እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ'ቲ ዝግለፅ ኣብ ዝሓሰመ ኩነታት ይነብር ኣሎ' ኣተሓባባሪ ሓገዝ በረኸት
ኣቕራቢ “ቀዛሕታ” ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ተሌቪዥን መደብ በረኸት መኮነን ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ትግራይ ዝረኣይ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ንምቅላል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣብ ምትሕብባር ዝርከቡ ግዱሳት ሰባት እዩ።
ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ፀገማት ንዝወደቑ ሰባት ዝኸውን ሓገዝ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትእኽኻብ የብፅሕ ከምዝነበረ ዘዘኻኽር በረኸት “ኣብቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኸለን ሓገዝ መበገሲ ምስኮነና ኢና መሊእና ናብዚ ደገፋት ናይ ምትሕብባር ስራሕ ወፊርና” ክብል የረድእ።
“ሽዑ ምስ መተሓባበሪት ማሕበር ተራድኦ ትንሳኤ ኮይንና ነተን ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ደቂኣንስትዮን ካልኦት ጉድኣት ዝበፅሖምን ንምርኣይ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከይድና። ብወተሃደራት ይሕለው ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢና ደፊርና ከይድና” ይብል።
[ሆስፒታል ዓይደር ብወተሃደራት ዝሕለወሉ ዝነበረ እዋን ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመቐለ ኣብ ዝተቖፃፀረሉ እዋን እዩ]
በረከት ነቲ ብማሕበር ተራድኦ ትንሳኤ ኣቢሉ ዝተልኣኸ ሓገዝ ንምብፃሕን ንግዳያት ንምርኣይን ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ከምዝፀንሖ ይዝከር።
“ዘይተፀበኽዎ ብዙሕ ዘሕዝንን ዘብክይን ነገራት ፀኒሑኒ። ህፃናትን ኣዴታትን ብኸበድቲ ብረት ጉድኣት በፂሕዎም ኣብቲ ሆስፒታል ረኺበ። ኣስታት 50 ዝበፅሑ ህፃናት ዘስካሕክሕ መውቃዕቲ ኣፅዋር ኲናት በፂሕዎም ብዓይነይ ምስረኣኹ ውሽጠይ ብሓዘን ተሰይሩ”
በረኸት ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ግዳያት ብኸመይ ክሕግዞም ከምዘለዎ ምስ ብዓሉ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ነቲ ኩነታት ብቪድዮ እናቐድሐ ከቃልዖ ከምዘለዎ ኣብ ውሳነ በፅሐ። ናብቲ ሆስፒታል እናኣተወ ዝቐድሖም ቪድዮታት ድማ ምስ ብዙሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ግዱሳትን ከላልዮ ከኣለ።
“እቲ ቪድዮታት ምስተፈነወ ሰባት ፈሊጦምኒ። ንዝተጎድኡ ሰባት ዝበፅሕ ሓገዝ ገንዘብ ክለኣኸለይ ጀሚሩ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ እየ ነዚ ከካይድ ጀሚረ። እቲ እዋን ግን ኣዝዩ ከቢድን ዘፍርሕን እዩ ነይሩ። ሰባት ይቕተሉን ይእሰሩን ነይሮም። ግን ድማ ደፊርና ነቲ ስራሕ ክነካይዶ ጀሚርና” ክብል ንኹነታት ኣጀማምርኡ ይዝከር።
ኣብቲ “ከቢድን ፈታንን” ክብል ዝገልፆ እዋን ዝጀመሮ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብን ናብ ተሓገዝቲ ናይ ምብፃሕን ሰናይ ተግባር ክሳብ ሎሚ ከምዝቐጸለሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ እዋን ሓገዝ ካብ ሞንጎ ዘብፅሑሎም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሰባት ሎሚ ብህይወት ዘየለዉ ህፃናትን ዓበይትን ከምዘለዉ ይገልፅ።
ናብ መን እንታይ ሓገዛት የቕርቡ?
ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኢትዮጵያን ደገፍቲ ሓይልታትን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን በዓል በረከት ነቲ ኣተሓባቢሮም ዝረኽብዎ ሓገዝ ናብቲ ዝድለ ከባብታት ናይ ምብፃሕ ዕድሎም ዝፀበበ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ድማ ናይ ሰባት ምንቅስኻስ ዝተገደ ምንባሩ እዩ።
ንምውጻእ እቶም ሓይልታት ስዒቡ ግን ናብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ክንድ ዝኸኣልዎ እናተንቀሳቐሱ ነቲ ግዱሳት ተጋሩ ዳያስፖራ ዝለኣኽዎ ሓገዛት ከብፅሑ ጀሚሮም። ኣስታት 95 ሚኢታዊት ዝረኸብዎ ሓገዝ ገንዘብ ካብቶም ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ እዩ።
ናብ ዝተጸገሙ ወገናት ንኸብፅሖ ዝለኣኸሉ ገንዘብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ጠለባት ብምዕዳግ ከምዘብፅሐ ብናይ ዩ ቱ ዩብ ቻነሉ በቢእዋኑ ከምዝዝርግሖ ዝዛረብ በረኸት ነዚ ዝረኣዩ ካልኦት ሰባት ድማ ሓገዝ ክልእኹሉ ከምዝለዓዓሉ ይገልፅ።
“ዝበዝሕ እዋን ናብታ ካብ ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ዝርከበላ ሽረን ከባቢኣን ኢና ንኸይድ። እቶም ካብተን ዞባታት ዝመፅኡ ተመዛበልቲ ብብዝሒ ኣብ ሽረ ስለዝርከቡ ኢና ናብኡ ንኸይድ።
ብዘይካ’ቲ ንተፈናቐልቲ ዝበፅሕ ሓገዝ ግን ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ትግራይ ንዝርከቡ ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ እውን ድጋፍ የቕርቡ እዮም።
መምህራን፣ ጋዜጠኛታት፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ፣ ጉድኣት ኣካልን ካልኦትን ተረባሕቲ እቲ በዓል በረኸት ዘተሓብብርዎ ሓገዝ ይኾኑ ምህላዎም እቲ ብቪድዮ ኣሰንዩ ዝፍንዎ ንምንቅስቓሶም ዝገልፅ መልእክቲ የረድእ።
“ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብፍላይ ድማ ደቂኣንስትዮ ንሕግዝ ኢና። ንነብሰፆራትን ሓራሳትን ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ዓይደር ሓጊዝና ኢና። ንሰራሕተኛታት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ማሕበር ደቂኣንስትዮ፣ ንሰብሞያ ጥዕና ሆስፒታል መቐለን ኲሓን ደገፍ ኣብፂሕና’ለና” ይብል በረኸት።
ንሰራሕተኛታት ሓለዋን ፅርየትን ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ካብ ዝገብርዎ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ትካላት ጣብያ ጥዕና ንዘለዉ ሰብሞያ፣ ንመምህራን፣ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፍርዲ፣ ንጋዜጠኛታት ማዕኸናት ዜና ትግራይን ሰራሕተኛታት ዩኒቨርሲቲ መቐለን እውን ውሱን ደገፍ ኣብፂሖም’ዮም።
ዝተፈላለዩ ሕዱር ሓማማት ንዘለዎም ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ንዝፀንሑን ወገናት ድማ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ካብቲ ብገንዘብ ዝለኣኸሎም ሓገዝ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ነገራት ብምግዛዕ ኣብ ምዕዳል ይርከቡ።
“ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ወዲቑ ስለዘሎ፤ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም እውን ዝጠመዩ ብዙሓት ስለዝኾኑ ናብኦም እውን ንኸዶም ኢና” ዝብል በረኸት ዝተለገሰ ሓገዛት ንምብፃሕ ናብ ዞባታት ማእኸል፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ከምዝኸዱ ይጠቅስ።
ካብ ሃገረ ሰላም ክሳብ ደጉዓ ተምቤን፤ ካብ ውቕሮ ክሳብ ሓውዜን፤ ካብ ኣኽሱም ክሳብ ዓድዋን ሽረን፤ ካብ ሳምረ ክሳብ ግጀት ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ነቲ ካብ ለገስቲ ዝኣኻኸብዎ ሓገዝ ኣብፂሖም’ዮም።
“ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናብ ዞባ ደቡብ ሓገዝ ሒዝና ክንኸይድ መደብ ኣለና። ብፍላይ ‘ቀዛሕታ ወፍሪ ምድሓን ህፃናት’ ብዝብል ዝጀመርናዮ ወፍሪ ስለዘሎ ብሰፊሑ ክንንቀሳቐስ ኢና። በዚ ወፍሪ ኣቢልና ልዕሊ 15 ሽሕ ህፃናት ሓጊዝና ኣለና። መቐፀልታ ናይዚ ድማ ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ቦራ ሰላዋ ዝተብሃለ ከባቢ ክንቕፅል ውጥን ኣለና” ይብል።
ነተን ሓገዝ ዘቕርቡለን ከባብታት ብመሰረት ካብ ሕብረተሰብን ከባብያዊ ኣመሓደርትን ዝበፅሖም ሓበሬታ ዝበፅሕወን ኮይኖም፡ ካብቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ተጋሩ ለገስቲ “ናብዚ ከባቢ ኣብፅሑልና” ዝብል መምርሒ መሰረት ብምግባር ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።
“ነዳዲን ሜላታት መራኽብን ብዘይምህላዎም ግን ነቶም ዝሕገዙ ክፋላት ሕብረተሰብ ብቕልጡፍ ንምፍላይ ኮነ ንምርካብ ንፅገም ኢና። ገለ እዋናት ንተሓገዝቲ ቆፂርናዮም ብሰንኪ ፀገም ነዳዲ ክሳብ ምትራፍ ንበፅሕ ኢና። ኣብ ከቢድ ጸገም ንዘሎ ህዝቢ ‘ሓገዝ ሒዝና ንመፀካ ኣለና’ ኢልና ክጽበየና ምስገበርናዮ ከይከድና ክንተርፍ ከለና ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን”
በረኸትን ብፆቱን ነቲ ኣተሓባቢሮም ዝረኽብዎ ገንዘብ ናብ ተሓገዝቲ ከብፅሑ ከለዉ፡ ንገሊኡ ብጥረ ገንዘብ ዝዕድልዎ ኮይኖም፡ ነቲ ዝበዝሕ ግን ብዓይነት ኣብ ምክፍፋል ይርከቡ።
“ቅድሚ ሎሚ ሩዝ፡ ማካሮኒ፡ ፓስታ፡ ፊኖ፡ ስርናይ እናዓደግና ነቕርብ ነይርና። ኣብዚ እዋን ግን እዚኦም ኩሎም ዋግኦም ብጣዕሚ ስለዝወሰኸ ቀንዲ ቆላሕታና ናብ ህፃናትን ኣዴታትን ብምግባር ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ምቕራብ ኣለና።
ንጠለብ ወይ ሕቶ ለገስቲ ወገናት መሰረት ብምግባር ኣገደስቲ ዝብሃሉ ነገራት ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ የብፅሑ ዘለዉ ኮይኖም፤ ቅድም ክብል ድማ ከም ኮበርታ፣ መግቢ መብሰሊ ናውቲ፣ ጫማ፣ ክዳውንቲ፣ መንፀፍን ካልኦት ኣቑሑን ምሃቦም በረኸት ይዛረብ።
ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣሎ?
ኲናት ካብ ዝተወልዓሉ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝቐጸለ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ትግራይ ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ኩነታት ናብራ ወዲቖም ይርከቡ።
ነዞም መዓልታዊ ዝዕንገልዋ ቁራስ እንጀራ ክሳብ ምስኣን በፂሖም ናብ ሕማምን ሞትን ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝዝረበሎም ሰባት ንምሕጋዝ ብትካላት ረድኤት ካብ ዝግበር ፃዕርታት ብተወሳኺ ግዱሳት ውልቀሰባትን ትካላትን እውን ብዝኸኣልዎ ኣብ ምጉያይ ይርከቡ።
