ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኒውካስል 'ቃላ ኣየኽብረትን' ኢሉ፡ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑኸ እንታይ'ዩ ክስዕብ?

ኣብዚ ወቕቲ ምስግጋር ተጻወትቲ ከም ጉዳይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ገይሩ ኣተኵሮ ዝተዋህቦ የሎን።

ካብ ኤርትራውያን ስድራ ኣብ ሽወደን ዝተወለደ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብታ ኣብ 2022 ዝተጸንበራን ድሕሪ 70 ዓመት ዋንጫ ካራቦኣ ካብ ዘዕተራን ኒውካስል ወጺኡ ምስ ሊቨርፑል ክጻወት'ዩ ዝደሊ። እታ ጋንታ ከኣ ሊቨርፑል ዘቕረበቶ ገንዘብ እኹል ኣይኰነን ብምባል ክትሸጦ ድልውቲ ብዘይምህላዋ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዝምለስ ዘይመስል ጽልኢ ኣንጸላልዩ'ሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኒውካስል ቃላ ኣየኽበረትን ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ርክብ ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ፡" ኢሉ።

ኒውካስል ነቲ ሊቨርፑል ንኢሳቕ ንምዕዳግ ዘቕረበቶ 110 ሚልዮን ፓውንድ ካብ እትሕሰሞ 19 መዓልታት ገይሩ ኣሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ንዕኡ ንምዕዳግ እኹል ገንዘብ ሒዛ ዝመጽአት ዓባይ ጋንታ ምስ ዝረክብ፡ ኒውካስል ንኽወጽእ ማዕጾኣ ብታሕጓስ ክትከፍተሉ እምንቶ ከም ዝነበሮ ቢቢሲ ስፖርት ካብ ቃሉ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።

ኢሳቕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ኣብ ዝበለጸት ጋንታ ፕረምየሊግ ዝተመረጸሉ፡ ሽልማት ንምውሳድ ዘይመጽኣሉ ምኽንያት ገሊጹ።

ንሱ፡ "ካልኦት እናተዛረቡ ንነዊሕ እዋን ስቕ'የ ኢለ፡" ኢሉ።

ብምስዓብ፡ "እዚ ስቕታ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተዘርበ ስምምዕ [ምስ ኒውካስል] ከይፈለጡ ዘዝመስሎም ክዛረቡ ድሪኽዎም'ዩ፣ እቲ ሓቂ ኣቐዲሙ ቃል ተኣትዩለይ ነይሩ'ዩ። እታ ጋንታ ናይ ነዊሕ መደባተይ ትፈልጥ'ያ። እዚ ጠለባት ሕጂ ከም ዝመጽአ ገይርካ ምቕራቡ ግን ጓል-መንገዲ ዝፈጥር'ዩ፡" ኢሉ።

"ቃል ምስ ተዓጽፈን እምነት ምስ ጠፍአን እቲ ርክብ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ። እዚ'ዩ ንዓይ ኣጋጢምኒ ዘሎ፡ እቲ ምልዋጥ ናይ ሓሳብ፡ ረብሓ ካልኦት እናሓለወ ንምንታይ ረብሓይ ዘይሕልወለይ?"

ኒውካስል ብወገና፡ ብመግለጺ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከም ዝተቘጥዐት ብምግላጽ፡ "መልሲ ኣብ ምሃብ ግሉጻት ኢና ዘለና። ኣሌክሳንደር ምሳና ዘለዎ ውዕል ኣይወድአን፡ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ጋንታ ክወጽእ ዘፍቕድ ውዕል ከኣ ዝዀነ ብዓልመዚ እዛ ክለብና ቃል ኣይኣተወሉን፡" ኢላ።

"ዝበለጹ ተጻወትትና ክንሕዞም ኢና ንደሊ፣ እንተዀነ እቶም ተጻወትቲ'ውን ናቶም ድሌት ስለ ዘለዎም ንቓሎም ንሰምዖ ኢና። ኣሌክሳንደርን ወከልቱን ንረብሓ ወይ ድሌት ኒውካስል፡ ደገፍቲ ኒውካስልን እታ ጋንታን'ውን ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም።"

ናይዚ ወቕቲ መሸጣ ተጻወተቲ 1 መስከረም'ዩ ክዕጾ።

ሊቨርፑል ከኣ ንኣሌክሳነደር ኢሳቕ ንምዕዳግ ካብቲ ቅድሚ 19 መዓልታት ዘቕረበቶ 110 ሚልዮን ፓውንድ ዝሓሸ መጠን ገንዘብ ሒዛ ኣይቀረበትን ዘላ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ሊቨርፑል፡ ኒውካስልን ኢሳቕን ዘሎ ጉዳይ ክሳብ 1 መስከረም መዕለቢ እንተ ዘይረኺቡ፡ እንታይ'ዩ ክስዕብ?

