ሽልማት ኖበል ሰላም 2024 ካብ ህልቂት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ንዝደሓኑ ጃፓናውያን ተዋሂቡ

ሽልማት ኖበል ሰላም 2024 ነቶም ካብ መጥቃዕቲ ኣቶማዊ ቦምባ ብህይወት ዝተረፉ ጃፓናውያን ተዋሂቡ።
እቶም ኣባላት ኒሆን ሂዳንክዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበር ዝኾኑ ጃፓናውያን ካብቲ ኣብ 1945 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘወደቐቶም ኑክሌራዊ ቦምባታት ብህይወት ዝተረፉ’ዮም።
እቲ ጉጅለ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክእገድን ጠቕሊሉ ካብ ገጽ ምድሪ ንክውገድን ጻዕርታት ብምክያዱ'ዩ ነቲ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።
ኣቦመንበር ኮሚቲ ኖበል ኖርወይ ዝኾነ ጆርገን ዋትን ፍሪድነስ፡ እቶም መለስቲ ኣውያት ዝኾኑ ጃፓናውያን "ኑክሌራዊ ነውሪ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ኣበርክቶ" ዝገበሩ ምዃኖም ገሊጹ።
እንተኾነ ግን እቲ "ኑክሌራዊ ነውሪ" ኣብዚ እዋን'ዚ "ሓያል ጸቕጢ" ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብምጥንቃቕ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንካልኣይ ግዜ ኣብ መዓላ ከይውዕል ኣብ ምግባር ንዝገበርዎ ምስክርነታዊ ጎስጓስ ንኢዱ።
እቲ ኣብ 1956 ዝተመስረተ ማሕበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካብቲ ህልቂት ዝተረፉ ሰባት፡ ብዛዕባ'ቲ "ዘሕዝን መቕዘፍቲ" ከምኡ'ውን ምትኳስ እቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘስዓበሎም ስቓይን ምስክርነቶም ንዓለም ከካፍሉ ዝጉስጉስ'ዩ።
እቶም ተሓለቕቲ 10 ዓመት ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ዝወረደ መዓት'ዮም ንጥፈታቶም ጀሚሮም።
ቅድሚ ሕጂ'ውን እቲ ጉጅለ ኖበል ሰላም ክወሃብ ሓያለ ግዜ ተሓጽዩ ነይሩ'ዩ። ብፍላይ ኣብ 2005 ዋላ'ኳ ኣይተዓወት፡ በቲ ኮሚቲ ኖበል ስሙ ተጠቒሱን ተሞጒሱን ነይሩ።
በቲ ብ6 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማ ዝወደቐ ኣቶማዊ ቦምባ ኣስታት 140,000 ብኡ-ንብኡ ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ኣብታ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ተመሳሳሊ ዕጫ ዝገጠማ ናጋሳኪ ድማ ብውሕዱ 74,000 ሰባት ብቕጽበት ተቐዚፎም።
እቲ ፍጻመ፡ እታ ኣብ ጎኒ ናዚ ጀርመንን ፋሽሽቲ ኢጣልያን ተሰሊፋ ዝነበረት ጃፓን ብወግዒ ኢዳ ክትህብ ዘገደደን ካልኣይ ውግእ ዓለም ከብቅዕ ዝበረን'ዩ ነይሩ።
ሓደ ካብ ማንታ መራሕቲ ናይ ማሕበር ዝኾነ ቶሺዩኪ ሚማኪ ብዛዕባ'ቲ ሽልማት ኣብ ጃፓን ኣብ ዝሃቦ ብንብዓት ዝተሰነየ ግብረመልሲ "እዚ ክኸውን'ዩ ኢለ ፈጺመ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ከምዝበለ ኤ-ኤፍ-ፒ ጸብጺቡ።
ሚማኪ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሰላም የምጽእ'ዩ ንዝብል ኣተሓሳስባ ኣትሪሩ ይነጽግ።
"ሳላ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዓለም ሰላም ሰፊኑዋ ኣሎ ተባሂሉ ይዝረብ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ክኣቱ ይኽእል'ዩ" ክብል ይምጉት።
ኮሚቲ ኖበል፡ ናይዚ ዓመት ሽልማት ሰላም ንኒሆን ሂዳንክዮ ክህቦ ምውሳኑ፡ ካብቶም ኣዘራረብቲ ሕጹያት ንምርሓቕ ዝዓለመ'ዩ ዝመስል።
እቲ ሽልማት ነቲ ንነዊሕ እዋን ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ኣብ ምድጋፍ ዝተጸምደ ትካል ሕቡራት ሃገራት (UNWRA) ክወሃብ'ዩ ዝብል ሰፊሕ ትጽቢት ጸኒሑ'ዩ።
