1 ሚልዮን ብር ክኸፍል ዝተሓተተሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጨውየ ኤርትራዊ ድያቆን ኣበይ ኣተወ?

ምንጪ ስእሊ, ኣ/ወ
ኣብዚ እዋን፡ ኣብታ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዓሌት መሰረት ዝገበረ ግጭታትን ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት ኣሰካፊ እናዀነ ይመጽእ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይዅኑ ዜጋታትን ተቐማጦ እታ ሃገርን ይገልጹ። 'ዕጡቓት' ተባሂሎም ብዝጽውዑ ጕጅለታት ዝፍጸም ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ስርቂን ጭውያን ድማ ካብቲ ገኒኑ ዝርኣ ዘሎ እዩ። 'ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም' ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባት ጨዊኻ መበጆ ምሕታት ድማ ሓደ ካብቲ ተለሚዱ ዘሎ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ ዙርያ'ዚ ዝተፈላለየ ዛንታታት ክንገር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ኣዲሳ ኣበባ ዘጋጠመ መጭወይቲ ዲያቆን ሰመረ ፍስሃየ ድማ ሓደ ካብኡ እዩ።
ኣብ 2018 ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ዝተሰደደ ድያቆን ሰመረ ፍስሃየ፡ ፈለማ ኣብ ትግራይ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ ንንውሕ ዝበለ እዋን ክቕመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፤ ኣብኡ ድማ ብስራሕ ታክሲ ስድራኡ እናመርሐ ክነብር ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ግን፡ ከም ወትሩ ስራሕ ኩንትራት ኢሉ ካብ ገዛ ምስ ወጸ ንሱን መኪናኡን ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይተፈልጠን።
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጠ ጨውዮምዎ ከምዘለዉ ዝገለጹ ኣካላት፡ ስድራኡ 1 ሚልዮን ብር እንተኸፊሎምሉ ንዕኡን ንመኪናኡን ክለቅዎም ምዃኖም ከምዝሓበርዎም በዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ወልዱ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣስቴር፡ እቲ ንልዕሊ 2 ኣዋርሕ ህጣሙ ጠፊኡ ዘሎ በዓልቤታ ድያቆን ሰመረ፡ ነታ ዝጠፋኣላ ንግሆ ክትዝክር እንከላ፡ "መጀመርታ ንግሆ ሰዓት ዓሰርተሓደን ፈረቃን ሓደ ሰብ ኩንትራት ኢሉ ደዊልሉ እዩ ካብ ገዛ ወጺኡ። ድሕሪኡ ንዓይ ከይደ ስራሕ ኢሉኒ ከይዱ። ድሕር'ዚ ከባቢ ሰዓት ክልተ እንታይ ደኣ ደንጒኻ ክብል ምስ ደወልኩሉ ግን ተሌፎኑ ተዓጽያ። ቀዳም ዝወሰድዎ ንሰሉስ ግን ገለ ሰባት ተሌፎን ደዊሎም 1 ሚልዮን ብር እንተኸፊልኩም ንዕኡን ንመኪናኡን ክንለቈም ኢና ኢሎምና" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, ኣ/ወ
እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጨወይቲ ድያቆን ሰመረ፡ ኣብ ሰሙኑ ደዊሎም 1 ሚልዮን ብር ኣብ ዝሓተትሉ፡ ቤተሰብ ‘ሕራይ ገንዘብሲ ንህበኩም ግን ድምጹ ኣስምዑና’ ኢሎም’ኳ እንተሓተቱ ንግዳይ ምስ ስድራቤቱ ከራኽብዎም ኣይከኣሉን።
ብኸምዚ ኵነታት ድማ ካብታ ዝጨውዩሉ ቀዳመይቲ ሰሙን ኣትሒዞም ንዝቐጸላ 3 ሳምንታት ድምጹ ፈጺሞም ከየስምዑ ንስድራቤት ሓደ ሚልዮን ብር ንክኸፍሉ ብተደጋጋሚ ደዊሎምሎም።
ይዅን እምበር እቶም ድሕነት እቲ ኣቦ ስድራ ድያቆን ኣስጊኡዎም ሰለም ከየበሉ ዝሓድሩ ቤተሰቡ፡ ዋላ'ኳ ሕራይ ክንከፍል እንተበሉ ድምጹ ዘይምስምዖም ግን ላንጋ ላንጋ ገይርዎም ኣይከፈሉን።
ድሕሪ'ዚ ግን እቶም ደጋጊሞም ገንዘብ ክፈሉ'ሞ ምስ መኪናኡ ክንለቈ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ መንነቶም ዘይተፈልጠ ጨወይቲ፡ ጸጥ ኢሎም። ዛጊት ካብ ዘይድውሉ ድማ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኰይኑ፡ ስድራቤት ኣብ ሰንፈላል ኣተወ።
ድያቆን ሰመረ፡ ሳላ ምቕሉልን ርጡብን ባህሪኡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዕሩኽን ፈተውትን ኣዋጺኦም ብዝገዝኡሉ መኪና ታክሲ ብምዝዋር፡ ክሳብታ ተጨውዩ ደሃይ ዘጥፈኣላ ሰዓት ኣብ ሃይለ ጋርመንት ዝበሃል ኣከባቢ ኣዲስ ኣበባ ናብራኡ ክመርሕ ከምዝጀመረ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ዮሃንስ ኣረፋይነ ይገልጽ።
‘ከም ድያቆን መጠን ሰመረ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ትሕትናን ሓልዮትን ዝመልኦ እዩ። ንነብሰይ ከይበለ ንሰብ ክሕሾ በሃሊ መጸናንዒ ብምዃኑ፡ አዕሩኽቱን ፈተውቱን ካብዝን ካብትን ኢሎም መንቀስቐሲ ክዀነካ ብምባል እዮም ሞራል ክዀኖ መኪና ገዚኦምሉ ታክሲ ክዝውር ጀሚሩ።
