ሰባት ኣብ ሓደጋ ኰይኖም'ዉን ፈጺሙ ፍርሒ ከይስምዖም ዝገብር ሕማም

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/ BBC
ፍርሒ፡ ንነብስና ካብ ሓደጋ ንምክልኻል እንጥቀመሉ ባህሪያዊ ለውጢ እዩ።
ዘይፈርሕ ሰብ ግን እንታይ ክመስል ይኽእል? እዚ ንመብዛሕትና ንምግማቱ ዝኸብድ ክኸዉን ይኽእል።
ገለ ሰባት ግን ነዚ ህይወት እዮም ዝነብሩ ዘለው። ካብ ነፋሪት እንተዘለሉ'ዉን ክንዲ ፍረ ጣፍ ዝኣክል ፍርሒ ኣይስምዖምን።
ኣብ ሰብነቶም ሆርሞን ኣድረናሊን ኣይዘዋወርን፤ ብፍርሒ ህርመት ልቦም ኣይውስኽን።
ኮርዲ ክረንክ ሓደ ካብኣቶም እዩ፤ ሆርሞን ኣድረናሊን ዘመንጩ ጽኪ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዀነ ሆርሞን ከፍሪ እንከሎ ዝኽሰት ሕማም (Cushing's syndrome) ነይሩዎ።
ብሰንኪ እዚ ሕማም፡ ኣዝዩ ልዑል ሆርሞን ጭንቀት (Cortisol) የመንጪ ስለ ዝነበረ ነቲ ጽኪ ኣልዩዎ።
እዚ ኮሪስትሮል ዘመንጪ ጽኪ ምስ ወጽአ፡ ሓደ ካብቶም ፍርሒ ዘይስምዖም ሰባት ኰይኑ።
ካብ በሪኽ ቦታ ዝሽክርከር መጻወቲ (rollercoaster) ኰይኑ ኣይፈርሐን፡ ካብ ነፋሪት ክዘልል እንከሎ'ዉን ኣይፈርሐን።
እንታይ ዓይነት ሕማም እዩ?
ሰባት ካብ ፍርሒ ናጻ ንክዀኑ ዝገብር ሕማም፡ አርባች ዌይዝ (Urbach-Wiethe) ወይ ሊፖይድ ፕሮቲኖሲስ (lipoid proteinosis) ይብሃል።
ክሳብ ሕጂ 400 ሰባት ጥራይ'ዮም በዚ ሕማም ተታሒዞም ዘለው።
ዩኒቨርሲቲ ዩታ፡ እዚ ሕማም ኣብ ልዕሊ ዘለዋ ሓንቲ ውልቀሰብ ብ1980ታት መጽናዕቲ ገይሩ።
ብ2000፡ ናብ ጕጅለ መጽናዕቲ ጀስቲን ፈርቲን ተጸምቢራ።
"ዘፍርሕ ፊልምታት እንተርኣናያ'ዉን ፈጺሙ ፍርሒ ዝብሃል ኣየርኣየትን፡" ይብል እቲ ክኢላ ስነ-ልቦና።
ንሱ፡ ንጭንቀትን ፍርሕን ዝወሃብ ስነ-ልቦናዊ ሕክምና ዝምልከት መጽናዕቲታት ይገብር።
ንብዙሓት ዘሰንብዱ ኣትማን ኰነ ሸረሪት እንተርኣዩዋ'ዉን ክትፈርሕ ኣይክኣለትን።
ብኣንጻሩ፡ እዞም ዘፍርሑ እንስሳት ቀሪቦምዋ።
"ኣብ ቀረባ ርሕቐት ክትትንክፎምን ክትርእዮምን ደልያ፡" ይብል እቲ ክኢላ።
እቲ ሕማም፡ ብዲኤንኤ ዝመሓላለፍ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢሲኤም1 ዝተባህለ ዲኤንኤ ይርከብ።
እዚ፡ ህዋሳት ብሓባር ንክሰርሑ ዝገብር ፕሮቲን ብምፍራይ ይፍለጥ። ኢሲኤም1 ክህሰ እንከሎ፡ ብዝሒ ካልሽየምን ኮሎኝን ይፍጠር። እዚ ድማ ሞት ህዋሳት የስዕብ።
ፍርሒ ክፍጠር ዝገብር ክፋል ሓንጐል