ዋላ'ኳ እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ትካል ቀንዲ ወሃቢ ደገፍ ፍልስጤማውያን እንተኾነ፡ ትሸዓተ ካብ ሰራሕተኛታቱ ምስቲ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቀምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ደማዊ መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ተባሪሮም እዮም።
ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ሽልማት ኖበል ነቲ ትካል ከይወሃብ ናብቲ ኮሚቲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ንጉዳይ ኲናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝርኢ ዘሎ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ (ICJ) እውን ተመሳሳሊ ስክፍታ ክቐርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ቀንዲ ሕጋዊ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ቤትፍርዲ፡ እስራኤል ምጽናት ዓሌት ከይትፍጽም ዝወሰነ ኮይኑ፡ ምስቲ ጉዳይ ዝተኣሰሰር ዝቐረበሉ ክስታት ኣብ ምምርማር ይርከብ።
ኪኖ እቲ ሽልማት ነቲ ዘየካትዕ ጃፓናዊ ትካል ምሃብ፡ ኣቓልቦ ዓለም ናብቲ ኑክሌራዊ ስግኣት ኣንጸላሊይዎ ዘሎ ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ከተኩር ኣብ ምግባር ግደ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።
መራሕቲ ሩስያ ንኲናት ዩክረይን ኣብ ለካቲት 2022 ድሕሪ ምውልዖም፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክረይን ዝህብኦ ወተሃደራዊ ደገፍ እንተድኣ ኣበሪኸንኦ ስልታዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ከፈራርሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቲ መጠንቀቕታት ኣብ ዓይነትን መጠንን እቲ ዝወሃብ ደገፍ ንምዕራባውያን ሃገራት ሰገጥ ከየበለን ኣይተረፈን።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ'ውን፡ መሰረት ስግኣት እስራኤል እታ ቀንዲ ተጻባኢታ ዝኾነት ኢራን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይ ምህናጽ ሃቐነ ኣለዋ ዝብል'ዩ። ኢራን ግን ነቲ ክሲ ብቐጻሊ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።
ስለዚ ውሳነ ኮሚቲ ኖበል፡ ገለ ኑክሌራዊ ብረታት ዝዓጠቓ ሃገራት ብዛዕባ ዘለወን ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ዝጃሃራሉ ዘለዋሉ እዋን ንኣጀንዳ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናብ ቅድሚት ከምጽኦ ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ዓመት፡ ነቲ ሽልማት ንምርካብ 197 ውልቀሰባትን 89 ውድባትን ዝርከብዎም 286 ሕጹያት ቀሪቦም ነይሮም።
ኣብ ኣገዳሲ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ፡ ከም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ወይ ፓርላማ፡ ሰበስልጣን መንግስትን ዓለምለኻውያን ኣብያተ-ፍርዲን ዝርከብዎም ውልቀሳባትን ትካላትን ሕጹያት ተሸለምቲ ከቕርቡ ይኽእሉ።
ሽልማት ኖበል ሰላም 2023 ንኢራናዊት ተሓላቒት መሰላት ደቂንስትዮ ሃገራ ዝኾነት ናርገስ መሓማዲ ከምዝተዋህበ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







