ቫይረስ ማርበርግ፡ ሰለስተ መራሕታ ዝሰኣነት ኢትዮጵያዊት ቤተክርስትያን

ኣብ መእተዊ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ።

እታ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጂንካ እትርከብ "ቁጽሪ 6" ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ሰለስተ መራሕታ ብምስኣና፡ መራሒ ፀሎት ኣቶ ያዕቆብ ቡችሌ ልቦም ብሓዘንን ተመሊኡ ኣሎ።

እታ ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰዓብትን ጨናፍርን ኣለዉዋ።

እቲ ነገር ዝጅምር፡ ሓደ ኣባል እታ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ኢንጂነር ኣለማየሁ (ስሙ ዝተቐየረ) ምስ ሓመመ እዩ።

ኣለማዮሁ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2010 [ግ] ናብ ጂንካ ዝመፅአ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዘስረሖ ህንፃ ሰራሕ ኣካያዲ ዀይኑ እዩ።

እቲ ህንፃ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ምዝዛሙ ይርከብ።

በዓልቲ ቤት ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ወይዘሮ እንየው ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ንእሽቶ ቤት መግቢ ኣለዋ። ናብ ጂንካ ምስ ገዓዙ ዝወለዱዋ ጓሎም ሽዱሽተ ዓመታ እያ ገይራ።

ኣለማዮሁ፡ ናብ ጂንካ ዝመፅአ ንግዲ ባንኪ ትዮጵያ ዘስረሖ ህንፃ።
መግለጺ ስእሊ, ንግዲ ባንኪ ትዮጵያ ዘስረሖ ህንፃ

"ንህንጻ ንግዳዊ ባንክ ኣፍሪሱ ዳግማይ ሃኒጹ" ትብል በዓልቲ ቤት እቲ ግዳይ፡ ወይዘሮ እንየው።

ኣብታ ንሱ ኣባል ዝኾነላ ቤተ ክርስቲያን ቃለ-ሂወት ፅቡቕ ስም ኣለዎ፤ ብዙሕ ሰብ ይፈትዎ እዩ።

ወይዘሮ እንየው፡ ኣለማየሁ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ሕማም ክስምዖ ምስ ጀመረ፡ ብተለምዶ 'ቁሪ' እንብሎ ዓይነት መሲልዎ ከም ዝነበረ ትዝክር።

ረቡዕ 5 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ናብ ሓደ ትካል ጥዕና ብምኻድ መርፍእ ተወጊኡ፤ እንተኾነ ግን ሸውሃት ምግቡ ኣጥፊኡ፡ ክስዕል ጀመረ።

ሓካይም፡ ድሒሩ ድማ 'ረኽሲ' ኩሊት ከም ዘማዕበለን ገሊጾም።

"ናይ ርእሲ ዓሶ'ዩ' ዝኸውን ኢሎምና። ድሕሪኡ ተምላስ [ጀሚሩ]፤ ዝኾነ መግቢ ኣይበልዕን ነይሩ። ዝኾነ ፈሳሲ ይወፅእ ነይሩ" ብምባል እቲ ሕማም እናገደደ ይኸይድ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ኣለማየሁ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ረቡዕ 13 ጥቅምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጅንካ ተዓቚቡ፡ ሓሚሙ ከምዘሎ ዝሰምዑ ዓበይቲ ዓዲ ቤተክርስትያን ቃለ-ህይወት ንበይኑ ኣይገደፍዎን።

መራሕቲ ናይታ ኣባል ዝኾነላ "ቁጽሪ 6" ቤተ ክርስቲያን፡ ጳውሎስ ማቴዎስ፡ ፍሬሁን ፈቃዱን እቃሌ ጋልኮን ኣብ ጐኑ ኮይኖም ከጸናንዑን ክጽልዩን ቀንዮም።

ፓስተር ሚልክያስ ኣምባየ፡ ፓስተር ካልእ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቃለ-ህይወት መራሒ ሃይማኖት እዩ።

ፓስተር ሚልክያስ፡ ኣለማዮሁ "ይራጋሕ" ከምዝነበረ ይዛረብ።

እቲ ናይ መጀመርታ ሕሙም ናብ ሆስፒታል ጂንካ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ህይወቱ ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, Fikreab Lukas

መግለጺ ስእሊ, እቲ ናይ መጀመርታ ሕሙም ናብ ሆስፒታል ጂንካ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ህይወቱ ሓሊፋ

