እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እዋን ኲናትን ቅልውላዉን ዜጋታተን ብኸመይ ይዳለዉ ዝመኽራ ዘለዋ ሃገራት
ኖርወይ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ዜጋታተን ኣብ እዋን ኲናትን ካልኦት ቅልውላዋትን ነብሶም ንምድሓን ምድላው ክገብሩ ዝመክር መምርሒታት ክህባ ጀሚረን።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሽወደናውያን፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ህዝቢ ኲናት ወይ ካልእ ትጽቢት ዘይገበሮ ቅልውላው እንተኣጋጢሙ ብኸመይ ክዳሎን ክገጥሞን ከም ዝኽእል ዝሕብር ቅዳሓት ክበጽሖም ክጅምር እዩ።
መንግስቲ ስቶክሆልም፡ ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ብምባል ዝገለጾ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ምሉእ ወራር፡ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረ “ቅልውላው ወይ ኲናት እንተመጺኡ” ዝብል መምርሒ ኣመሓይሽዎ ኣሎ።
ጐረቤት ሃገር ፊንላንድ’ውን “ንፍጻመታትን ቅልውላዋትን ምድላው” ዝብል ናይ ገዛእ ርእሳ ሓድሽ ማዕዳ ብኢንተርነት ዘርጊሓ ኣላ።
ዜጋታት ኖርወይ’ውን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጽንኩር ኵነታት ኣየር፡ ኲናትን ካልእ ስግኣታትን እንተጋጢሙ ንሓደ ሰሙን ብውልቆም ንምምሕዳር ድሉዋት ክዀኑ ዝሕብሩ ቅዳሓት በጺሑዎም ኣሎ።
ኣብ ዝርዝር ክፍሊ ወተሃደራዊ ግጭት ፊንላንድ፡ መንግስትን ፕረዚደንትን ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ እንተጋጢሙ ከመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ብምብራህ፡ ሰበስልጣን ፊንላንድ “ንነብሰ ምክልኻል ግቡእ ምድላው ገይሮም ከም ዘለው” ይጠቅስ።
ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ኲናት እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ፊላንድን ሽወደን ኣብዚ ዓመት ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲንክ [ኔቶ] ኰይነን ከም ዝተጸንበራ ይዝከር። ኖርወይ መስራቲት ኣባል እዚ ኪዳን ምክልኻል’ያ ነይራ።
መንግስቲ ሄልስንኪ ዘይከም ሽወደንን ኖርወይን፡ ንነፍሲ ወከፍ ገዛ ቅዳሕ ኣይሓተመን። ናይዚ ምኽንያት ድማ “ሚልዮናት” ወጻኢታት ዝሓትት ምዃኑ ብምግላጽ ብቐሊሉ ብዲጅታል ተመሓይሹ ክቐርብ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
ኣብ ዳይረክቶሬት ሲቪላዊ ሓለዋ ኖርወይ (DSB) ሓላፊ ወፍሪ ርእሰ ምድላው ቶረ ካምፍዮርድ፡ “2.2 ሚልዮን ናይ ወረቐት ቅዳሓት ሰዲድና ኣለና፤ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኖርወይ ሓንቲ [ቅዳሕ] ክትበጽሓ እያ” ይብል።
ኣብ ዝርዝር ናይቶም ንነብሰ ምክልኻል ኣብ ገዛ ክቕመጡ ዘለዎም ነገራት ድማ፡ ንውሕ ንዝበለ እዋን ክጸንሑ ዝኽእሉ ሓይሊ ዝህቡ መግቢታት፡ ፓስታ፡ ዝተዓሸገ መግቢታት፡ ከምኡ’ውን ሓደጋ ኒዩክሌር እንተጋጢሙ ክውሰዱ ዝኽእሉ መድሃኒታት ይርከብዎም።
ኖርወይ ኣብ 2018 ለውጢ ክሊማን ከም ውሕጅን ምህማም መሬትን ዝኣመሰሉ ጽንኩራት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኵነታት ኣየር ዝያዳ ሓደጋታት ከም ዘምጽኡ ብምግላጽ ንርእሰ ምክልኻል ዝሕግዙ መምርሒታት ዘርጊሓ እያ።
ንሽወደናውያን፡ እዚ ሲቪል ህጹጽ መጽሓፍ ዝብል ሓሳብ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።
