ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተዋሲና ዝጸንሐት ጃፓን ነፈርቲ ውግእ ክትሸይጥ እያ

ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ተሓጊዛ እተጥቅዕ ነፋሪት ውግእ ኣብ ሰማየ ሰማያት ለንደን

ምንጪ ስእሊ, PA media

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንምሻጥ ዘኽእል ውሳነ ኣጽዲቑ።

እተን ነፈርቲ ውግእ ናብተን ጃፓን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን ሃገራትን ቀጻሊ ግጭት ዘይብለንን ሃገራት ክሽየጣ ምፍቃዱ ንሕጊታት ሰደድ ኣጽዋር ኣቕሊልዎ።

ጃፓን ቻይናን ሰሜን ኮርያን ዘስዕባኦ ሓደጋታት ብምጥቃስ ክሳብ 2027 ወተሃደራዊ ወጻኢታታ ብዕጽፊ ክትውስኽ ምዃና ቃል ኣትያ።

ነፍሲ ወከፍ መሸጣ ነፋሪት ውግእ ፍቓድ ካቢነ ሚኒስተራት ከምዘድልዮ ሰብመዚ ገሊጾም።

ኣብ ታሕሳስ 2022 ጃፓን ሰብ ሰርሖ ብልሕን ምዕቡል ሰንሰራትን ተጠቒማ ንፓይለታት ክትሕግዝ እትኽእል ሓዳስ ነፋሪት ውግእ ንምምዕባል ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ስምምዕ ፈሪማ።

እተን ጀት ኣብ 2035 ክዋፈራ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ድማ እታ ሃገር ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ምስ ካልእ ሃገር ዝገበረቶ ናይ መጀመርታ ሽርክነት ምምዕባል መሳርሒታት ምክልኻል እዩ።

እቲ ስጕምቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ናብ ኣመሪካ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ግዜ ኰይኑ ንሱ ሃገሩ ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ምሕዝነትን ሃገሩ ኣብ ምሕዝነት ምክልኻል ዝያዳ ክትሳተፍ ዘለዋ ድልውነትን ከጉልሕ ትጽቢት ይግበር።

ሚስተር ኪሺዳ ብተወሳኺ፡ ቶክዮ ኣብ ኣህጉራዊ መደባት ምክልኻል ከም መሻርኽቲ ዘለዋ ተኣማንነት ንምዕቃብ፡ ነፈርቲ ውግእ ናብ ሳልሳይ ሃገራት ንምልኣኽ ምፍቃድ "ኣድላዪ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ጃፓን ዮሺማሳ ሃያሺ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጸጥታ ሃገርና ንምውሓስ ኣገደስቲ ዓቕሚ ዘለወን ነፈርቲ ውግእ ንምስራሕ ዝተወጠነ መደብ፡ ድሕነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይኣቱ ከረጋግጽ ኣለዎ" ኢሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ሚኖሩ ኪሃራ ግን ጃፓን ኣብ ምልኣኽ ነፈርቲ ውግእ "ጽኑዕ መስርሕ" ብምውሳን ሕጂ'ውን "መሰረታዊ ፍልስፍና ሓንቲ ፓሲፊስት ሃገር" ብተወፋይነት ከም እተቐጽል ኣነጺሩ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ብኣመሪካ ዝተጐበጠት ጃፓን፡ እታ ሃገር ኲናት ከይተካይድን ኣህጉራዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሓይሊ ከይትጥቀምን ዝቕይድ ቅዋም ከምዘጽደቐት ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ቅዋም ንወተሃደራዊ ሓይሊ ብወግዒ ኣፍልጦ ስለዘይህብ ኣብ ዓቕምታት ርእሰ ምክልኻል ጥራይ ዝተደረተ እዩ።

ብተወሳኺ እገዳ ሰደድ ኣጽዋር ዘንበረት ኮይና እዚ እገዳ ኣብ 2014 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ እዋን ሺንዞ ኣቤ ንፈለማ እዋን ክልሕልሕ ተራእዩ።

ጃፓን ኣብ ታሕሳስ 2023 ነቲ ሕጊታት ዝያዳ ኣፍኲሳቶ።

እዚ ድማ ቶክዮ ፓትሪዮት ሚሳይል ምክልኻል ኣየር ናብ ኣመሪካ ክትሰድድ መንገዲ ጸረገት። ፓትሪዮት ሚሳይላት ካብቶም ኣመሪካ ንዩክረይን እተቕርቦም ምዕቡላት ኣጽዋራት ሓደ እዩ።