ሰብ ሞያ ጥዕና ንምሕካም ከም ዝተጸገሙ ዝዝክር ፓስተር ሚልክያስ፡ "ሒዞም" ​​ይሕግዝዎ ከም ዝነበሩ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊኡ "ኣእዳዎም ኣንቢሮም" ከም ዝጸለዩ እውን ገሊፁ።

ፓስተር ሚልክያስን መምህር እቃሌን፡ ድሕሪ ጸሎት ናብ ገዝኦም ክምለሱ እንከለዉ እቶም ካልኦት ክልተ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ሆስፒታል ተሪፎም እናሓብሐቡዎ ሓዲሮም።

ድሕሪ ቀትሪ፡ ኩነታት ኣለማየሁ እናገደደ መፂኡ፡ ካብ ሰዓት 12፡00 ኣጋ ምሸት፡ "ኣካላቱ ክዝሕል" ከም ጀመረ ይዛረብ።

"ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ 'መድሃኒት ንግዛእ' እናበልና ኣብ ደገ ንጎዪ ኔርና። ተስፋ ነይሩዎም።

ንሳቶም ግን፡ 'ክድሕን እዩ፡ ምንም ኣይከውንን እዩ' ኢሎምና። ንሕና ድማ ጎይና ወሲድናዮ። ካብኡ ህይወቱ 'ሓሊፉ' ኢሎምና"።

ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ብዝነበሩ መምህራን ጳውሎስን ፍሬሁንን ብዛዕባ ሞት ኣለማዮሁ ንቤተክርስትያን ተሓቢሩ። እቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ቀልጢፉ እዩ ተፈጺሙ።

ብዙሓት ናብታ ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ ሰባት ብዛዕባ ሞቱ ኣይሰምዑን። ሬስኡ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተጻዒኑ ናብ ከተማ ቢሾፍቱ ተወሲዱ።

ድሕሪ ሞት ኣለማዮሁ፡ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ዘይተለምደ ኣይነበረን፡ ጠንቁ ዛጊት ኣይተፈልጠን። መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን እንተወሓደ ክሳብ እታ ዝቐጸለት ሰሙን ስሩዕ ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።

ቃለ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ጂንካ

ምንጪ ስእሊ, Jinka Town Communication

መግለጺ ስእሊ, ቃለ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ጂንካ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ቀዳሞት ናብቲ ሆስፒታል ዝኸዱ ተሓከምቲ፡ ሞት ኣለማዮሁ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዮም ምልክታት ከርእዩ ጀሚሮም።

ልዑል ሰዓል፡ ተምላስን ድኻምን ኣብ ኣርባዕቲኦም ዝተራእየ ምልክታት ምንባሩ ሓደ ካብ ኣዝማድ እቶም ተሓከምቲ ዝኾነ ፓስተር ሚልክያስን ሰብ ሞያ ጥዕናን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ፓስተር ቁፅሪ 6 ቤተክርስትያን ፍሬሁን፡ ኩነታቱ እናገደደ ብምኻዱ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ ከምዝተወሰደ ሓፍቱ ፋናየ ፍቃዱ ገሊፃ።

"ናብ ሆስፒታል ክውሰድ ከሎ ኣዝዩ ልዑል ሰዓል፡ ክግለጽ ዘይክእል ሕማም ርእሲ ነይርዎ። ኣብ ኣካላቱ ዝሑል ማይ ምስ ኣፍሰስናሉ እቲ ማይ ዝያዳ ውዑይ ኰይኑ ይተንን ነይሩ" ትብል ንኹነታት ሓዋ ክትገልጽ እንከላ።

ብመሰረት ፋናየ፡ ኩነታት ፍሬሁን ምስቲ ዋና ጸሓፊ ቤተክርስትያን መምህር ጳውሎስን ኣካውንታንት መምህር እቃሌን ክነጻጸር ከሎ ዝሓሸ'ዩ ነይሩ።

ክልተ ኻብቶም መራሕቲ ቤተ ክርስትያን "ብብዝሒ ደም ይፈሶም" ምንባሩ ዘኪራ።

ፓስተር ሚልክያስ ከምቶም ካልኦት ሕሙማት ዝኾነ ምፍሳስ ደም ከምዘየጋጠሞ ገሊፃ።

ይኹን እምበር ኣርባዕቲኦም ውልቀሰባት ምስ ኩሊት ዝተኣሳሰር ሕማማት ይሳቐዩ ነይሮም።

እቲ ሕማም ኣዝዩ ዝኸበደ ኣብ'ቲ ናይታ ቤተክርስትያን ኣካውንታንት ዝኾነ እቃሌ'ዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ ዓሪፋ።

