ቲፋኒ ሓድሽ፡ ንዜጋታት ዚምባብወ ዘቘጥዐ ኣካታዒ ርእይቶኣ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ተዋዛይትን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ብዛዕባ ዚምባብወ ኣብ ቲክቶክ ብዝዘርግሓቶ ሓደ ኣካታዒ ቪድዮ ካብ ገለ ዜጋታት እታ ሃገር ነቐፌታ ቐሪቡላ።
ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ዚምባብወ ዝርከብ ሓደ ሱፐርማርኬት ኰይና ዝተሰኣለቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ “ነዚ ድኳን [ግሮሰሪ] ርኣዩዎ፤ ዓቢይ’ዩ - ኣብ ኣፍሪቃ" ብምባል መስርዕ መደርደሪታት ልስሉስ መስተታት፡ ፍሪጅ ስጋን ፍሩታታትን እናርኣየት ከም ዝተገረመትን ምእማን ከምዝሰኣነትን ትዛረብ።
እዚ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 200 ሽሕ ግዜ ተራእዩ ኣሎ።
ቲፋኒ ግን፡ ዕላማ እቲ ዝሰርሓቶ ቪድዮ ኣብ ኣፍሪቃ “መዓልታዊ ኲናት” ይካየድ ኣሎ ዝብል ኣረኣእያ ንምልዋጥ ዝዓለመ ምዃኑ እያ ትገልጽ።
“ክሳብ ክንደይ ዘይትፈልጥ ስለ ዝዀነት’ያ? ኣፍሪቃውያን ካብ ኣኻውሕ ዝተዓዳደጕ ድዩ መሲልዋ? ዝያዳ ክትጓዓዝን ነቲ ብዘሕዝን መልክዑ ዝተሃነጸ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባኣ ክትቅይርን ኣለዋ” ክብል ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ኤክስ ቍጥዐኡ ገሊጹ።
ካልእ ድማ፡ “ኣናብስን ኣድጊ በረኻን ንሃድን ዘለና እዩ ዝመስሎም” ኢሉ።
ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ፡ ኣመሪካውያን “ኣብ [ኣፍሪቃ] ዝነብሩ ህዝቢታት ሕጂ’ውን ኣብ ጥንቲ፡ ኣብ ጐጆታት ጭቃ ከም ዝነብሩ፡ ጽሩይ ማይ ከም ዘይረኽቡን ከም ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ቀረባት ዘይብሎም ዝመስሎም ግጕይ ኣረኣእያ ዘለዎም’ዮም” ክብል ነቒፉ።
ቲፋኒ ነዚ ስዒቡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝተምሃረቶ ተረኽ ግጕይ ከም ዝዀነ ገሊጻ።
“ኣነ ኣመሪካዊት’የ፤ ጸላም ከኣ። ንዓመታት ድማ ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ይጠምዩ ከም ዘለዉ’ዩ ተነጊሩኒ። ስእሊ ጽንጽያ ዝዓሰሎም ዕሸላት እየ ርእየ” ትብል።
ወሲኻ ድማ፡ ኣፍሪቃውያን ብኸመይ "ንሓድሕዶም ይቃተሉ" ዝብሉ “ዛንታታት”ን ኣብታ ኣህጕር “መዓልታዊ ኲናት” ከም ዘሎን እዩ ተነጊሩኒ ትብል።
ናብ ዚምባብወ ዝገበረቶ መገሻ ግን ኣዒንታ ከም ዝኸፈተላ ብምግላጽ፡ “ብዛዕባ እታ ኣህጕር” ሓቂታት ክትፍትሽ ከም ዝጸንሐት ገሊጻ።
“ኣፍሪቃውያን ዋላ ሓደ ነገር የብሎምን ኢሎም ንዝኣምኑ ኣብ ኣመሪካ ዘለው ሰባት ከካፍሎም እየ” ትብል።
ገለ ነቲ ንሳ ዝሃበቶ ርእይቶ ዝተኸላኸሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ነይሮም።
ሓደ ርእይቶ፡ “ድኳንናን መግብናን ስለ ዝፈተኽዮ ደስ ይብለና፤ እቶም ኵሎም ዘሰንበዱኺ ቀረባት ከኣ ኣብዚ’ውን መሰረታዊ ጥራይ’ዮም፤ ኣብ ጫካ ኣይኰንናን ዘለና” ይብል።
ተዋዛዪት ቲፋኒ ሓድሽ፡ ብኣቦኣ ኤርትራዊት ኰይና፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2018 ናብ ኤርትራ በጺሓ ምንባራ ይዝከር።
ነቲ ብነቐፍቱ “ውልቀ መላኺ” ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ነዊሕ ዓመታት መራሒ እታ ሃገር ዝዀነ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንኢዳቶ እያ።
ብ2021 ዳግም ናብታ ሃገር ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ’ውን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣብ ዝርከብ ገዛ ከረን ተባሂሉ ዝጽዋዕ መበቆል ዓዳ ጤሳ ከም ዝተዋሃበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢራ ነይራ።
ቲፋኒ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ዝዀኑ ክሲታትን ማእሰርትን ከጋጥማ ምጽንሑ’ውን ይፍለጥ።
ቅድም ኢሉ፡ ቤትፍርዲ ሎስኣንጀለስ ቲፋኒ ምስ ተዋስኣይ ኣርየስ ስፒርስ ብምዃን ንክልተ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ዘመላኽት ነገራት ክገብሩ ኣገዲዳ ዝብል ክሲ'ዩ ኣቕሪቡላ ነይሩ።
እቲ ኣብ 2013፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2014 ከም ዝተፈጸመ ዝቐረበ ክስታት፡ ነቶም ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ቈልዑ ናብ ኢንዱስትሪ ምርኢታት ኮመዲ ንኽኣትዉ ንምሕጋዞም ምስ ዝገበረቶ ፈተነ ዝተሓሓዝ'ዩ ክብል ሲ-ኤን-ኤን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።
እዚ ክሲታት ዓመጽ’ኳ እንተተሰረዘ፡ ቲፋኒ ሓድሽ ድሕሪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ስርሓ ከም ዝሰኣነት ተዛሪባ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን ነይረን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን መስተ ሰትያ መኪና ብምዝዋር ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዝነበረት ቲፋኒ ሓድሽ "ገለ ሓገዝ ክትረክብ” ከምእትደሊ ምዝራባ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







