ትራምፕ፡ ስደተኛታት ብጅምላ ንምስጓግ ሰራዊት ከዋፍር ምዃኑ ተሓንዩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ጃምላዊ ምስጓግ ከካይድ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅን ወተሃደራዊ ጸጋታት ተጠቒሙ “ጃምላዊ መደብ ምስጓግ” ክመርሕን ምዃኑ ንዝጸሓፈ ዓቃባዊ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ “ሓቂ!!!” ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ ኣብ ዘካይዶም ዝነበሩ ጐስጓሳት መረጻ፡ ነቲ ምስጓግ ንምፍጻም ሓላፍነት ዝተዋህቦ ፈደራላዊ ትካል ኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ንምሕጋዝ ሃገራዊ ሓለዋ ክጥቀም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ቃል ይኣቱ ነይሩ።

ትራምፕ እዚ ትማሊ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ንምፍጻም ዝኣተዎ ቃል ብኸመይ ክፍጽም እዩ ዝብል ሕቶታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ'ዩ።

ንሱ 20 ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምስጓግ ከም ዝጅምር’ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ሓደ ምምሕዳር ኣመሪካ ነዚ ውጥናት ብሕጋዊ መገዲ ከሰጕሞ ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ ሰበስልጣን ግና ዓበይቲ ሎጂስቲካዊ ብድሆታት ክገጥሞም ክግደዱ’ዮም።

ኣብዚ እዋን እቲ ኣኽባሪ ኢሚግሬሽንን ጕምሩክን 20 ሽሕ ሰራሕተኛታት እዮም ዘለውዎ።

እዚኦም ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምርካብን ንምክትታልን እኹላት ክዀኑ ከም ዘይክእሉ ይግለጽ።

እዚ መደብ ዓቢ ፋይናንሳዊ ወጻኢታት'ውን ክሓትት’ዩ፤ እንተዀነ ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ንጻዕርታት ምምሕዳሩ ከም ዘይዓግቶ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኣገደስቲ ጽፍሒታት ምምሕዳሩ ዝመርሑ ሰባት ይሸይም ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ድሮ ንፖሊሲ ኢሚግሬሽንን ምስጓግን ዝቈጻጸሩ ሓያሎ እሙናት መሓዙቱ መሪጹ ኣሎ።

እዚኦም፡ ሚኒስትሪ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ክትመርሕ ዝተሓጸየት ክሪስቲ ኖኤምን ሓላፊ ኤጀንሲ ኣኽባሪ ኢሚግሬሽንን ጕምሩክን ነበር ቶም ሆማንን ይርከብዎም።

ጕጅለ ትራምፕ ክሳብ ሕጂ እቲ ውጥን ብኸመይ ከም ዝፍጸም ዝሃቦ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ሃገራዊ ህጹጽ እዋን ክእውጅ መደብ ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ ኣብ መሬት ኣመሪካ ሰራዊት ከዋፍር ስልጣን ከም ዝህቦን ገሊጹ ነይሩ።

ሆማን ትማሊ ሰኑይ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ተራ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ንምውሳንን “ኣብቲ ውጥን ናይ መወዳእታ ምጽፋፍ” ንምግባርን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ትራምፕ ክኸይድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነት ኣመሪካ (ACLU)፡ እቲ ውጥን ምስጓግ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንኤጀንሲ ኣኽባሪ ኢሚግሬሽንን ጕምሩክን (ICE) ከሲሱ ኣሎ። እቲ ጕጅለ ነቲ ጃምላዊ ምስጓግ ንምዕጋት ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሕጋዊ ብድሆታት ምቕራብ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣርባዕተ ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ዶባትን ካብታ ሃገርን ተሰጒጐም’ዮም።

ምምሕዳር ባይደን’ውን ክሳብ ለካቲት 2024 ኣስታት 1.1 ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ከም ዝሰጐገ ጸብጻባት የመልክቱ።

መረዳእታ ክፍሊ ድሕነት ሃገርን ማእከል መጽናዕቲ ፒውን ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ 2022 ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 11 ሚልዮን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ የመልክት።

እዚ ድማ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 3.3 ሚእታዊት ይሕዝ።

እቲ ቍጽሪ ካብ 2005 [ኣ.ኤ] ጀሚሩ ብተዛማዲ ተመሳሳሊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣስታት 500 ሽሕ ካብ ኩባ፡ ቬነዙዌላ፡ ሀይቲን ኒካራጓን ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ ፍቓድ ተዋሂቡዎም ኣብታ ሃገር ይነብሩ ኣለው።

መብዛሕትኦም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሑን ዳርጋ ፍርቈም ድማ ካብ ሜክሲኮ፡ ጓቲማላ፡ ኤል ሳልቫዶርን ሆንዱራስን ዝመጽኡ’ዮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት [ካሊፎርንያ፡ ቴክሳስ፡ ፍሎሪዳ፡ ኒውዮርክ፡ ኒውጀርሲን ኢሊኖይን] ይነብሩ።