ኣሜሪካ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ቱርኪ ኣውዲቓ

ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ሓይልታት ኣሜሪካ ወተሃደራዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ቱርኪ ድሕሪ ምውዳቘም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካን ቱርኪን ብስልኪ ተዘራሪቦም።

ኣሜሪካ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ናብቲ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ኣሃዱታት ሓይሊ ምድሪ ኣዝያ ከምዝቐረበት እኳ እንተገለጸት፡ ቱርኪ ግን ኣብ እዋን ስርሒታት ከምዝጠፍአት ገሊጻ።

ኣብቲ ኣብ መንጐ መሓዙት ሃገራት ኔቶ ዝተገበረ ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን፡ ቱርኪ ንጉጅለታት ኩርዳውያን ዒላማ ገይራ ክትቅጽል ምዃና ንኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣሜሪካ ምስ ሓይልታት ኩርዳውያን ‘ዋይፒጂ’ ኣብ ሶርያ ሓቢራ ክትሰርሕ እንከላ ቱርኪ ግን ከም ተገንጸልትን ሽበራውያንን’ያ ትርእዮም።

ሚኒስተር ፊዳን ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቱርኪ "ኣብ ዒራቕን ሶርያን እትገብሮ ዘላ ስርሒታት ጸረ-ሽበራ ብተዋፋይነት ክቕጽል'ዩ" ክብል ኣረጋጊጹሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ኣሜሪካን ቱርክን ንጥፈታተን "ከወሃህዳን ካብ ጐንጺ ክርሕቃን" ከምዘለወን ምግላጹ ተዛሪቡ።

ብሓሙስ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ፡ ነታ ኣብ ጥቓ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ እትሰርሕ ዝነበረት ወተሃደራዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ቱርኪ፡ ድሕሪ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ከም ዘውደቐቶ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ፔንታጐን ብርጋዴር ጀነራል ፓትሪክ ራይደር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓይልታት ኣሜሪካ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ከባቢ ኣል ሓሳካ ሰዓት 07፡30 ደብዳብ ክፍጽማ ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጡ።

ገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ካብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣስታት 1 ኪ.ሜ ርሒቑ ብምንባሩ ኣብ ድፋዓት ክዕቈቡ ከምዝደረኾም ራይደር ገሊጹ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት፡ ኣዘዝቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከምዘሎ ድሕሪ ምግምጋሞም፡ ኤፍ-16 ነታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘውደቐታ ገሊጹ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክልተ መሓዙት ኔቶ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ከጋጥም እንከሎ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ መንጐ መሓዙት ሃገራት ኔቶ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ዘጋጠመ ንፈለማ ግዜ ከምዝዀነ ተገሊጹ።

ኣብ ሶርያ ኣስታት 900 ወተሃደራት ኣሜሪካ ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር እስላማዊ ጕጅለ (ኣይኤስ) ዝካየድ ዘሎ ተልእኾ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ቱርኪ፡ኣንካራ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ነብሰ ቅትለታዊ ፍንጀራ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብ ልዕሊ ጕጅለታት ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ኣየር ክትገብር ጸኒሓ።

ሰልፊ ሰራሕተኛ ኩርዲስታን (ፒኬኬ)፡ እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ምስኦም ብዝተኣሳሰር ጕጅለ ከምዝተፈጸመ ምግላጹ ይዝከር።

ፒኬኬ ኣብ ቱርኪ፡ ኣውሮጳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ይቝጸር።

ቱርኪ ንፒ.ኬ.ኬን ንዋይፒጂን ከም ሓደ ጕጅለ እያ እትርእዮም። ይዅን እምበር ኣሜሪካ ምስቲ ኣብ ሶርያ ኣንጻር ዕጡቓት ዳዕሽ ዝተዋግአ ‘ዋይፒጂ’ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ሚኒስተር ብሊንከንን ሚኒስተር ፊዳንን ዝተገብረ ወግዒ ተሌፎን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ንኩርዳውያን ዕላማ ዝገበረ ዳግማይ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ፡ 15 ዕላማታት ኩርዳውያን "ብዝለዓለ መጠን" ተተኮስቲ ከምዝሃረመን፡ "ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈትን መዕቆቢታትን" ዘጠቓለሉ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኩርዳውያን መን እዮም?

ፒኬኬ ኣብ 1984 ኣንጻር መንግስቲ ቱርኪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ናጻ ሃገር ኩርዳውያን ክትህሉ ጸዊዑ።

ኣብ 1990ታት ፒኬኬ ንጠለባት ናጻ መንግስቲ ከሊሱ፡ ኣክንድኡ ንኩርዳውያን ዝያዳ ርእሰ-ምሕደራ ክወሃቦም ጸዊዑ፤ በቲ ግጭት ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ሓምለ 2015 ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መሊሱ ውግእ ተላዒሉ።