በረኸት “ህዝቢ ትግራይ ዝርከበሉ ኩነታት ንምግላፁ ከቢድ እዩ። ብቐሊሉ ከምቲ ብተሌቪዥን ዝረኣ፣ ብስልኪ ወይ ብኻልእ ዝኾነ ዝንገረካ፣ ብቪድዮ ዝወጽእ ወይ ኣብ ፌስቡክ ዝፀሓፍ ኣይኮነን። ምናልባት ‘አብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ’ ምባል ይከኣል ይኸውን። ግን ድማ እቲ ኣብዚ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ሕማቕ ብዝብል ዝግለፅ እዩ” ክብል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ይገልፆ።
ኣስዕብ ኣቢሉ “ክዛረበሉ መግለፂ እዩ ዝሓፅረኒ። መዓልታዊ ህፃናትን ኣዴታትን ይሞቱ። ‘ፅባሕ ክወግሕ እዩ’ እናበልካ’ ብኣጉል ተስፋ ዝንበረሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ይተረፍ እቲ ብሓገዝ እንህቦምስ ናትና ናብ ካባቢኦም ምኻድ ክንድምንታይ ተስፋ ከምዝኾኖም ብዓይነይ ዘረጋገፅክዎ ሓቂ እዩ” ይብል።
“መሰረታዊ ዝብሃሉ ሸቐጣት የለዉን። እንተተረኺቡ’ውን አዝዩ ክቡር እዩ። ንኣብነት ክጠቅስ እንተኾይነ ጣፍ 17 ሽሕ ብር እዩ ዝሽየጥ ዘሎ። ዘይቲ ን5 ሌትሮ ክሳብ 400 ብር ንዕድጋ ዝነበርና ሎሚ 2500 ብር ትሸየጥ ኣላ። መብራህቲ ጠፊኡካ ሽምዓ ገዚእካ ምውላዕ ተገዲፉ እዩ ምኽንያቱ እትገዝኣሉ ዓቕሚ የለን” ክብል የረድእ።
እቲ ብዓይኑ ዝረኣዮን ዝሪኦ ዘሎን ኩነታት ብኣንደበቱ ክገልፆ ከምዘፀገመሉ ዝዛረብ በረኸት “መዓልታዊ ኣብ ዝቐርቡ ዜናታት ህፃናት ሞይቶም፣ ኣዴታት ሞይተን፥ መድሓኒት ተሳኢኑ ምባል ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘይውክሉ ቀለልቲ ኣገላልፃታት እዮም” ይብል።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ነቲ ህዝቦም ዘሕልፎ ዘሎ ከቢድ እዋን ተገንዚቦም ብዝኸኣልዎ መገዲ ንዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ ምስጋናን ክብርን ከምዝግባእ ብምሕባር፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ድማ እታ ዝርካቡ ተማቒሉ ንምሕዳር ዘርእዮ ዘሎ ምትሕልላይ ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
እቲ ካብ ትካላት ረድኤት ናብ ትግራይ ዝኣትው ዘሎ ሓገዝ መግቢ እኹል ካብ ዘይምዃኑ ብተወሳኺ፡ ናብቲ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ክበፅሕ ንምግባር ጉዳይ ሕፅረት ነዳዲ ቀንዲ ብድሆ ኮይኑ ከምዝርከብ በረኸት ትዕዝብቱ ይገልፅ።
“ኣነ ካብ መቐለ ናብ ሽረ ሓገዝ ኣብፂሔ ክምለስ ንሓንቲ መኪና ምስ ነዳዲኣ ካብ 40 ክሳብ 50 ሽሕ ብር ሓተኒ። ነዳዲ ኣይርከብን። ንሌትሮ ክሳብ 450 ብር እዩ ዝሽየጥ። ስለዚ መንግስቲ ትግራይ እውን ነዳዲ የብሉን። በዚ ምኽንኣት እቲ ዝመፅእ ረድኤት ካብ መቐለ ክወጽእ ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ” ክብል የረድእ።
[ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ሓደ ሌትሮ ነዳዲ ኣስታት 50 ብር ይሽየጥ]
ፍሉያት ተጓንፎታት
በረኸት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ሒዙ ናብቶም ዝተጸገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዙሓት ኣብ ውሽጡ ዝተረፉ ነገራት ከምዘጓነፍዎ ይዝከር።
