እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ስደት - ጠንቍን ፍወሳኡን?
ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ንሂወት ብዙሓት ደቀንስትዮ ዘመሳቕል ክነሱ ብዙሕ ክዝረበሉ ኣይረኣይን እዩ።
ገለ ኣደታት ድቃስ ዝበሃል ይሓርመን፡ ውላደን ይጸላኣ ምስ ስድራቤተን ከይተረፈ ገጭገጭ ብምባል ስኒት ይስእና።
ሓራስ ክብርቲ እያ። ባህልን ልምድን ማሕበረሰብና ዝፈጠሮ ንሓራስን ዕሸላን ዝከናኸን ግሩም ባህሊ ኣሎ።
ንመዓልታት ካብ ገዛ ከይትወጺ፣ ንፋስ ከይትወስዲ እናተባህለት ክተዕርፍን ህጻና ክተጥቡን ትሕደግ። እቲ ንስድራቤታ ይዅኑ ካልኦት ደቃ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ድማ ብመቕርብን ጐረባብቲን ስለዝዕመም እፎይ ክትብል ሓጋዚ እዩ። ድ
ጐረባብቲ ተኣኻኺበን ንዘሎ ረሳሕ ክዳውንቲ ይዅን ጽሬት ገዛ ኢደይ ኢድካ ኢለን ይዓማኦ፤ ስርሐን ወዲአን ድማ በቲ ቡን ይፍላሕ በቲ እውን ገዓት ይገዓት።
እልልታን ሰሓቕን ብዝዓጀቦ ወግዕታት ድማ ነታ ሓራስ ሓጐሳ እናተኻፈላ የበራትዓኣን፣ ካብ ተመኵሮታተን ተሞርኪሰን ነታ ኣደ ይዅን ነቲ ሓድሽ ህጻን ዝኸውን ምኽሪ ይለዋወጣ።
እዚ ንዘመናት ዝጽንሐ ልምዲ ነታ ኣደ ሓይሊ ብምዃን ሓቦ ክትገብርን፡ ነቲ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ህጻን ዘሎ ዋሕዲ ድቃስ ይዅን ምልውዋጥ ሆርሞናት ዘንቀሎ ዓቕሊ-ጽበታት ክትሰግሮ የኸእላ።
ብዘይካ'ዚ ምስተን ኣዳኖታታ ጕጅም ኢላ ከተስተንፍሶ እውን ስለዝሕግዛ ብናይ ሎሚ ኣዘራርባ ዳርጋ ቴራፒ እዩ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።
ዕዙዝ ሓገዝ በዓልቤት ወይ መጻምድቲ ምስ ዝውሰኽ ድማ ረጎደ ።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ዘለዋ እዋን እዚ ዅሉ ባህሊን ክብሪታትን ንቡር ወግዒን ምርካብ ዳርጋ ሕልሚ እዩ።
ኣብ ስደት መብዛሕትአን ኣደታት ዳርጋ ነቲ ንቡር ክንክን ድሕረ ሕርሲ ኣይረኽባኦን እየን።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ንዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥታት ክቃልዓ ይረኣያ።
እቲ ዘሕዝን እንታይ ይዀና ኣለዋ እውን ዘይግንዘባኦ ምዃነን እዩ። ገለ ሰኣን ኣፍልጦ፡ ገለ ድማ ነቲ ክስዕብ ዝኸእል ስያመታት "ተጸሊላ ክይብሉኒ" ኢለን ብምፍራህ፡ ኣብ ክንዲ ሕክምናዊ ሓገዝ ሰብ ሞያ ዝሓታ ሒዘናኦ ስቕ ይብላ'ሞ ንዝተጋደደ ሽግራት ይቃልዓ።
ዶክተር ናርዶስ ታረቀ ድሕሪ ሕርሲ ክኽሰት ዝኸእል ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ብፍላይ ንሓደስቲ ኣደታት ወይ በኳራት ከጥቅዕ ክም ዝኸእል ትገልጽ።
"ድሕሪ ሕርሲ ዝኽሰቱ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ድማ እታ ኣደ ምስ ሓረሰት ኣብታ ቀዳመይቲ ዓመት ዝምዕብሉ ስነአእምሮኣዊ ኵነታት እዮም። ዝበዝሕ እዋን ንሓደስቲ ወለዲ ዝጸልዉ'ኳ እንተዀኑ እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግን ክፍወሱ ዝኸእሉ እዮም፡" ብምባል ተረድእ።
እዞም ድሕሪ ሕርሲ ዝግሃዱ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢታት ዝተፈላልዩ ዓይነታት እዮም።
ቅዛነት ድሕሪ ሕርሲ (Postpartum anxiety) ዳርጋ ካብ 10 ክሳብ 20 % ሓደስቲ ኣደታት ዝጸሉ ኰይኑ ቀጻሊ ሕዙናት ይዀና፤ ልዕሊ ንቡር ድኻም ይስምዐን፡ ምስቲ ሓድሽ ዕሸል ዘለወን ቅርበት'ውን ዝሕቱል ይኸውን ወይ ተጋዳስነትን ይጠፍእ። ኮታስ ነቲ ንቡር ንጥፈታተን ከካይዳ ሓይልን ኣተኵሮን ይስእና።
ሸቐልቀል ድሕሪ ሕርሲ (postpartum depression) እዩ። እዚ ፍዅስ ዝበለ ምዃኑ ዶክተር ናርዶስ ተብርህ፤ "ኣብ 10 ክሳብ 15% ኣደታት ዝኽሰት ኰይኑ ብዛዕባ ድሕነትን ዕሸለን፡ ብዛዕባ ጥዕናኡን መጠኑ ዝሓለፈ ሻቕሎት ይህልወን።"