ቢቢሲ ንዝተፈለላዩ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ተኽእሎታት ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

ሊቨርፑል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንምግዛእ እንታይ ኰይና ተወሳኺ ገንዘብ ዘየቕረበት?

ነዚ ንምርዳእ ኒውካስል ክሳዕ ሕጂ ዝሸጠቶምን ዝዓደገቶምን ተጻወተቲ ንርአ።

ኒውካስል ብሰንበት ንኣከፋፋሊ ኣስቶን ቪላ ጃኮብ ራምሲ ብ40 ሚልዮን ፓውንድ፣ ንተኸላኻላይ ኤሲ ሚላን ከኣ ብ34.6 ሚልዮን ፓውንድ ዓዲጋቶም።

ኣብ ሓምለ ንኣንቶንዮ ኢላንጋ ካብ ኖቲንሃም ፎረስት ብ55 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ከኣ ንእንግሊዛዊ ሓላው ልዳት ኣሮን ራምስዳለ ብልቓሕ ኣብ ሕቝፋ ኣእትያቶም።

እንተዀነ፡ ኵሎም እዞም ዘፈረመቶም ኣጥቓዕቲ ኣይኰኑን። ስለዚ፡ ንኣሌክሳንደር ክትሸጦ እንተዀይና መተካእትኡ ከትረክብ ኣለዋ። ካልዮም ዊልሰን ካብታ ጋንታ ምውጽኡ ከኣ ንተኽእሎ ምውጻእ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝያዳ ኣጽቢብዎ።

ቢቢሲ ከም ዘረጋገጾ፡ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ክተሸጦ እንተዀና ኣቐዲማ መተካእትኡ ዝዀኑ ክልተ ኣጥቓዕቲ ክትረክብ ኣለዋ።

እቲ ሊቨርፑል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንምዕዳግ ከተቕርቦ እትኽእል ዝለዓለ ገንዘብ 120 ሚልዮን ፖውንድ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ግምት ዘሎ።

ሊቨርፑል ክንደይ ገንዘብ ሒዛ እያ ዳግማይ ማዕጾ ኒውካስል ክትኵሕኵሕ ግን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኒውካስልን ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ዘሎ ፍሕፈሐ ክዕምረላ ትጽበ ዘላ ትመስል።

ኒውካስልከ ካልእ ኣጥቃዓይ ንምርካብ ሃነፍነፍ ትብል ኣላ ድያ?

ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ብቐዳም ምስታ ኣብ መበል 66 ደቂቕ ሓደ ተጻዋታይ ብቐይሕ ዝወጽኣ ኣስቶንቪላ ማዕረ ዜሮ ብዜሮ ምስ ተፈላለዩ፡ ኣይኰነንዶ መተካእታ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክሓስቡ መተካእታ ዊልሰን ንምርካብ ተሸጊሮም ምህላዎ'ዩ ኣተንቢሁ።

ኒውካስል ንዮዋን ዊሳ ካብ ብረይትንፎርድ ንምዕዳግ ሓሳብ ኣለዋ፣ ነቲ ተጻወታይ ግን ልዕሊ 40 ሚልዮን ፓውንድ ከተውጽኣሉ ሓሳብ የብላን፤ ብረይትፎርድ ከኣ ዋጋኡ ልዕሊኡ'ዩ ኢላ'ያ ኣቕቢጻ ዘላ።

እዚ ተወላዲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነ ኣጥቃዓይ ምስ ኒውካስል ክፍርም ስለ ዝደለየ፡ ጋንታኡ ኣብቲ ብሰንበት 3 ብ1 ዝተሰዓረትሉ ጸወታ ኣየሰለፈቶን።

ብዘይካ እዚ ኒውካስል ንኣጥቃዓይ ውልቭስ ስትራን ላረስን'ውን ኣብ ራዳራ ኣእትያቶ ኣላ። ውልቭስ ግን ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ነቲ ተጻዋታይ ክትከስሮ ድልውቲ ዘላ ኣይትመስልን።

ስትራንድ ላርሰን ኣብ ፕረምየርሊግ 14 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ'ዩ።

ኒውካስል ናብ ላርሰንን ዊሳን ምውዳቓ ክሳብ ክንደይ ኣብ መዋጥር ከም ዘላ ዘርኢ'ዩ።

ኣብቲ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ዘካየደቶ ፈላማይ ጸወታ ፕረምየርሊግ እዚ ዓመት ንኣንቶኒ ጎርዶን'ያ ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፋቶ።

ኒውካስል ካልኣይ ጸወታኣ ሰኑይ ንሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ዓዲማ እተካይዶ ጸወታ'ዩ ተሰሪዕላ ዘሎ።

ኣብ ሜዳ ይውረድ ኣይውረድ ከኣ ሰኑይ ልዕሊ ዝዀነ ተጻዋታይ ስም ኣሌክሳንደር ኢሳቕ'ዩ ክደጋገም።

ኒውካስል ነዚ ስምምዕ ኣብ ማዕልቦኡ ንምብጻሕ ንምንታይ'ዩ ከቢድዋ?