ብኣካል ተረኺቡ ብዓይኑ ዝረኣዮምን ንምስክርነት ዝሰነዶምን ብዙሓት ነገራት ከምዘለዉ ዝዛረብ በረኸት፡ “ኣብ “እዋኑ ንኹሎም ክዝርግሖም ይኸውን እየ” ይብል። ክልተ ተጓንፎታቱ ግን ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
“ሓደ እዋን ኣብ ሃገረሰላም ሓገዝ እናሃብና ሓንቲ ሰበይቲ ድምፃ ዓው ኣቢላ ክትዕልል ካብ ደገ ሰማዕናያ። ሽዑ ኣነን ምሳይ ዝነበሩ ኣባላተይን ‘እንታይ ተፈጢሩ፤ ናይ ምንታይ ዕልልታ?’ ክንብል ተገረምና። ኣነ ኣብ ውሽጢ ተሪፈ ካልኦት መሳርሕተይን ኣብኡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ግን ናብ ደገ ይወፅኡ” ክብል የዘንቱ።
እቶም ናብ ደገ ዝወፅኡ ሰባት ነታ ኣደ ህፃን ሓዚላ ይረኽብዋ። ብዘይካ እቲ ዝሓዘለቶ ህፃን ድማ ካልዘይቲ ህፃን ብኢዳ ሒዛ ነይራ። እታ ኣብ ኢዳ ዝሓዘታ ቆልዓ ናይ ሓንቲ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተቐተለት መሓዝኣ ውላድ እያ ነይራ።
“እታ ኣዲኣ ምስ ሞተታ ከም ጓለይ ኢላ ዝሓዘታ ህፃን ገና ኣስታት ክልተ ወርሒ ዝገበርት እያ ነይራ። ሽዑ እናዓለለት ‘ህዝቢ ሃገረሰላም ተሓጊዙ!’ ክትብል ብተደጋጋሚ ትስማዕ ነይራ። እቲ ዘግረመልና ጉዳይ ንሳ ኣብ ዝርዝር እቶም ተሓገዝቲ ዘይምህላዋ እዩ” ይብል።
እታ ክልተ ህፃናት ዝሓዘት ሰበይቲ ዝዓለለትሉ ምኽንያት ምስተሓተተት ‘ህዝቢ ሃገረሰላም ሓገዝ ረኺቡ’ ኢላ ከምዝተሓጎሰት ትገልፀሎም።
“ንስኺ ኣብቲ ዝርዝር ተሓገዝቲ የለኸን። ከመይ ደኣ ከሕጉሰኪ ኪኢሉ?” ይብልዋ።
“ህዝቢ ከተማ ሃገረሰላም ተሓጊዙ ማለት ኣነ ተሓጊዘ ማለት እዩ” ዝብል ነይሩ ዝሃበቶም መልሲ።
መሓዙቱ ንዝቐድሕዎ ቪድዮ ናይታ ሰበይቲ ከምዝረኣየ ዝሕብር በረኸት “እታ ሰበይቲ ትዕልል ዝነበረት እቲ ህዝቢ ሓገዝ እንተረኺቡ ንሳ’ውን ተዓንጊላ ከምእትሓድር ስለዝኣመንት እዩ። ምኽንያቱ ንሳ ኣብታ ከተማ ብልመና እያ ትመሓደር። ስለዚ ነባሪ እታ ከተማ ዝተኹበላ ነገር ምርካቡ እዩ ኣሕጒስዋ። እቲ ዝተኹበላ ሰብ እንተስኢኑ ንሳ’ውን ኣይክትረክብን። ህዝቢ ሓገዝ ረኺቡ ማለት ንሳ ኣይክትጠምይን ማለት እዩ። እዚ ኩነታት ልብኻ ዝሰብር ኣጋጣሚ ነይሩ” ክብል ተጓንፍኡ ኣዘንትዩልና።
ካልእ ተጓንፎ ድማ ኣብ ወረዳ የጭላ ኣበርገለ ጠብያ ስምረት ነይሩ። ካብ ተጋሩ ዳያስፖራ ብዝተልኣኸ ገንዘብ ሓገዝ ንምብፃሕ እዮም ናብቲ ከባቢ ከይዶም።
በዓል በረኸት ንኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ “ንኣስታት 440 ሰባት ሓገዝ ክንህብ ስለዝኾንና ትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃናት ንዘለወን ኣዴታት ፍለዩልና” ይብልዎም።
ናብቲ ቦታ ምስበፅሑ ግን ኣብ ሓደ ዝተኣከበ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህዝቢ ይፅንሖም። “ንሕና ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ክንሕግዝ ዓቕሚ ስለዘይብልና ንምንታይ ብዙሕ ህዝቢ ኣፅኒሕኹምልና?” ክብሉ ንኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ይሓትዎም።
ሽዑ መልሲ ናይቶም ኣመሓደርቲ “ቁፅሪ ተሓገዝቲማ በቲ ዝበልኩምና ኢና ኣዳሊና ዘለና። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግን ነቲ ዘምፃእኹምዎ ሓገዝ ከመዝግነኩም ብዝብል እዩ ተኣኪቡ ዘሎ” ዝብል ነይሩ።
“ውሑዳት ብዝተሓገዝዎ ብዙሓት እዮም ዘመስግኑ” ብምባል፡ እቲ መጠን ሓገዝ ምስቲ ተፀባዪ ረድኤት ህዝቢ ዘይመጣጠን እኳ እንተኾነ እቶም ዘይረኸቡ ግን በቶም ዝረኸቡ ኣዝዮም ሕጉሳት ዝኾኑሉ ኩነታት ከምዝተዓዘቡ ትዕዝብቱ ገሊፁ።