ጀርመን፡ ስደተኛ ብኻራ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ዶባታ ብጽኑዕ ክትቈጻጸር ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጀርመን ኣብ ነሓሰ ኣብ ከተማ ሶሊንገን ሰለስተ ሰባት ብመጥቃዕቲ ካራ ድሕሪ ምቕታሎም ምቍጽጻር ዶባት ከተጥብቘ ምዃና ተፈሊጡ።
መንግስቲ ድሕሪ እቲ ብኻራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዝያዳ ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ጸቕጢ ከምዝበዝሖ ይግለጽ።
ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ጥርጡር ዜጋ ሶርያ ኰይኑ፡ ዕቑባ ንምርካብ ዘቕረቦ ሕቶ ውዱቕ ብምዃኑ ዕድል ምስጓግ ይጽበዮ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ብጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
እዚ ካብ 16 መስከረም ዝጅምርን ከም መበገሲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕን ሓድሽ ቍጽጽር፡ ጸረ -ስደተኛታት ዝዀነ ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን (Alternative for Germany - AfD) ኣብ ከባቢያዊ መረጻታት ዓቢይ ዓወት ካብ ዘመዝግብ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ተኣዊጁ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ናንሲ ፋይዘር፡ መንግስቲ ኣንጻር ዘይስሩዕ ስደት "ተሪር ስጕምቲ ይወስድ" ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጥቡቕ ምጽራይ ድማ እስላማዊ ኣኽራርነትን ስግረ-ዶባዊ ገበናትን ከምዘጉድል ገሊጻ።
"ህዝቢ ሃገርና ካብዚ ስግኣታት ንምክልኻል ዝከኣለና ኵሉ ንገብር ኣለና" ክትብል ወሲኻ።
ጀርመን ድሮ ምስ ፖላንድ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ስዊዘርላንድን ኦስትርያን ኣብ ዘዋስንዋ ምብራቓውን ደቡባውን ዶባታ ቍጽጽር ጀሚራ'ላ፤ ብቐንዱ ድማ ኣብ ጽርግያታትን ባቡራትን ፈተሻ ተካይድ። ኣብ ኵለን ነቝጣታት ዶብ እውን ተመሳሳሊ ስጕምትታት ክተኣታቶ እዩ።
ይዅን'ምበር ነቐፍቲ እቲ ስጕምቲ ካብ ጉዳይ ጸጥታ ንላዕሊ ኣብ ፖለቲካ ዝምስረት ምዃኑ ይገልጹ።
ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን (ኤ.ኤፍ.ዲ) ኣብ ዞባዊ መረጻታት ምብራቕ ብዘርኣዮ ኣፈጻጽማ፡ ቀንዲ ሰልፍታት ጀርመን ተሳዒረን’የን። እዚ ከኣ ሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ድሕሪ ዘመነ ናዚ ንፈለማ እዋን ኣብ መረጻ ዕብለላ ዘርኣየሉ ኰይኑ’ሎ።
ኣመሓዳሪ ሰልፊ ‘ኤስ.ፒ.ዲ’ን ካልኦት ቀንዲ ውድባትን፡ እቲ ውጽኢት መረጻ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዶባትን ዝያዳ ተሪር መርገጺ ክሕዙ ከምዘለዎም ካብ መረጽቲ ዝሓለፈ መልእኽቲ ከምዘርኢ ይኣምኑ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ መንግስታት ብተዛማዲ ብዝሒ ዘለዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ፈቒዶም’ዮም።
ጀርመን ኣብቲ ሰፊሕ ቅልውላው ስደት ዝተረኣየሉ 2015-2016 መብዛሕትኦም ካብ ከም በዓል ሶርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ኲናት ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተቐቢላ ነይራ። ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ሩስያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ድማ 1.2 ሚልዮን ዩክሬናውያን ተቐቢላ።
ሰልፊ ቻንስለር ነበር ኣንጌላ መርኸል - ሲዲዩ (‘CDU’ ክርስቲያን ዲሞክራቲክ ዩንየን) ንዅሎም ኣብ ዶብ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ፡ ዋላ እቶም ብቑዓት ዝኾኑ ግን ከኣ ብኻልኦት ውሑሳት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝተጓዕዙ ንድሕሪት ክምለሱ ዝገብር ውጥን ኣቕሪቡ’ሎ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትርያ ገርሃርድ ካርነር ግን ብሰኑይ ንጋዜጣ ቢልድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ዝዀነ ብጀርመን ዝተነጽገ ስደተኛ ከምዘይትወስድ ኣፍሊጡ’ሎ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ሶሊንገን ብኻራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መንግስቲ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ጽዑቕ ስጕምትታት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።
ንሳቶም ድማ ምስጓግ ዘጋጥሞም ሓተትቲ ዑቕባ ጥቕሚታት ንኽስእኑ ከምኡ’ውን ንዝተፈርዱ ገበነኛታት ኣፍጋኒስታን ናብ ዓዶም ምምላስ ክጅመር ዘኽእሉ ሕግታት ምቕያር የጠቓልሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