እቶም ዝተረፉ መራሕቲ ሃይማኖት ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሃዋሳ ተላኢኾም፤እንተዀነ ኣብ ሃዋሳ ብሕክምና ኣይደሓኑን።

ብ1 ሕዳርን 2 ሕዳር 2018ን ብሓደ መዓልቲ ኣፈላላይ ዓሪፎም።

ቀጺሎም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ ዝተሓከሙ ዶክተር ጌታሁን ኣብዩን ነርስ ኣማኑኤል ካሳን ምልክታት ናይቲ ሕማም ኣርእዮም ሞይቶም።

በዓልቲ ቤት ነርስ ኣማኑኤል ቤተልሄም ገበየሁ፣ ነፍሰጾር በዓልቲ ቤት መምህር ጳውሎስ ጸሃይ ማትዮስን ሓው መምህር እቃሌን እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ብቫይረስ ማርቡርግ ዝሞቱ ሰለስተ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ፓስተር እቃሌ ጋልኮ (ጸጋም)፡ ፍሬሁን ፈቃዱ (ማእከል)ን ፓስተር ጳውሎስ ማትዮስ (የማን) እዮም።
መግለጺ ስእሊ, ብቫይረስ ማርቡርግ ዝሞቱ ሰለስተ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ፓስተር እቃሌ ጋልኮ (ጸጋም)፡ ፍሬሁን ፈቃዱ (ማእከል)ን ፓስተር ጳውሎስ ማትዮስ (የማን) እዮም
ሓኪም ሆስፒታል ጂንካ ዶ/ር ጌታሁን አብዩ (ፀጋም) ነርስ አማኑኤል ካሳ፡ ምልክት ኣርእዮም ዝሞቱ
መግለጺ ስእሊ, ሓኪም ሆስፒታል ጂንካ ዶ/ር ጌታሁን አብዩ (ፀጋም) ነርስ አማኑኤል ካሳ፡ ምልክት ኣርእዮም ዝሞቱ

" 'ፈዊስክዮም' ተባሂለ ተኣሲረ"

እመቤት ንሰብኣያ ኣብ ዓዳ ቢሾፍቱ ቀቢራቶ። ድሕሪ 10 መዓልቲ ኣቢላ ናብ ጂንካ ምስ ተመልሰተ ግን፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓዘን ክበፅሑ መጺኦም።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ድማ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ቤተክርስትያን እውን ብኸቢድ ምስ ሓመሙ ኣብ ልዕሊኣ ጥርጣረታት ክለዓል ጀሚሩ።

"ኣብ ገዛ ፈዊሳቶም" ተባሂላ ከምዝተኸሰሰት ትዛረብ።

ፖሊስ ኣብታ ካልኣይ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ዝሞተላ መዓልቲ 1 ሕዳር ኣብ ቀይዲ ከምዘውዐላ ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብቲ ከባቢ ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ ከምዝተራእየ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ንሳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝነበረት ትዛረብ።

ነዚ ስዒቡ ቤት ፍርዲ ድሕሪ 10 መዓልቲ ማእሰርቲ ብ20 ሽሕ ብር ዋሕስ ክትፍታሕ ኣዚዙ።

እታ በዓል ቤታ ምስ ሰኣነት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተኣሲራ ዝነበረት እመቤት፡ "ንፈጣሪየይ 'ሓቂ ንገረኒ' ኢለ እየ ዝልምኖ ነይረ" ትብል።

"[መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን] ሕያዎት ሰባት እዮም፤ ትሑታት እዮም። ንዓይ ግን ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ሓዘነይ ድማ ዝያዳ ሓዘን ዝወሰኸ ንሱ ነይሩ" ክትብል ብምግላጽ እቲ ኩነታት ዝፈጠረላ ስምዒት ገሊጻ።

ብቫይረስ ማርቡርግ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ሓውዮም።

ምንጪ ስእሊ, South Ethiopia Health Bureau

መግለጺ ስእሊ, ብቫይረስ ማርቡርግ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ሓውዮም።