ኮኩራ፡ ክልተ ግዜ ካብ ኣቶሚክ ቦምብ ዘምለጠት ዕድለኛ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Bettmann Archive/Getty Images
እዛ ካብ መዓት ዘምለጠት ከተማ ሎሚ የላን።
ኣብ 1963 ሓሙሽተ ከተማታት ተጸንቢረን ንኸተማ ኪታክዩሹ መስሪተን፣ ኮኩራ ድማ ሓንቲ ካብአን ነበረት። ኪታክዩሹ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጃፓን እትርከብ ኰይና፡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ተቐማጦ ኣለውዋ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ጃፓናውያን ክሳዕ ሎሚ ዓቢይ ቦታ እዩ ዘለዋ።
ኮኩራ ሓንቲ ካብተን ኣብ 1945 ዒላማ ኣቶሚክ ቦምብ ኣመሪካ እያ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክልተ ግዜ ብተኣምርን ንስክላን ካብ ዕንወት ኣምሊጣ።
ኮኩራ ብ9 ነሓሰ ክትድብደብ ሒደት ደቓይቕ ተሪፉዋ ነበረ - ከምቲ ቅድሚ ሳልስቲ ሂሮሺማ ዝዓነወቶ።
እንተዀነ፡ እቲ ቦምባ ኣብኡ ኣይተደርበየን። ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ንዓኣ ንናካሳኪ ክድብድቡ ምምራጾም ሓያሎ ምኽንያታት ነይሩዎም።
እቲ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦምብ ኣብ ሂሮሺማ ኣስታት 140,000፡ ኣብ ናጋሳኪ ድማ 74,000 ህይወት ሰባት ቀዚፉ። ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ'ውን ንዓመታት ብጨረርታ ኣብ ስቓይ ወዲቖም።
ኣብ ጃፓን "ዕድል ኮኩራ" ዝብል ሓረግ፡ ካብ ሓደ ዘስካሕክሕ ኵነታት ብዕድል ካብኡ ንእተምልጦ ተረኽቦ መግለጺ ይጥቀምሉ።
ብርግጽ ግን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ደበናን ትክን ኣብ ሰማይ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ መፋርቕ ሓምለ 1945 ሰራዊት ኣመሪካ ን12 ከተማታት ጃፓን ከም ዒላማ ኣቶሚክ ቦምብ መሪጹ ነበረ። እዘን ከተማታት እዚኣተን ፋብሪካታትን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ስለ ዝነበረን እየን ተሓርየን።
ኮኩራ ድሕሪ ሂሮሺማ ኣብቲ ዝርዝር ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ነበረት። ኣገዳሲ ማእከል ምፍራይ ኣጽዋርን ዓቢይ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ጃፓንን ኣብ ጓጓኣ ነበረ።
ብ6 ነሓሰ ኮኩራ ፋልመይቲ ብቦምባ ክትድብድብ ነበራ። ብፍሉይ ምኽንያት ግን ካብ ዝርዝር ደብዳብ ኣመሪካ ተሰሪዛ። ኣብ ክንድኡ ድማ እቶም ቦምባታት ኣብ ሂሮሺማ ተደርብዮም።
ድሕሪ ሳልስቲ፡ ጋሕጋሕ ንግሆ፡ ኣቶሚክ ቦምብ ዝጸዓና ቢ-29 ናብ ኮኩራ ገጸን በረራ። ሓንቲ ካብዘን ነፈርቲ - ቦክስካር ዝተባህለት - "ረጒድ ሰብኣይ" (Fat Man) ዝብል ቦምባ ሒዛ ነበረት። እዚ ቦምባ ካብ ፕሉቶንየም ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ ሂሮሺማ ዝተደርበየ ዩራንየም ቦምብ ዝያዳ ዝሓየለ እዩ።
በታ ንግሆ እቲኣ፡ ካኩራ ብደበና ተሸፊና ነበረት። እቲ ዕምብረ ሰማይ፡ ነታ ከተማ ንምርኣይ ብዘጸግም ከዲኑዋ ነበረ።
ቅድመኣ መዓልቲ፡ ኣብ ጥቓኣ ኣብ እትርከብ ያታዋ ዝዓለቡ ቦምባታት ዝፈጠሩዎ ትኪ ንጹህ ሰማይ ከይህሉ ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብ መላእ ጃፓን ብተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ፋብሪካታት ኮኩራ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ትኪ መከላኸሊ ንምፍጣር ኰነ ኢሎም ከሰል ከም ዘቃጸሉ እውን ይገልጹ።
ብመሰረት ወተሃደራዊ ጸብጻባት ኣመሪካን ኣብ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኒውዮርክ ታይምስ ዊልያም ሎረንስን፡ እተን ቢ-29 ኣብ ዙርያ ኮኩራ ሰለስተ ግዜ ከም ዝዘንበያ ይሕበር።
እቶም ኣብረርቲ ቦምባ ከውድቑ ዝፍቀዶም፡ ነቲ ክውቃዕ ዝተደልየ ዒላማ ብንጹር ምስ ዝርእዩዎ ጥራይ እዩ ዝነበረ። እዚ ድማ እቲ ቦምባ ብልክዕ ከም ዝሃርምን ብዝተኻእለ መጠን ኣዕናዊ ምዃኑን ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ።
