ዩክረይን ኣብ ማእከል ሞስኮ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ፈጺማ

ማእከል ሞስኮ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ዩክረይን ድሮን ኣብ ማእከል ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝተፈጠረ ብርቱዕ ነትጒ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ሞስኮ ከምዝተሰምዐ ሰብ መዚ ሩስያ ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርገይ ሶብያኒን እታ ድሮን ብጸረ ነፈርቲ ከምዝተሃረመትን ስብርባራ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኤክስፖ ከምዝዓለበን ገሊጹ።

ዩክረይን ብተደጋጋሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ከተካይድ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

ናይ ሕጂ ምዃኖም ገና ዘይተረጋገጹ፡ ብርቱዕ ትኪ ካብ ማእከል ሞስኮ ናብ ሰማይ እናዓረገ ዘርእዩ ኣሳእልን ተንቀሳቓሲ ምስልታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዝርግሑ ኣለዉ።

ዩክረይን ብዛዕባ እዚ ፈጺማቶ ዝተብሃለ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብቴለግራም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ’ዩ ተፈጺሙ ኢሉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብምስዓብ፡ ጸረ ነፈርቲ ሩስያ ንሰማያት ሞስኮ ክከላኸል ምስ ጀመረ እታ ድሮን “መንገዳ ቀይራ” ብምባል፡ ተሃሪማ ሰብ ኣብ ዘይቕመጠሉ ክራስኖፐረሰነንሰካያ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ከምዝወደቐት ገሊጹ።

ክራስኖፐረሰነንሰካያ ሰብ ዘይቕመጦ ግን ከኣ ኣብ ሞስኮ ብዙሕ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ዝሓዘ ህንጻታት ዘለዎ ቦታ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መግልጺ ተሓቢሩ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ በቲ መጥቃዕትን እታ ድሮን ክትወድቕ እንከላን ዝኾነ ሰብ ከምዘይተሃረመ ክገልጽ እንከሎ ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርገይ ሶብያኒን ብወገኑ እታ ድሮን ኣብ ማእከል ኤክስፖ “ከቢድ ክብሃል ዝክኣል ዕንወት ኣየውረደትን” ኢሉ።

ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ታስ ዝተብሃል ማዕከን ዜና፡ በቲ መጥቃዕቲ 30 ትርብዒት ሜትሮ ዝኸውን ቦታ ከምዝተሃርመን ሓደ ደጋዊ ክፋል ናይ ማእከል ኤክስፖ ከምዝፈረሰን፡ ንሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከም ምንጩ ብምጥቃስ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ማዕከን ዜና ብምስዓብ መዓርፎ ነፈርቲ ቭኑኮቮ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ተዓጽዩ ከምዝነበረን ቀልጢፉ ግን ከምዝተኸፈትን ሓቢሩ።

ኵናት ዩክረይን ሩስያን ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ካብ ዝጅምር ሞስኮ ንነዊሕ ግዜ ዝኾነ መጥቃዕትታት ኣይበጸሓን ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ተደጋጋሚ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ይፈጸማ ኣሎ።

30 ግንቦት ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ብዝተፈጸመ ተደጋጋሚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሓደ ዓብዪ ህንጻ ክፈርስ ክኢሉ እዩ።

ኣብ 30 ከምኡ ከኣ 31 ሓምለ’ውን ክልተ ተኸታተልቲ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ኣብ ጥቓ ማእከል ኤክስፖ ኣብ ዝርከብ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ብዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ ቬትሮታት ናይቲ ህንጻ ክሰባበር ክኢሉ’ዩ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎደሚር ዘለንስኪ እቲ ኵናት “ናብ ውሽጢ ሩስያ እዩ ዝቕየር ዘሎ” ምባሉ ይዝከር።