ሓደጋ ባቡር ህንዲ፡ "ገበነኛታት ተሪር ቅጽዓት ክወርዶም እዩ" - ቀዳማይ ሚኒስተር

ኣብ ህንዲ ምብራቓዊ ግዝኣት ኦዲሻ ንዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር፡ ተሓተትቲ ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት "ብጥብቂ ክቕጽዑ እዮም" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድራ ሞዲ ገሊጹ።

ኣብቲ ሰለስተ ባቡራት ብምግጫወን ዝተፈጥረ ሓደጋ ብውሕዱ 288 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ኣስታት 1,000 ድማ ከም ዝቖሰሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ዝተዛዘመ ክኸውን ከሎ፡ ኩሎም ተደብዮም ዝነበሩን ዝተጎድኡን ተሳፈርቲ ከም ዝተረኽቡ እዮም ሰበስልጣን ዝገልጹ።

ነቲ ኣብ ግዝኣት ባላሶር ዘጋጠመ ሓደጋ "ዘቐንዙ እዩ" ክብል ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ኣብ ሆስፒል ብምኻድ ንግዳያት ሓቲቱ።

መንግስቲ፡ "ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር" እውን ቃል ኣትዩ።

ጠንቂ ናይቲ፡ ናይዚ ክፍለ ዘመን ኣብ ህንዲ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ባቡር ከምዝዀነ ዝንገረሉ ዘሎ ግጭት ባቡራት እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

ብተመሳሳሊ፡ ባዕሎም ንባዕሎም ዝዋቕዑ ጸብጻባት ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መንጎ ኮልካታን ቸናይን ትጓዓዝ ዝነበረት ሓያሎ ባጎኒታት ዘለዋ ኮሮማንደል ኤክስፕረስ፡ ምስ ሓንቲ ደው ዝበለት ናይ ኣቑሑት ባቡር ድሕሪ ምግጫዋ ካብ መንገዲ ባቡር ከም ዝወጸት ሰበስልጣን ይገልጹ።

ካብ ባጎኒታታ ሓያሎ ድማ ኣብ ተጻራሪ መስመር ተገልቢጠን።

ካልእ ብኣንጻር ኣንፈት ካብ የስቫንትፑር ናብ ሃውራ እትጓዓዝ ዝነበረት ሃውራ ሱፐርፋስት ኤክስፕረስ ዝተበሃለት ባቡር ምስተን ካብ መንገደን ዝወጻ ባጎኒታት ተጋጭያ።

ሓላፊ ሃገራዊ ሓይሊ ምላሽ ሓደጋታት ቱል ካርዋል ንማዕከን ዜና ኤኤንኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እተን ባቡራት ዝተጋጨዋሉ ሓይሊ፡ ሓያሎ ባጎኒታት ክጭፍለቓን ክበላሸዋን ገይሩ'ሎ" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ባቡር፡ ትማሊ ቀዳም ጻዕርታት ህይወት ምድሓን ከም ዝተዛዘመ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ዳርመንድራ ፕራድሃን፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ "ቴክኒካዊ ምኽንያታት" ዘጋጠመ እዩ’ኳ እንተበለ፡ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ብንጹር ንምፍላጥ ግን መርመራ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይዝረብ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፡ ካብ ቀረባ ቁሸታት ዝመጹ ሰባት ተደብዮም ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ንምድሓን ዝገብርዎ ጅግንነታዊ ጻዕርን ገሊጾም ኣለዉ።

ንፍርቂ ሰዓት ተደብዩ ዝጸንሐ ሙኬሽ ፓንዲት፡ እታ ባቡር ቅድሚ ምግልባጣ "ነጎዳ ዝመስል ድምጺ" ከም ዝሰምዐ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ካብ ቁሸተይ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ድሒኖም'ዮም፡ ብዙሓት ሰባት ግን ቆሲሎም ወይ ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለዉ። ኣብታ ዝነበርኩላ ባጎኒ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ህንዲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ መጓዓዝያ ባቡር ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ እናተተኻኽኡ ዝመጽኡ መንግስታት ነቲ ትሕተ ቅርጺ ንምምሕያሽ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት’ኳ እንተውፈሩ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት ከጋጥሙ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ህንዲ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ባቡር ኣብ 1981 ዓ.ም ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ቢሃር ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ ነታ ባቡር ካብ መስመር ባቡር ደፊኡ ብምውጻእ ናብ ሩባ ብምእታዋ ብውሕዱ 800 ሰባት ሞይቶም’ዮም።