ምንባረን ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ሽዑ መግለጺ፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ከምቲ ኣብ ውዕል ዝሰፈረ ከምዘይተተግበረ ብምግላጽ ብውሕዱ እቲ ስምምዕ ተዛማዲ ህድኣት ብምፍጣሩ ንክልተ ሚልዮን ሱዳናውያን ሰብኣዊ ረድኤት ንኽበጽሖም ከምዘኽኣለ ሓቢረን ነይረን።

ኣብ ምጥሓስ ከምዚ ዝበለ ስምምዓት፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።