ቀዳማይ ሕታም “ኲናት እንተመጺኡ” ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ክዳሎ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ድማ ተሓዲሱ ቀሪቡ።
እዚ ድማ፡ “ሽወደን ብኻልእ ሃገር እንተተጠቒዓ፡ ፈጺምና ተስፋ ኣይንቘርጽን፤ ኵሉ እቲ ምክልኻል ደው ክብል’ዩ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት’ዩ” ይብል።
ፊንላንድን ሽወደንን ትሕተ ቅርጸንን “ጠቕላላ ስርዓተ ምክልኻልን” ካብ ዝሑል ኲናት’ኳ እንተጀመረ፡ ዘይሻራውያን ሃገራት ኰይነን ዝጸንሓሉ ዓመታት ነዊሕ ኣየቝጸረን።
ሚኒስተር ሲቪል ምክልኻል ሽወደን ካርል-ኦስካር ቦህሊን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓለማዊ ኵነታት እናተቐየረ ምስ ከደ፡ ንስድራቤታት ሽወደን ዝወሃብ ሓበሬታ ነቲ ለውጢ’ውን ከንጸባርቕ ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት “ኣብ ሽወደን ኲናት ክህሉ ይኽእል’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ። እዚ ግን ካብቲ ዳግመ ህንጸት “ስርዓት ምክልኻል” እታ ሃገር ዝግበር ምንቅስቓስ ኣዝዩ ዝሕቱል ካብ ምዃኑ ዝብገስ ከም ዝዀነ ይእመን።
ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ነዊሕ ዶባትን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ሕብረት ሶቭየት ተመኵሮ ስለ ዘለዋ፡ ወትሩ ልዑል ደረጃ ምክልኻል እያ ትገብር።
ሽወደን ግን ትሕተ ቅርጺ ሰራዊት ኣጕዲላቶ ብምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጥራይ እያ መሊሳ ክትዳሎ ጀሚራ።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ኲናት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ኢልማሪ ካይህኮ፡ “እዚ፡ ብዓይኒ ፊንላንድ ቅሩብ ዝገርም እዩ። ወትሩ [ፊንላንድ] ኲናት ተኽእሎ ምዃኑ ፈጺማ ኣይረሰዓቶን፤ ሰባት ግን እዚ ናይ ብሓቂ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብል ነገር ንምርዳእ ቅሩብ ከቢዱዎም ነይሩ” ኢሉ።
ኣብ ሽወደን እትመሃር ዘላ ጓል 24 ዓመት ፊንላንዳዊት መሊሳ ኢቭ ኣጆስማኪ፡ ኣብ ዩክረይን ኲናት ምስ ተወልዐ ልዑል ስክፍታ ከም ዝተሰምዓ ተዛሪባ።
“ሕጂ ስክፍታይ ጐዲሉ’ዩ፤ ግን ኲናት እንተኣጋጢሙ እንታይ ክገብር ይኽእል እናበልኩ’የ ዝሓስብ - ብፍላይ ስድራይ ኣብ ፊንላንድ ስለ ዘለው” ትብል።
እቶም ሕጂ ናብ ኢድ እዞም ዜጋታት ዝልኣኹ ዘለው መምርሒታት ሓያሎ ተኽእሎታት እንተኣጋጢሞም፡ ብውሑድ መጀመርታ ንርእሶም ክከላኸሉ ከም ዘለዎም ዝሕብሩ መልእኽቲታት ዝሓዙ’ዮም።
ፊንላንዳውያን፡ ኵነታት ኣየር ትሕቲ -20C ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንመዓልታት ከመይ ገይሮም ክጻወሩዎ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር መልእኽቲ በጺሑዎም ኣሎ። እዚ ዝርዝር፡ መድሃኒታት ኣዮዲን ከምኡ'ውን ንምብሳል ቀሊል ዝዀነ መግቢ፡ መግቢ እንስሳ ዘቤትን መተካእታ ሓይሊ መብራህትን'ውን የጠቓልል።
ሽወደን ድንሽ፡ ካውሎ፡ ካሮትን እንቋቑሖን ከምኡ’ውን ሾርባ ከዳልው ትምዕድ።
ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ለበዋታት ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ እኹል መግብን ዝስተ ማይን ምሓዝ ዝብል እዩ።