እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣተኵሮ ምግባራ፡ ናብ ፍታሕ ዘምርሕ ስጕምቲ ድዩ?
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳው ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣምባሳደራት ሃገራት ኳድ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ'ቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ዝበሎ ግጭት ሱዳን ብምዝታይ፡ ኣመሪካ እቲ ቅልውላው ብወተሃደራዊ መዳይ ከም ዘይፍታሕ ገሊጹ። (ኳድ ንሃገራት ኣውስትራልያ፡ ህንዲ፡ ጃፓንን ኣመሪካን ዝሓዘ ጕጅለ እዩ)
ላንዳው ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣፍሪቃ ማሳድ ቡሎስ ብምዃን ንኣምባሳደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጺን ጸዊዑ ብዛዕባ ኵነታት ሱዳን ኣዘራሪቡዎም።
ወሃቢት-ቓል ታሚ ብሩስ ከም ዝሓበረቶ፡ ላንዳው፡ እቲ ግጭት፡ "ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ናይ ሓባር ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡን እዩ፡" ክብል ብምግላጽ፡ "ኣመሪካ እቲ ግጭት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብላን፡" ክብል ከም ዘብርሀ ገሊጻ።
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክርስቶፈር ላንዳው፡ ቅልውላው ሱዳን ንመላእ እቲ ዞባ ስለ ዝጸሉ፡ እቶም ኣብ ውግእ ዝርከቡ ኣካላት ተጻብኦታት ደው ከብሉን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕሩን ይግባእ ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ነቲ ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ምስ ጕጅለ ኳድ ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃናን ብዛዕባ ዝስዕብ ስጕምትታት ከም ዝተዘራረበን እቲ መግለጺ ይሕብር።
ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተበግሶ ክትወስድ ፋልማያ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ዝተጀመረ ግጭት፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዛጊት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ከም ዝገለጸ ይዝከር።
እቲ ግጭት ደው ንምባል ብዞባውያንን ዓለምለካውያን መንጐኛታትን ዝተኻየዱ ጻዕርታት ተስፋ ክህብ ኣይጸንሐን።
እቲ ኣብ ነሓሰ 2024፡ ስዑዲ ዓረብ ዝመርሓቶ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሽምግልና ብኣጋኡ እዩ ፈሺሉ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ኵለን ከተማታት ክወጽኡን ኣጽዋር ከውርዱን ክጠልብ ከሎ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ እቲ ጠለባት ሰራዊት ሱዳን መስርሕ ሰላም ንምዕንቃፍ ዘቕረቦ ምዃኑ ገሊጹ።
ብድሕሪኡ ድማ እቲ ግጭት እናበኣሰ መጺኡን ሚዛን ሓይሊ ተቐዪሩን።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ሰራዊት ሱዳን ንኻርቱም ሓዊሱ ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩዎ ይርከብ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ክስታት፡ "ተኣማንነት ኣለዎ፡" ክብሉ'ኳ እንተ ገለጹ፡ ኢማራት ዓረብ ግን ነቲ ክስታት
ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።
ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ነታ በቲ ኲናት ሓድሕድ ብተዛማዲ ከይተተንከፈት ዝጸንሐት ፖርት-ሱዳን ብድሮን ኣብ ዘጥቀዓሉ እዋን፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኻ።
ምኒስተር ምክልኻል ሱዳን ያሲን ኢብራሂም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢማራት ዓረብ "ብውክልና" ንልዑላውነት ሃገሩ ትጥሕስ ከም ዘላ ከሲሱ።
ኣመሪካ፡ ነተን ኣብ ኲናት ሱዳን ጽልዋ ኣለወን ዝበሃላ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ግብጽን ጸዊዓ ብምዝርራብን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ፍታሕ ዘይምዃኑ ምግላጻን፡ እዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ናብ ሓድሽ መድረኽ ይሰጋገር ከም ዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ንካሚል ኣል-ጠይብ እድሪስ ቀዳማይ ምኒስተር ክኽውን መዚዙዎ።
እዚ ኣብ ኦምዱርማን ዝተወልደ ሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምርጫ 2010 ኣንጻር ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንፕረዚደንትነት ተወዳዲሩ ዝነበረ እዩ።
እድሪስ፡ ኣብ ጥሪ 2022 ዓብደላ ሓምዶካ በዞም ሕጂ ኣብ ግጭት ኣትዮም ዝርከቡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ዝሽየም ዘሎ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ብሰንበት ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ንምሕጋዝ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕን ፍትሒ፡ ሰላም፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ውሑስ ዕብየት ዝብሉ ሓሳባት ክኽተል ቃል ከም ዝኣተወን ማዕከን ዜና ሱና ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ምስ ኵሎም ፖለቲካውያን ጕጅለታትን መራሕትን ሱዳን ብፍትሓውነትን ማዕረን ከም ዝዋሳእ፣ ገለልተኛን ንዝዀነ ወገን ከም ዘይድግፍን ገሊጹ። ሓይልታት ወጻኢ ድማ ንዕጡቓት ጕጅለታት ሓገዝ ካብ ምሃብ ክሕየቡ ጸዊዑ።
እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ሱዳን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ቃል ብምእታው፡ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ብምድጋፍ ቍጠባ እታ ሃገር ንምብርባር ክሕግዝ ምዃኑ ተመባጺዑ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ፡ ኣብ 2024 ግምጃ ሃገራዊ እቶት (GDP) ሱዳን ብ23.4 ሚእታዊት ነክዩ። ዝቕባበ ዋጋታት ንብረት 176 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐን ብግብሪ ዝእከብ ኣታዊታት ብምንቍልቋሉ ንሕጽረታት ኣጋዲዱዎ ከም ዘሎን ይገልጽ።