ሱዳን፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ን24 ሰዓታት ተዂሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ፈተነ ተዂሲ ደው ምባል ከምዘካየደት ስዑዲ ዓረብ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ሰራዊት ሱዳንን መቐናቕንቱ ዝኾነ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓልታትን ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ ክገብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

እዚ ስምምዕ ካብ ጽባሕ ቀዳም 10 ሰነ፡ ሰዓት 05:00 GMT ክጅምር እዩ።

እቲ ውግእ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ስዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን ተደጋጋሚ ናይ ሽምግልና ጻዕርታት ኣካይደን እየን።

ይኹን እንበር ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስምምዓት ብዓቢኡ ዕሽሽ ተባሂሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል እንተዘይተዓዊቱ፡ ጻዕርታት ሰላምን ሽምግልናናን ደው ንምባል ኣብ ግምት ከምዘእቱ ኣጠንቂቑ።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዛጊት ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዝኦም ከምዝተገደዱን ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሰገሩን ሕቡራት ሃገራት ይግምት።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብሓሙስ ገሊጻ ነይራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብቲ ኤምባሲ ብምእታው ከምዝራሰይዎ ሓቢሩ። ስዑዳውያን ሰራሕተኛታት ዝነብርሉ ካልእ ህንጻ ከምዝተራሰየ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ "ኣትሪራ ከምእትኹንኖ" ዝገለጸት ስዑዲ "ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማስያዊ ትካላት ንዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ጎነጽን ራስያን" ከምትቃወም ገሊጻ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፍጸሙ ጉጅለታት ኣየኖት ምዃኖም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰትን።

ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ጸጥታን ድሕነት እታ ርእሰከተማ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ትማሊ ድሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ፋብሪካታት ዝርከበሉ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ሓያል ባርዕ ተራእዩ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጽእ ተኣዚዙ

መንግስቲ ሱዳን፡ ንመዝነት ወኪል ሕቡራት ኣብታ ሃገር ንዝኾነ ቮልከር ፐርዝስ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ገሊጹ።

ብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ከምዝተነግሮ ይጠቅስ።

"መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳን፡ ንቮልከር ፐርዝስ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓቢሩ'ሎ" ይብል እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ።

እቲ 'ፐርሶና ኖን ግራታ' (ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦ ኣአንጋዲት ሃገር ዝተነፍጎ) ፐርዘስ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምግባር ኣብ ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ሓበሬታ ትዊተር ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን እቲ ወኪል ኣብታ ሃገር ግጭት የሳውር ከምዘሎ ብምኽሳስ ብኻልእ ሰብ ክቕየር ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መዕቢ ዘኽታማት ዝጸንሑ ኣስታት 300 ቆልዑ

ኣስታት 300 ዝኾኑ ኣብ ሓደ ማእከል መዕበዪ ዘኽታማት ዝጸንሑ ህጻናት ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱ ትካላት ረዲኤት ሓቢሮም።

እቶም ቆልዑ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ 'ሚጎማ ኦርፋነጅ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ዝጸንሑ'ዮም።

እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣብቲ ትካል ልዕሊ 70 ህጻናት ብጥምየትን ሕማምን ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከምዝበሎ፡ እቲ ዝነበርሉ ቦታ ኣብ ማእከል እቲ ሓያል ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ብምንባሩ ውሕስነቶም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ጸኒሑ።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ ወርሒ ክሳብ 15 ዓመት ዝርከቡ 297 ቆልዑ ካብ ካርቱም ኣስታት 200 ኪሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ዋድ ማዳኒ ተወሲዶም ኣለዉ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ንኩናታቶም ይከታተሎ ከምዘሎን ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ከምዝተዘራረበን ሓቢሩ'ሎ።