ሩስያ፡ ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ዩክረይን ኣውዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓንቲ ካብተን ብኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንዩክረይን ዝተዋህባ ኤፍ-16 ዝዓይነታ ናይ ውግእ ነፋሪት ብመጥቃዕቲ ሩስያ ከምዝዓነወት ቢቢሲ ካብ ምክልኻል ዩክረይን ኣረጋጊጹ።
እታ ነፋሪት ብሰኑይ ብሚሳይል ከምዝተሃረመትን ፓይለታ ኦለክሲ መስ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሞተ እቲ ቢቢሲ ዝረኸቦ ምንጪ ይሕብር።
ኔቶ ንዩክረይን ከምዚአን ዓይነት ነፈርቲ ውግእ ካብ ዝህብ እዛ ነፋሪት ናይ መጀመርታ ብሩስያ ዝተሃረመት ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።
እቲ ምንጪ ብምቕጻል እቲ ፓይለት ኣቐድም ኣቢሉ ሰለስተ ክሩዝ ሚሳይልን ሓንቲ ድሮንን ሩስያ ከምዘዕነወ ይሕብር።
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጸሓፎ መግለጺ’ውን “ኦለክሲ ንዩክረናውያን ካብ መጥቃዕትታት ሚሳይል ሩስያ ዘድሓነ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እዚ ዅሉ ብዋጋ ህይወቱ ዝገበሮ’ዩ” ኢሉ።
እቲ መግለጺ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኦለክሲ እንታይ ዓይነት ነፋሪት ሒዙ ከምዝነበረ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ቢቢሲ ዝረኸቦ ምንጪ ግን ኦለክሲ ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ሒዙ ከምዝነበረ ከረጋግጽ ክኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብሰሉስ እተን ስርሓት ኣመሪካ ዝዀና ነፈርቲ ኤፍ-16 ብሩስያ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት ሚሳይልን ድሮንን ንምምካን ተዋፊረን ከምዘለዋ ብወግዒ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን’ውን መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት፡ ሃገሩ መጥቃዕትታት ሩስያ ካብ ርሑቕ ንምህራምን ንምምካንን ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ክትጥቀም ከፍቅዳላ ክምሕጸን ተሰሚዑ ነይሩ።
ሓለቓ ስታፍ ነዘርላንድስ ጀነራል ኦኖ ኢቸልስሄም ሃገሩ ንዩክረይን 24 ነፈርቲ ውግእን ተወሰኽቲ ተተኮስትን ክትህባ ምዃና ቃል ኣትዩ።
እቲ ሓላቓ ስታፍ ብረቡዕ ኣብ ዋሽንግተን ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ዓለምለኻዊ ሕጊታት ደኣ ኣይጥሓስ’ምበር ነቲ ነዘርላንድስ ዝምጠወላ ዘሎ ወተሃደራዊ ንዋት ከምድላያ ገይራ ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል ቀጠልያ መብራህቲ ሂብዋ ኣሎ።
እዚ ከኣ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ ዶባት ሩስያ ዝያዳ መጥቃዕትታት ንኽትፍጽም ዘኽእላ’ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ነሓሰ 2023 ነቲ ሓሳብ ካብ ዘበግስ ክሳብ ሕጂ 65 ኤፍ 16 ነፈርቲ ውግእ ብኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንዩክረይን ተዋሂበን ኣለዋ።
ነቲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት “ውጥናት ዓወት” ንኣመሪካ ከቕርብ’የ ዝበለ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምህራም እታ ምዕብልቲ ነፋሪት ውግእ ዓቢ ጽፍዒት’ዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሰራዊቱ ናብ ሩስያ ዞባ ኩርስክ ምእታዎም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከቕርበሉ ሓንጺጽዎ ዘሎ ‘ውጥናት ዓወት’ ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ ንብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን ኣብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከምኡ ከኣ ኣመሪካ ነቲ ኣብቲ ውጥን ዘሎ፡ “ትህበናዶ ኣይትህበናን ከምኡ ከኣ ክንጥቀመሉ ይፍቀደናዶ ኣይፍቀደናን” ኣብ ዝብል ከም ዝምርኮስ’ውን ሓቢሩ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንመጀመርታ ግዜ ሃገሩ ባዕላ ዘማዕበለቶ ዕዉት ፈተና ባላስቲካዊ ሚሳይል ከምዘካየደት ሓቢሩ። ብዛዕባ’ቲ ሃገሩ ኣማዕቢላቶ ዝበለቶ ባላስቲካዊ ሚሳይል ግን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ብዩክረይን ተደፊኣ መሬታ ክትሓድግ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰራዊት ባዕዲ ንመሬታዊ ግዝኣት ሩስያ ደፊኡ ክኣቱ’ውን እዚ ንፈለማ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