ኒውካስል ኣብዚ ወቕቲ ከተፈርሞም ዝሓሰበቶም ሓያሎ ተጻወትቲ በርዒንዋ'ዩ።

ንኸም ሁጎ ኢኪቲከ፡ ቤንጃሚን ሴስኮን ጆ ፔድሮን ንምፍራም ምንቅስቓስ ገይራ ነይራ'ያ።

እቶም ተጻወትቲ ግን ብቕደም ተኸተል ናብ ሊቨርፑል፡ ማንቸስተር ዩናትድን ቸልሲን ተጸንቢሮም።

ኒውካስል'ውን ምስዘን ጋንታታት ከወዳድር ዝኽእል ዓቕሚ የብላን፣ ንዊልሰን'ውን መተካእታ ክትረኽበሉ ኣይከኣለትን።

እቲ መተካእታ ናይ ቅድሚት ኣጥቃዕቲ ክትረክብ ዘይከኣለትሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣጥቃዕቲ ክቡራት ስለ ዝዀኑ እዩ።

እታ ጋንታ ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር፡ ኣብ ዝሓሸ ፋይናንስያዊ ርግኡነት ክትህሉ ትኽእል'ያ። በዚ ዘሎ ዋጋታት ግን ተጠማቲ ኣጥቃዓይ ክትገዝእ ዘኽእላ ኣይኰነን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክወጽእ'የ ምባሉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጕሩንጕሪት መንደዓት'ዩ ኰይንዋ ዘሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ሊቨርፑል እንተ ዘይከይዱ፡ ኣብታ ጋንታ ክወሃሃድ ይኽእል ድዩ?

እዚ ብዙሕ እንተተታ'ዩ ዘለዎ።

ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ብተደጋጋሚ ማዓጹ ኒውካስል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክፉት ምዃኑ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ኣሰልጣኒ ቀጺሉ፡ እቲ ዝዓበየ ውሳነ ግን እቲ ካብ ግንቦት ምስታ ጋንታ ዘይተጸንበረን በይኑ ኰይኑ ልምምድ ዝገብር ዘሎን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከም ዝምርኰስ'ዩ ኣብሪሁ።

ኒውካስል ትማሊ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ "እዛ ጋንታ ዘዅርዕ ልምድን ባህልን ዘለዋ ጋንታ'ያ። ንስምዒት ስድራቤት እዛ ጋንታ ንምዕቃብ ድማ ንጽዕር። ኣሌክሳንደር'ውን ኣባል እዛ ስደራ'ዩ፣ ምስ ደቂ ጋንትኡ ዳግማይ ክጽንበር ድሉው ምስ ዝኸውን ድማ ብሓጐስ ክንቅበሎ ኢና፡" ኢላ።

ደገፍቲ እታ ጋንታ፡ ጋንታኦም ብቐዳም ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ጸወታ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ 'ስሱዕ' ኢሎም ይጸርፍዎ ነይሮም።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ሊቨርፑል ክኸይድ ድዩ ኣይከይድን 11 መዓልታት'የን ተሪፈንኦ ዘለዋ።

ምስ ከም ብዓል ኒውካስልን ቶተንሃምን ዝኣመሰላ ዝሰርሐ ሓላፊ ትዌንቲ ፋይቭ ግሩፕ ዝዀነ ኦማር ኣውዱሁሪ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ዋጋ ኣጥቃዕቲ ኣዝዩ ይንህር ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

"ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ወቕቲ ሸውዓት ኣጥቃዕቲ ብልዕሊ 50 ሚልዮን ኤሮ ናብ ካልኦት ጋንታታት ከም ዝተሸጡ ገሊጹ። ኣብ 2024 ክልተ፡ ኣብ 2023 ሽዱሽተ፡ ኣብ 2022 ከኣ ሓሙሽተ ብልዕሊ 50 ሚልዮን ኤሮ ከም ዝተሸጡ ከኣ ኣብሪሁ።

"ክለባት ግን ምናልባት ንጽልዋአን ብዝምልከት ትጽቢት ከሐድሳ ይግባእ። ካብቶም ቅድሚ እዚ ዓመተ ስፖርት ብክለባት ፕረምየርሊግ ብ50 ሚልዮን ዩሮን ልዕሊኡን ዝተዓደጉ 19 ኣጥቃዕቲ ምናልባት ሃላንድን ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጥራይ እዮም ከም ዕዉት ምስግጋር ክሕሰቡ ዝኽእሉ፡" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኒውካስል ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓባቢላ ኣብ መሳርዓ ከተእትዎ እቲ ዝበለጸ ዕድላ ክከውን ከም ዝኽእል ከኣ እዚ ክኢላ የብርህ።