ኢትዮጵያ፡ 'ቴክኒካዊ' ጸገም ዘጋጠሞ ንግዳዊ ባንኪ 10 ሚልዮን ዶላር ኣምሊሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዘጋጠሞ 'ቴክኒካዊ ጸገም' ብዓማዊሉ ዝተወስዶ 800 ሚሊዮን ብር (14 ሚልዮን ዶላር) ዝትመን ገንዘብ፡ እቲ ሰለስተ-ርብዒ ከምዘምለሶ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ናይቲ ባንኪ ዝኾነ ኣቶ ኣቤ ሳኖ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ባንኪ፡ ብሰሉስ 620 ሚሊዮን ብር (10 ሚልዮን ዶላር) ከምልስ ከምዝኸኣለ ተዛሪቡ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ዝወሰድዎ ዘይናቶም ጥረ ገንዘብ መሊሶም ኣለዉ። እቶም ካልኦት ኣስታት 4 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ዘይናቶም ገንዘብ ሒዞም ዘለዉ ካልኦት ሰባት ነቲ ገንዘብ እንዘይመሊሰሞ፡ ገበናዊ ክሲ ክቐርበሎም ከምዝኽእል ኣቶ ኣቤ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ዝበዝሕ ካብቲ ገንዘብ ኣብ ሓደ ለይቲ ብተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝወጸን ዝተሰጋገረን ምዃኑ ይፍለጥ።
እቶም ነቲ ብዓርቢ 6 መጋቢት 2016 (ግእዝ) ዘጋጠመ ሓጓፍ ተጠቒሞም ዘይናቶም ገንዘብ ኣውጺኦም ዝተጠቐሙ ተመሃሮ ኣብ ‘‘ጭንቀት’’ ከምዝኣተዉ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ውሑዳት ዘይበሃሉ ተመሃሮ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝተረፈ ገንዘብ ከምዝመለሱ እኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ዝወሰድዎ ገንዘብ ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ዘጥፍኡ ግና፡ ብፍርሒ ተታሒዞም ኣብ መዋጥር ኣትዮም ምህላዎም ገለ ካብኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
እቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ተመሃሮ እቲ ጸገም ኣብ ዘጋጠመሉ ለይቲ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ንሓድሕዶም ሓበሬታ ብምምሕልላፍ'ዮም ምሉእ ለይቲ ገንዘብ ክወስዱ ሓዲሮም። ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲታት ኣብ ዘለዋ ኤ-ቲ-ኤማት ለይቲ ነዊሕ ሪጋ ተሰሪዖም ከምዝተራእዩ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይነበረ ዘረጋገጸ እቲ ባንኪ፡ እቲ ዝተባህለ "ቴክኒካዊ ጸገም" እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሎሚ ብንጹር ኣይገለጸን። ሕሳባት ባንኪ ዓማዊሉ ውሑስ ምዃኑ ብምግላጽ ድማ፡ ዘሰክፍ ከምዘይብሎም ክሕብር ጸኒሑ'ሎ።
ዛጊት ብውሕዱ ሰለሰት ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ፡ ተመሃሮአን ነቲ ዝወሰድዎ ገንዘብ ናብቲ ባንኪ ክመልሱ ተማሕጺነን ኣለዋ።
ዋና ካያዲ ናይቲ ባንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣስማት ናይቶም ገንዘብ ወሲዶም ተሰዊሮም ኣለዉ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት ንፖሊስ ንምሃብ ይዳለዉ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ዲጂታላዊ (ኣገባብ ስለዝተጠቕሙን) ዓማዊልና ስለዝኾኑን ክሃድሙ ዝኽእሉሉ መንገዲ የለን። ንፈልጦም ኢና። ክርከቡ ዝኽእሉ'ዮም፡ ንዝገበርዎ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ተሓተትቲ እዮም" ኢሉ።
ኣብ ፈለማ፡ እቲ ባንክ 40 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ከምዝተወስዶ'ዩ ዝግለጽ ነይሩ።
ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ባንኪ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ናብ ካልእ ባንኪታት ዝተሰጋገረ ገንዘብ ንምርካብ እቲ ዝኸበደ'ዩ። ናብ ካልእ ሕሳባት ንግዳዊ ባንኪ ዝኸደ ግን ብቐሊሉ ኣሰሩ ክፈልጡ ዓቢ ጸገም ኣይኮነን።
እቲ ባንኪ ጸገም ከምዘሎ ቅድሚ ምፍላጡ ጥራይ፡ 490 ሽሕ ግዜ ገንዘብ ካብ ሕሳባት ተንቀሳቒሱ።
ልዕሊ 38 ሚልዮን ዓማዊል ዘለውዎ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ 1974 (1982) ከምዝተመስረተ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