'ኣሜግድላ' ዝተባህለ ክፍሊ ሓንጐል እዩ ፍርሒ ክፍጠር ዝገብር። እቲ ሕማም ነዚ ክጐድኦ እንከሎ ሰባት ፍርሒ ዝብሃል ክስምዖም ኣይኽእልን።
"እዚ ምርምር ዝተገብረላ ጓለንስተይቲ፡ ዋላ'ኳ ፍርሒ እንተዘይተሰምዓ፡ ካልኦት ስምዒታት ግን ኣለውዋ፡" ይብል ጀስቲን።
ኣሜግድላ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍርሒ ዝለዓለሉ ክፍሊ እዩ።
ኣብ ኣናጹ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣናጹ ተዘዝታ ኤሌክትሪክ ንክስምዖም ብምግባር እቲ ድምጺ ምስ ሰምዑ ነዚ ተዘዝታ ምስቲ ድምጺ ስለ ዘተኣሳስሩዎ እቲ ድምጺ ክሰምዑ እንከለው ይፈርሑ።
እታ መጽናዕቲ ዝተገብረላ ጓለንስተይቲ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብነታ ጕድኣት ዘብጽሑ ውዑይ ነገራት ምንካእ ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣይትፍጽምን፤ እዚ ድማ ስለ እትፈርሕ ዘይኰነ ምኽንያታዊ ውሳነ ምውሳዳ ዘመላኽት እዩ።
ሕማም ከስዕበላ ዝኽእል ነገር ክገጥማ እንከሎ፡ ዝፈርሕ ሰብ ዘርእዮም ምልክታት ኣይተርእን።
ካልኦት ሰባት፡ ፍርሒ ክስምዖም እንከሎ'ዉን ክትርድኦም ኣይትኽእልን።
ደስታን ሓዘንን ካብ ገጽ ሰባት ከተንብብ'ኳ እንተኽኣለት፡ ፍርሒ ግን ፈጺሙ ኣይርድኣን።
ብቐሊሉ ምስ ሰባት እትቐርብ ሕያወይቲ ሰብ እኳ እንተዀነት፡ ፍርሒ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ተግባራት ግን ኣይርድኣን።
በሊሕ ነገር ወይ ሽጉጥ ዝሓዘ ሰብ ከጋጥማ እንከሎ'ዉን ኣይትፈርሕን።
"ክትቀርቦም ዘይግባእ ሰባት ትቐርብ። ንመን ክትኣምን ከም ዘለዋ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ኣብ ሓደጋ ናይ ምውዳቕ ሰፊሕ ዕድል'ዩ ዘለዋ፡" ብምባል እቲ ክኢላ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ውልቀሰብ፡ ምስ ካልኦት ወለንታውያን ብምዃን ኣብ ዝተሳተፈትሉ መጽናዕቲ፡ ዘይትፈልጦ ሓድሽ ሰብ ክሳብ 30 ሴንቲ ሜትር ርሕቐት ክጽግዓ ተፍቅደሉ።
እቶም ዝተረፉ ግን ርሕቐቶም ክሕልው ይመርጹ ነይሮም።
"ኣሜግድላኦም ዝተሃስየ ሰባት፡ ምስ ሰባት ኣፍንጫ ንኣፍንጫ ገጢሞም ደው ክብሉ ይክእሉ'ዮም፡" ክብል ኣብ ሜሪላንድ መምህር ስነ-ልቦና ዝዀነ ኣሌክሳንደር ሻክማን ይዛረብ።
ኣሜግድላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባትና እንታይ ዓይነት ባህሪ ከም እነርኢ ይውስን። ካብኡ ወጻእ ዝኽሰቱ ዓይነታት ፍርሒ'ዉን ኣለው።
ኣብታ ተሓካሚት ዝተሰርሐ ሓደ መጽናዕቲ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ሰብነታ ከተእቱ ገይሩ። ካርቦን ዳይኦክሳይድ ሰባት ፍርሒ ንክስምዖም ዝገብር ንጥረ ነገር እዩ።
ኣሜግድላኦም ዝተሃስየ ካልኦት ክልተ ሰባት፡ ካርቦን ዳይአ ኦክሳይድ ምስ ተዋህቦም ፍርሒ ተሰሚዑዎም።
ብቀንዲ ትኹረት እቲ መጽናዕቲ ዝነበረት ውልቀሰብ ግን፡ ካብ ጭንቀት ወጻእ ፍርሒ ዝብሃል ኣየርኣየትን።
"እቲ ዝተሰምዓ ጭንቀት፡ ኣብ ዕድሚኣ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ፍርሒ'ዩ ነይሩ፡ " ክብል ክኢላ ስነ-ልቦና ጀስቲን ፈርቲን የረድእ።
ግዳማዊ ስግኣት ክፍጠር እንከሎ፡ ኣሜግድላ ብዘመሓላልፎ ትእዛዝ ሰብነት መልሲ ይህብ።
ኣብ ውሽጢ ሓንጐል ምስሊ፡ ድምጺ፡ ጨናን ምትንኻፍን ዝግንዘብ ክፍሊ፡ ነቲ መረዳእታ ብምግንዛብ ናብ ሰብነት መልእኽቲ የመሓላልፍ።
ኣሜግድላ፡ ሰራቒ ማዕጾ ሰይሩ ናብ ገዛ ክኣቱ እንከሎ ወይ ተመን ክጽግዐና እንከሎ፡ ሰብነት ንርእሱ ንክከላኸል ትእዛዝ ይህብ።
"ካብ ሓንጐል መልእኽቲ ክመሓላለፍ እንከሎ፡ ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን ይውስኽ፡" ክብል እቲ ክኢላ የረድእ።
ውሽጣዊ ስግኣት ዝብሃል፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ውሽጢ ሰብነት ክኣቱ እንከሎ ዝስምዓካ ስምዒት እዩ።
ሰብነት ክዕፈን ምዃኑ ይግንዘብ፤ ኣእምሮ መጠን ኦክስጅን ዝዕቅነሉ መገዲ ስለ ዘይብሉ፡ ስርዓት ኣተነፋፍሳ ንምቁጽጻር ይዕጽር። ኣብዚ እዋን እዩ ስንባደ ዝፍጠር።
ኣሜግድላኦም ዝተሃስየ ሰባት ድማ ነዚ'ዩ ፍርሒ ዘይስምዖም። ገለ ተሓከምቲ ድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፍርሒ ይስምዖም።
"ኣሜግድላ፡ ኵሉ ዓይነት ፍርሒ ኣይኰነን ዝፈጥር፤ ንሰራቒ፡ ተመን ወይ ሸረሪት ዝህቦ ምላሽ ዝተፈለየ'ዩ፡" ይብል።
ሙሉእ ንሙሉእ ኣሜግድላኦም ዝስኣኑ ሰባት፡ካብቶም 'ኣይፈርሑን፤ ጨካናት' እዮም ዝበሃሉ ሰባት፡ ኩነታተቶም ሓደ ዓይነት ኣይኰነን።
መጥወብቲ እንስሳት፡ ኣዕዋፍን ዓሳን ፍርሒ ይስምዖም እዩ። ዓርሶም ንምክልኻልን ብህይወትን ንምጽናሕን ድማ ክፈርሑ ይግባእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