እቲ ኰይንዎ ዘሎ ኵነት ንዓይ ንቤተሰቡ ኣይኰነን ንማንም ኣብዚ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዘስደምም እዩ። ኣርማሚ እዩ! ታክሲስታ እዩ ታኽሲ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ሃንደበታዊ ኣጠፋፍኣ እዩ ጠፊኡ።’ ኢሉ ነቲ ኵነታት ብሓዘን ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, ኣ/ወ
እዚ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ ኣስቴር ምስ ወዲሓትነኡ ንበዓል ቤታ ዮሃንስ ብምዃን ናብ ፖሊስ ኣመልኪታ እያ። ካብ ኣብ ጋርመንት ዝርከብ መደበር ፖሊስ ናብ ጎተራ ክሳብ መደበር ፖሊስ ፒያሳ ኣምሪሖም። ክሳብ ሕጂ ድማ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከም ዘሎ ከምዝሓበሮም ተረድእ።
ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ሽግር ኰይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላልየ ዕድመን ድሕረባይታን ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛትታት ይዅኑ ኢትዮጵያውያን በብግዚኡ ከም ዝተጨውዩን ገለ ከም ዝተታሕዙ ገለ ድማ ተኸፊሉዎም ከም ዝወጽኡ በብእዋኑ ቢቢሲ ዘዛራረቦም ስድራ ግዳያትን መቕርብን ይገልጹ።
ብተወሳኺ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ካብ ስደተኛት ሓሊፉ ደቂ ዓዲ ብገዛእ ደቂ ሃገሮም ክጭወዩን ኣማኢት ኣሽሓት ብር ክሕተተሎም ጸኒሑን ኣሎን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ መጭወይቲ ጠንቁ እንታይ እዩ?
ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝርአ ክስተት ኣመልኪቱ ኣብ ጅግጅጋ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጠንቅን ህሉው ኵነታትን መሰረት ገይሩ ትዕዝብቱ ከካፍል እንከሎ፡ እቲ ዳርጋ ንዅሎም ዜጋታት ብፍላይ ድማ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ንዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ብብዝሒ ብረት ናይ ምሃብን ምዕጣቅን ኵነታት ካብ ቀንዲ ጸገም መጨውይቲ ምዃኑ የረድእ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምዱብን ዘይምዱብን ውዳበታት ዝተጠርነፉ ዕጡቓት ጕጀለታት ይዅን ብውልቂ ብረት ወኒኖም ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባት ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብተወሳኺ፡ ዝተፈላልዩ ካብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክወጹ ዝደልዩ ውልቀሰባት'ውን፡ ብኣቋራጭ ገንዘብ ዝረኽብሉ እንኮ መንገዲ ጌሮም ብምርአይ ሰለማውያን ስደተኛታት ይዅኑ ዜጋትት እታ ሃገር ኣብ ምጭዋይ ክነጥፉ ይረኣዩ ከምዘለዉ የብርህ።
ብሰንኪ'ቲ ዘሎ ቍጠባዊ ጸገማት እውን፡ ሰባት ተወዳዲቦም ስርቂን መጭወይትን ከም ምንጪ ገንዘብ ክጥቀምሉ ምርኣይ እናተለምደ ይመጽእ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንኣብነት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዒላማ ዝገበረ መጭወይቲ ቈልዑ ከጋጥም ከም ዝተራእየ ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ።
እዚ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለው ሰባት ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብልሙድ ‘ባጃጅ’ ተባሂለን ዝጽውዓ ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብምሃብ ዝተለምዳ በዓል ሰለስተ እግሪ መጓዓዝያ ይጥቀሙ ምህላዎም’ውን ይፍለጥ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፡ ክፍለ ከተማ ሓድነትን ካልኦት ከባቢታትን፡ ካብ ቤት-ትምህርቲ ጨውዮም ቈልዑ ክወስዱ ዝተትሓዙ ጥርጡራት ምህላዎም ፖሊስ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
እዞም ግዳያት ከኣ፡ ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ይርከቡዎም።
ድሕረ ባይታ ኣብዚ ተግባራት ዝሳተፉ ዘለው ሰባት ዝተሓተተ ፖሊስ፡ “ድሕረ ባይታኦምን፡ ብተደጋጋሚ ዝኽሰተሉ ዘሎ ጉዳይን መጽናዕቲ የድልዮ’ዩ” ምባሉ ይዝከር።
ነቲ ኣብ ጉዳይ 'መጭወይቲ' ዲያቆን ሰመረ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣመልኪትና ካብ ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







