እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ንገዛእ ርእሰን ካብቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ መረጻ ኣግሊለን
ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን እናትን ንገዛእ ርእሰን ካብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ዝካየድ መረጻ ከምዘግለላ ኣፍሊጠን።
ኣብተን ቅድሚ ሕዚ መረጻ ዘይተኻየደለንን ከምኡ’ውን ዳግማይ መረጻ ዝካየደለንን ኣርባዕተ ክልላት እታ ሃገር፡ 9 ሰነ 2016 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) መረጻ ከምዝካየድ ይፍለጥ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብተን 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዘይተኻየደለን ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋር፡ ሶማልን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ዝርከባ 28 ናይ መረፃ ከባቢታት መረፃ ከካይድ ብ22 ለካቲት 2016 መደብ ኣውጺኡ’ዩ።
ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን እናትን ኣብቶም ዳግመ መረጻ ዝካየደሎም ከባቢታት ከም ዝንቀሳቐሳ እየን ዝገልጻ።
እተን ክልተ ሰልፍታት ግና እቲ መረፃ ንምክያድ "ዘኽእል ኵነታት" ከምዘየለን ምቹው ኵነታት ክሳብ ዝፍጠር ድማ እቲ መረፃ ክናዋሕ ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ሕቶ ከምዘቕረባ እየን ጠቒሰን።
ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያን እናትን ምስ ካልኦት ክልተ ውድባት ብ25 ለካቲት ናብ ቦርድ መረጻ ኣብ ዝጸሓፍኦ ደብዳበ፡ "ቅኑዕ መረጻ ንምክያድ ዘኽእሉ" ዝበልኦም ነጥብታት ብምጥቃስ እቲ ቦርድ ውሳነኡ ዳግማይ ክምርምር ሓቲተን ነይረን።
እንተዀነ እቲ ቦርድ "መአረምታታት" ስለዘይገበረ፡ ኣብቲ መረጻ ከምዘይሳተፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
እተን ውድባት፡ ብሰንኪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ኵነታት ጸጥታን፡ ቅኑዕ መረጻ ዘይክካየድ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣለወን።
ፕረዚደንት ሰልፊ እናት ዶክተር ሰይፈስላሰ ኣያሌው፡ ህሉው ኵነታት ብምጥቃስ፡ እታ ሃገር ናብ "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት" ምስ ተመልሰ እቲ መረጻ ክካየድ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብተን መረፃ ዝካየደለን ክልላት ዘሎ ሰላምን ድሕንነትን ዘተኣማምን ከምዘይኰነን “መማልኢ መረጻ” ክዀኑ ከምዘይደልዩን ኣስሚሩ።
“ብቃፍላይ፡ ብዓጀብቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐስካ መረፃ ምክያድ ኣይከኣልን። መረፃ ንምክያድ እውን ስነ-ልቦናዊ ድልውነት ኣገዳሲ እዩ። ነጻ ዝዀነ ኣእምሮ የድልዮ’ዩ። እዚ ኣብ ዘይብሉ፡ ብኸምዚ ኣገባብ እናተንቀሳቐስካ ሕጹያት ምምዝጋብን ምስራሕን ዝከኣለሉ ኵነታት የለን። ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ምዝገባ መረጽቲ ዝካየደሉ መንገዲ የለን" ኢሉ።
ዶክተር ሰይፈስላሰ፡ ብዛዕባ’ዚ ስክፍታ ንቦርድ መረፃ ከም ዘፍለጡን እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦም መልሲ ግና ስክፍታኦም ከምዘይተቐበሎን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ቦርድ ናብተን ሰልፍታት፡ ‘እቲ ኵነታት ምቹውን እቲ መረጻ ክካየድን ከምዝኽእል፡ መስርሕ መረፃ’ውን ይቕጽል ከምዘሎ’ ዝገልጽ ደብዳበ ከምዝለኣኸ ድማ ጠቒሱ።
ካብቲ ቦርድ ብዝተዋህበ ምላሽ ስለ ዘይተሰማምዑ ግና ካብቲ መረጻ ከም ዝሰሓቡ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
“ኣብ ከምዚ ዝበለ [ኵነታት] መማልኢ፡ ተሓባበርቲ ኮይንና ክንከይድ ኣይንፈቅድን" ኢሉ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ እቲ መረጻ "ተደናጒዩ" ክብላን ብህጹጽ ክካየድ ክጽውዓን ዝጸንሓ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ኣለዋ።
ዶክተር ሰይፈስላሰ፡ "ነፍሲ ወከፍ ውድብ ነናተን ገምጋም ኣለወን" ብምባል፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህሉ ከምዝኽእል ተኣሚኑ።
"ንሕና ግና ኣድማዒ መረጻ ምክያድ ኣይከኣልን ዝብል ገምጋም’ዩ ዘለና።"
እተን ሰልፍታት፡ ኣብተን መረፃን ዝካየደለን ኣርባዕተ ክልላት ክንደይ ዝኣክል ናይ መረጻ ምንቅስቓሳት ኣካይደን ንዝብል ሕቶ ኣብ ክልተ ክልላት "ዓቢ ምንቅስቓስ ኣለና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"ብዘይካ ኣብ ሶማልን ዓፋርን ኣብተን ካልኦት ክልላት [ምንቅስቓስ] ኣለና።"
ይኹን እምበር፡ እተን ሰልፍታት ዘለወን ንጥፈታት ምስቲ ናይቲ ከባቢ ኵነታት "ብተዛማዲ" ዝግለጽ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኵነታት እተን ከባቢታት እውን ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ "ወሳኒ" እዩ ኢሉ።
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብተን መረጻ ዝካየደለን ክልላት ናይ ዝወዳደሩ ሕጹያት ዝርዝር ዕላዊ ገይሩ’ዩ።
ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዓፋር 5፡ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ 21፡ ኣብ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ድማ 5 ሕፁያት ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ንባይቶ ክልል ድማ ኣብ ዓፋር 73፡ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ 198፡ ኣብ ሶማል 22፡ ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ድማ 10 ሕጹያት ቀሪቦም ኣለዉ።