እቶም ኣብረርቲ ንዒላማኦም ብንጹር ቅድሚ ምርኣዮም ድማ ኣብ ኮኩራ ዝነበሩ ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ጃፓን ቀዲሞመን ክትዅስሎም ጀመሩ።
ነታ ቦክስካር እትበሃል ነፋሪት ዘብርር ዝነበረ ሜጀር ቻርለስ ስዊኒ፡ ዒላማአን ንምንጻር ክዛውና ነዳዲ ናብ ምውዳእ ገጸን ይኸዳ ስለ ዝነበራ፡ ንኮኩራ ሓዲጉ ናብ ናጋሳኪ ክበርር ወሰነ።
ኮኩራ ንኻልኣይ ግዜ ዳግማይ ደሓነት።
እታ ከተማ፡ ርእሰ-ኸተማ ኣይነበረትን

ምንጪ ስእሊ, Bettmann Archive/Getty Images
ካብ መጋቢት 1945 ጀሚረን ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ንጃፓን ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ከጥቅዓ ጸኒሐን እየን - ንኸተማታት ናብ ባርዕ ሓዊ ዝቕይር ቦምባታት ይጥቀማ ነበራ።
ኣብ 9 መጋቢት ምሸት ኣብ ልዕሊ ቶክዮ ዝተኻየደ ዓቢይ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 83,000 ሰባት ቀቲሉ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት እውን ብዘይ መጽለሊ ከም ዝተርፉ ገበረ።
ኮኩራ ግን ክሳዕ ነሓሰ ነፈርቲ ቢ-29 ኣብ ልዕሊኣ ክዝንብያ ከለዋ፡ ዝዀነ ከይነኽኣ ከም ቀደማ ደኣ ነበረት።
ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ኣቶሚክ ቦምብ ዘውረዶ ጉድኣት ብዝበለጸ ምእንቲ ከጽንዑ፡ ቅድሚ ምድብዳቦም እተን ከተማታት ከምኡ ኢለን ክጸንሓ ድልየት ነበሮም።
ናጋሳኪ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝርዝር ዒላማታት ኣይነበረትን። ኣብቲ እዋን ጸሓፊ ውግእ ኣመሪካ ዝነበረ ሃሪ ስቲምሰን ግን ነዚ ቀይሩዎ።
ንፕረዚደንት ሃሪ ትሩማን ነታ ኣብ ሓደ እዋን ርእሰ ከተማ ጃፓን ዝነበረት ኪዮቶ ምዕናው፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ መንጎ ቶክዮን ዋሽንግተንን ሰላም ንምስፋን ዝያዳ ከም ዘጸግም ኣእመኖ።
ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ስቲምሰን ንኪዮቶ ክምሕራ ዝደለየሉ ውልቃዊ ምኽንያት ከም ዝነበሮ ይኣምኑ። ቅድሚ ሽዑ ብዙሕ ግዜ ናብ ጃፓን ዝተጓዕዘ ኰይኑ፡ ሕጽኖቱ ኣብታ ከተማ ከም ዘሕለፎ ይንገር።
እፎይታን ሓዘንን

ምንጪ ስእሊ, Kitakyushu City handout
ጃፓን ብዘይ ቅድመ-ዅነት ኢዳ ምሃባ ብሃጸይ ሂሮሂቶ ብ15 ነሓሰ 1945 ተገልጸ።
እዛ ሕጂ ኣካል ኪታክዩሹ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ኰይና ዘላ ኮኩራ ድማ ዕድላ ኰይኑ ካብ ጥፍኣት ደሓነት። ይዅን'ምበር፡ ሓያሎ ሰባት ገና ስንባደን ሓዘንን ይስምዖም ነበረ።
ሰባት እቲ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ ዝተደርበየ ቦምባ ፈለማ ንኮኩራ ከም ዝዓለመ ምስ ፈለጡ፡ እፎይታ እኳ እንተ ፈጠረሎም፡ ሓዘንን ርሕራሐን ግን ተሰምዖም።
ኪታክዩሹ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦምብ መዘከርታ ተኺላ ኣላ። ኣብቲ መኽዘን ኣጽዋር ዝነበረ ቦታ፡ ደሓር መናፈሻ ዝተሃንጸሉ እዩ ዝርከብ።
እቲ ሓወልቲ፡ እታ ከተማ ንስክላ ብዛዕባ ምድሓናን ሰቘቛ ናጋሳኪን ዝገልጽ እዩ። ካብ 1973 ጀሚራ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ 9 ነሓሰ፡ ፍሉይ ናይ ዝኽሪ መደብ ትገብር ኣላ።
ኣብ 2022 ቤተመዘክር ሰላም ከተማ ኪታክዩሹ ተኸፊቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክልተአን ከተማታት ድልዱል ምሕዝነት ሃኒጸን እየን። ነቲ ታሪኻዊ ሓባራዊ ዕጫአን ድማ ብግልጺ ይዝክራ።
ይዅን'ምበር፡ ኪታክዩሹ እውን እንተዀነት ብዙሕ ተቐዪራ እያ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ ዘመነ-ሕውየት ጃፖን ኣዝያ ተበኪላ ነበረት። ማያት ወሽመጥ ዶካይ'ውን ዳርጋ ነጺፉ ነበረ።
ሎሚ ኪታክዩሹ ሓንቲ ካብተን ሓምለዎት ከተማታት እስያ ተባሂላ ትፍለጥ። ተተካኢ ጸዓት ንምጥቃም ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይዳ።
እታ ከተማ ሕሉፍ ህይወታ ትዝክር እኳ እንተዀነት፡ ዝሓሸ መጻኢ እውን ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







