ሱናኦ ጹቦይ- ካብ ህልቂት ሂሮሺማ ዝደሓነ ወዲ 96 ዓመት ተጣባቒ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብቲ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኣቶሚካዊ ቦምብ እተኻየደሉ መጥቃዕቲ ዝደሓነን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዳግም ጉድኣት ከየብጽሕ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተቓለሰ ውሩይ ጃፓናዊ ኣብ 96 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።
ሱናኦ ጹቦይ ብ6 ነሓሰ 1945 ዓ.ም ናብ ኮሌጅ እናኸደ ኣብ ሂሮሺማ ብዝተተኮሰ ኣቶሚክ ቦምብ መላእ ኣካላቱ ስለ ዝነደደ ብርቱዕ ስቓይ እዩ ኣሕሊፉ።
ኣብቲ ንጃፓናውያንን ህዝቢ ዓለምን ዘሰምበደ ቀዛፊ መጥቃዕቲ ኑክሌር ቦምብ ኣስታት 140,000 ሰባት ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ህሞት ሞይቶም።
ከም ጹቦይ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ውሑዳት ውጻእ መዓት ከኣ ታሪኽ ክነግሩ እግዝሄር ንደሓር ኢሉዎም።
ብድሕሪኡ ጹቦይ ምሉእ ህይወቱ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ወፈራ ጎስጓስ ብወለንትኡ ተወፍዩ።
ሱናኦ ጹቦይ ኣብ 2016 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ክሳተፍ ምስ ዝመጽአፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ሂሮሺማ ተራኺቦም ኣዕሊሎም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምባ ንሂሮሽማ - ጃፓን ዝበጽሐ ናይ መጀመርያ ፕረዚደንት ኣመሪካ እዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኒኩሌር ኣብ ኣጋ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓይልታት ኪዳን ንጃፓን ክደፍእዋ እንከለዉ እዩ ተተኲሱ።
ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መደረኡ፡ "ሞት ካብ ሰማይ ወሪዱ፤ ዓለም ከኣ ተቐይራ እያ" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "እቲ ደብዳብ፡ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ንከጥፍኡ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዝሕብር" እዩ ብማለት ዝኽሪ ሂሮሺማ ፈጺሙ ክሃስስ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ብዛዕባ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክዛረብ እንከሎ ከኣ፡ "ካብ ፍርሒ ከነምልጥ ትብዓት ክህልወናን ብዘይ ኒኩሌር ክንነብር ክንጽዕር ይግባእ" ብምባል ነቶም ክልተ ውጻእ መዓት ሂሮሽማ ሓቚፉ ስዒሙዎም።
ሽዑ እቲ ኣብ ጃፓንን ዓለምን ብጎስጓስ ምጥፋእ ኑክሌር ዝፍለጥ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ትካል ኣቶማዊ ቦምብን ሃይድሮጅን ዓብዪ ግደ ዝነበሮ ውጻእ መዓት ሂሮሽማ ሱናኦ ጽቦይ፡ ምስ ኦባማ ድሕሪ ምርኻቡ፡ "ሓሳባተይ ከመሓላልፍ ክኢለ እየ" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኣሽሓት ዘህለቐ ቦምባ ኣመሪካ ኣብ ሂሮሽማ ክትኮስ እንከሎ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ተማሃራይ ምህንድስና ዝነበረ ጽቦይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ብዋሕዲ ደም ከም ዝሞተ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ማሕበር ንማዕከናት ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ብ6 ነሓሰ 1945 ኣብ ሂሮሽማ ብባርዕ ኑክሌር ምስ ተሃርመ፡ "ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ጥራሕ ነብሰይ ክሃድም'ኳ እንተፈተንኩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብእግረይ ክኸይድ ኣይከኣልኩን" ክብል ነቲ ማዕኸን ዜና ተዛሪቡ ።
ኣብ ሓደ ቦታ ተሰኒፉ ምስ ወደቐ፡ ሓንቲ እምኒ ኣልዒሉ ኣብ መሬት "ጹቦይ ኣብዚ ሞይቱ" ኢሉ ጽሒፉ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ።
ብድሕሪኡ ጽቦይ ድሕሪ ሓያሎ ሳምንቲ እዩ ተንሲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዝዩ ደኺሙን ተኻኢሉን ስለ ዝነበረ ከም ቖልዓ ፍሑኽ እናበለ እዩ ክንቀሳቐስ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።
ብድሕሪኡ ጥዕናኡ ምስ ተመሓየሸ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጃፓን ሕሳብ/ ቁጽሪ ክምህር ጀመረ።
ነቶም መንእሰያት ከኣ ወትሩ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ዘሕለፎ ተመኩሮ የዘንትወሎም ነይሩ።
ካብ ብዝሒ ተመኩሮታቱ ተበጊሶም ከኣ እቶም ተመሃሮ "ሚስተር ፍላሽ- ጹቦይ" ዝብል ሳጓ ከም ዘውጽእሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰላም ሂሮሺማ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ ።
ኣንጻር ኒኩሌር ተቓለሱ፡ "ፈጺምኩም ተስፋ ኣይትቝረጹ" ብምባል ጸረ ኑክሌራዊ ወፍሪ ጎስጓስ የካይድን ይመክርን ነይሩ።
"ብሞት እቲ ንቅዱስ ዕላማ ዝቃለስ ዝነበረ ዓብይ መራሒና ኽንሓዝን ዘይኰነስ: [ካብ ዕላማታቱ ከይተኣለና] ከይረሳዕናዮ ነቲ መገዱ ኽንቅጽሎ ኣሎና። ንቃላቱ ድማ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና" ክብል ኣባል ኣህጉራዊ ወፈራ ንዩክሌራዊ ኣጽዋር ዘይመንግስታውያን ውድባት ኣኪራ ካዋሳኪ ይሕብር።
ጹቦይ፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ቃጸሎ ኒክሌር መንሽሮን ካልእ ሕማማትን ኣማዕቢሉ ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ ዋሕዲ ደም ኣብ ሆስፒታል እናተሓከመ ዓሪፉ።
ካብቲ ኣብ ልዕሊ እተን ክልተ ከተማታት ጃፓን ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘጋጠመ ኑክልየሳዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ዝደሓኑ ኣስታት 127,000 ሰባት ብህይወት ኣለዉ ።
ሱናኦ ጹቦይ፡ ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድ ከም ዝኾነ ኣሶሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







