ደቂ ኣንስትዮ ዝዋዳኣሉ ዘለዋ ክልተ እግሩ ዝሰኣነ መንእሰይ

ኦሌክሳንድር

ምንጪ ስእሊ, Warner/STB Channel

እቲ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ክልቲኡ እግሩ ክቑረጽ ዘገድድ መጉዳእቲ ፍንጀራ ምስ በፅሖ፡ ንነብሱ ኣብ ሓመድ ተቐቢሩን እናተሳቐየን ረኺብዋ።

እዚ ወተሃደር ኣብ ነሓሰ 2022 ንዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርኪቭ ካብ ወራር ሓይልታት ሩስያ ንምክልኻል ይሕግዝ ከምዝነበረን ኣሃዱኡ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖን ይዛረብ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ናይ ‘ሪያሊቲ ቲቪ ሾው ኮኾብ ኰይኑ’ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንፍቕሩ ይጓየያሉ ኣለዋ።

ኣብ ሓደ መወዓውዒ ናይቲ ብዩክሬናዊ ቅዲ ዝዳሎ ውሩይ ኣመሪካዊ ተኸታታሊት ትርኢት ተለቪዥን 'ዘ ባችለር'፡ እቲ ኣከዳድንኡ ኣዝዩ ዘጥዐመሉ ኦሌክሳንድር ንሓንቲ ዕምባባ ተመሲጡ እናጠመታ ይረአ።

ኣብ ካልእ ድማ ኣብ ጂምናዝየም ተኸታታሊ ‘ፑሽ ኣፕ’ ቅድሚ ምስርሑ፡ ብገለ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደኺሙ እንከሎ ዝቐርበሉ ሕቶታት ክምልስ ይቃለስ ነይሩ።

ኣብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ሓደ ጀርዲን ጽጌረዳ ቃለ መሓትት ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ እቲ ሕዚ ዕዙዝ ዝና ኣጥርዩ ዘሎ ተጋዳላይ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ኰይኑ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ኦሌክሳንድር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ኣፍቃሪቱ ድሕሪ ምፍልላዩ ኣብቲ መደብ ፍቕሪ ክረክብ ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ ።

እንተዀነ ግን ካብተን "ሚልዮናት ሰባት" መጻምድቲ ምምራጽ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

ንሱ ግን፡ ድሌቱ ፍቕራዊ [ሮማንቲክ] ጥራይ ኣይኮነን።

ነቲ መደብ ተጠቒሙ፡ ኣካለ- ጐደሎ [ስንኩላን] ዩክሬናውያን ዘጋጥሞም ብድሆታት ብዝምልከት ንቕሓት ከዓቢ ይደሊ።

"እዚ ምርኢት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝከታተልዎ ኮይኑ፡ ንኣረኣእያኦም ብኣወንታ ንምጽላው ፅቡቕ ኣጋጣሚ 'ዩ" ይብል።

ንሱ፡ ኣካለ ጒደሎ ገዳይም -ተጋደልቲ "ዝተፈለዩ ዘይኮኑስ፡ ጽቡቕ ህይወት ዝነብሩ ምሉእ ኣባላት ሕብረተሰብ" ምዃኖም ከርኢ ይደሊ።

"ብዛዕባየይ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ሕጂ ህይወተይ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ዝሓሸ'ዩ። ካብቲ ቅድሚ ምጉዳእተይ ዝሓሸ እየ ዝነብር" ይብል።

ኦሌክሳንድር ኩሉ ግዜ ኣብ ጉያ እዩ ዘሎ። ኣብታ ዝሓለፈት ምሸት ቪድዮ ሙዚቃ እናቐረጸ ከም ዝነበረ ነጊሩኒ።

ህይወቱ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኣይነበረን። ቅድሚ ወራር ሩስያ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ግራፊክ ዲዛይን እናተማህረ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ኪየቭ ከም ባሪስታ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ኣብ ሕልምታቱ፡ ጉዕዞ ምግባር፣ ዓለም ምዛርን ብሞያ ምዕባይን፤ ከምኡ’ውን ስድራቤት ክምስርት ይደሊ ነይሩ።

ህይወት ኦሌክሳንድር ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት ተገልቢጡዎ። ሓደ ካብቶም ናብ ሰራዊት ዝተፀንበሩ ኣማኢት ኣሽሓት ዩክሬናውያን ደቂ ተባዕትዮ ኰይኑ።

ኣብ ነሓሰ 2022 ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ቅድሚት መስመር ገስጋስ ሩስያ እትርከብ ዝተጎበጠት ከተማ ዓስኪሩ።

ኣብ መጀመርታ መዓልታት ኲናት፡ ሰራዊት ሩስያ ከም ቁልፊ ወተሃደራዊ ማእከል ይጥቀመሉ ነይሩ።

እታ ከተማ ሓራ ዝወፅአት፡ ኦሌክሳንድር ብኸቢድ ድሕሪ ምጉዱኡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ነይሩ።

"ምድሪ ክትግልበጠኒ ተሰሚዑኒ። ኣብ እግረይ ዘስካሕክሕ ቃንዛ ተሰሚዑኒ፤ ምቑራጽ እግረይ ማለት ምዃኑ ድማ ተረዲኡኒ" ይብል።

ኣብ ቃለ መሓትት

ብኣውያት መሬት ዕንጽራር ገይሩዋ።

ብጾቱ ብህይወት ስለዝነበሩ፡ ካብ መሬት ኰዒቶም ኣውፂኦም ቀዳማይ ረድኤት ከምዝገበርሉ ይዛረብ።

ሽዑ እዩ እግሩ ብኸቢድ ከም ዝተጎድአ ዝፈለጠ።

"ኣብቲ ህሞት፡ ቃንዛ ምስ ተሰምዓኒ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ካልኢት፡ ኣእጋረይ ከም ዝሰኣንኩ ተረዲኡኒ።" ክብል ነቲ ህሞት ይዝክሮ።

ኦሌክሳንድር ድሒኑ፤ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ግን ዑና ኮይኑ ተሪፉ። ኣብቲ እዋን፡ ሰብመዚ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ መቓብራት ልዕሊ 400 ሬሳታት ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ዋላ እኳ በዳሂ ኩነታት እንተኣሕለፈ፡ ኦሌክሳንድር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፡ብመሳርሒ ተሓጊዙ ብኣእጋሩ ክኸይድ ክኢሉ።

"እዚ ኣብ ዘይተሰርሐለይ እዋን፡ ብዓረብያ ስንኩላን ክዘውር ግድን ነይሩ" ይብል።

እዚ ድማ ከም ውጽኢቱ 'ሌግስ ኦፍ' ዝበሃል ምርኢት ተለቪዥን ክምህዝ ደፋፊኡዎ።

ኦሌክሳንድር ዘቕረቦ መደብ- ስንኩላን ኣብ ከተማታት ዩክሬን ኣብ ዝዘውሩሉ እዋን ዘጋጥሞም ጸገማት ይርከቦ።

እዚ ገዲም ተጋዳላይ ካብኡ ሓሊፉ መጽሓፍ’ውን ጽሒፉ፡ መዳልያታት ረኺቡ። ኣብ ኣመሪካ ምስ ሓንቲ ጉጅለ ምርኢት ኣቕሪቡ'ዩ።

ኣፍረይቲ ምድላው 'ዘ ባችለር' ነቲ ገዲም ተጋዳላይ ከም ምልክት ተስፋ ይርእዩዎ ኣለዉ።

"ዋላ'ኳ ኣካላቱ እንተጎደለ ኦሌክሳንድር ብሽክለታ ይዝውር፣ መኪና ይዝውር፣ ናብ ኣኽራን ይሕንክብ። ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ይነብሮ" ትብል ናታሊያ ፍራንቹክ፡ ካብ STB- እቲ መደብ ዝመሓላለፈሉ መርበብ ሓበሬታ።

“ሓቂ ንዛረብ እንተባሂሉ፡ ሕጂ ልዕሊኡ መን ዝሓሸ ኮኾብ ፊልም ዘ ባችለር ክኸውን ይኽእል?”

ብመሳርሒ ክልተ እግሩ

ምንጪ ስእሊ, Warner/STB Channel