ገለ ኣደታት ድማ ኣብ ግዜ ሕርሲ ኣቐንዛዊ ኵነት ማለት እቲ ሕርሰን ልዕሊ እቲ ንቡር- ዘይንቡር ሕርሲ ምስ ዝኸውን ዝኽሰት ፖስት ትሮማቲክ ስትረስስ ዲስኦርደር (post-traumatic stress disorder (PTSD)) ከምዝጋጥመን ዶክተር ናርዶስ ትገልጽ።
"እቲ ተመኵሮአን ኣብ ዝኽሪ እናመጸ የሸግረን፣ ለይቲ'ውን ኣብ ሕልሚ ከይተረፈ ይብህርራ። ነቲ ዘዘክረን ኵነት ድማ ከወግዳኦ ይፍትና።"
ፖስት ፖርቱም ሳይኮሲስ (Postpartum Psychosis) ሳሕቲ -ካብ 0.1 -0.2% ዝኽሰት ስነኣእምሮኣዊ ጸገም እዩ፡ ድሕሪ ምባል፡ ናርዶስ፡ "ኣቲ ኣዝዩ ዘስክፍ ድማ ፖስት ፖርቱም ሳይኮሲስ ወይ ኣእምሮኻ ምስሓት እዩ፣ እዚ ብመድሃኒትን ደገፍ ሓካይምን ጥራይ ዝፈወስ እዩ" ብምባል ከምዚ ዝገጠመን ኣደታት ቀልጢፈን ሓገዝ ክሓታ ትመክር።
ጠንቂ ናይዚ ዅሉ እንታይ'ዩ?
እቶም ጠንቅታት ከም ምልውዋጥ ሆርሞናትን ካልኦት ዝተፈላልዩ ረቛሒታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ዶክተር ናርዶስ ተረድእ።
"ድሕሪ ሕርሲ ዓቐን ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን ዝብሃሉ ሆርሞናት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ንታሕቲ ይወርዱ፤ ከም ፕሮላክቲን ዝበሃሉ ንጸባ ጡብ ዘበርክቱ ድማ ላዕሊ ይድይቡ። እዚ ሃንደበታዊ ምልውዋጥ ነዝዕታት፡ ነቲ ስምዒታት ዝቈጻጸር ይጸልዎ እሞ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ይኸእል፡" ብምባል ተብርህ።
ብዘይካ'ዚ እታ ኣደ፡ ንዕሸላ ክትከናኸን እኹል ድቃስ ዘይምርካብ፡ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ድኻምን ቃንዛን ቀልጢፍካ ዘይምፍዋስን ሕጽረት ማኣዛዊ ምግብታትን ንጥዕና ኣእምሮ ሓራስ ክጸልው ዝኸእሉ እዮም።
ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ "ናብ ኣደነት እትሰጋገረሉ መድረኽ ይኸእሎ ድየ ኣይከእሎን ዝብል ፍርሂ ናብ ጭንቀት ክሸማ ይኽእል እዩ። ብዘይካ'ዚ መስርሕ ሕርሲ ካብ ትጽቢተን ወጻኢ ምስ ዝኸውን ስንባደ ክፈጥረለንን ናብ ዝበኣሰ ክቃልዓን ይኸእላ" ብምባል ብፍላይ ሓደስቲ ኣደታት ቅድሚ ሕርሲ ስነአእምሮኣዊ ምድላዋት ክገብራ ከምዘለወን ዶክተር ናርዶስ ምኽራ ትህብ።
ኣብ ሕርሲ እቲ ክትረኽቦ እትኽእል ሓገዛት ዘይምርካብ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ጽልዋ ኣለዎ። ምናልባት ፋይናንስያዊን ማሕበራዊን ጸገማት ንጸቕጢ ድሕሪ ሕርሲ ከቃልዕ ይኸእል እዩ።
ብዘይካ'ዚ ዋላኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ እንተዀነ፡ "ቅድሚ ሕጂ ዕሸል ኣብ ማህጸና ዝተጎድኣ ኣደ፡ዘይተወጠነ ጥንሲ፡ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ሕርሲ፡ ወይ ድማ እቲ ዝተወልደ ዕሸል ቅድሚ ግዜኡ ምስ ዝውለድ ወይ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎ ምስ ዝኽውን - እሞ ኣብ ሕክምና ንነዊሕ ምስ ዝድቅስ፡ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል እታ በዓልቲ ሞያ ተብርህ።
"ብፍላይ ኣብ ስደት ዘለዋ ደቀንስትዮ ኣሕዋትና እንተስ ናብ ክኢላታት ብምኻድ እንተስ ካብ ካልኦት ኣደታት መስርሕ ሕርሲ ከመይ ምዃኑ ክመያየጣን ክዳለዋሉን ኣለወን። ብቐንዱ ግን ሓገዝ መጻምድተን ዓቢ ተራ ስለዘልዎ ኵሉመዳያዊ ሓገዝ ክገብረለን እላቦ። እቲ ቀንዲ ግን ማሕበራዊ ዝምድናታትካ ሃኒጽካ - ናይ ድሕሪ ሕርሲ ውጥን ኣውጺኻ ምጽናሕ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ፡"' ብምባል ስነኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ምድላውኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ተረድእ።
ብዙሕ ሰብ ዘዳህልሎ ግን እቲ ምልክታቱ ዘይምፍላጡን እዅል ርድኢት ዘይምህላውን ብምዃኑ፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ኣፍልጦን ንቕሓትን ኣብቲ ዛዕባ ምብራኽ እዩ።
"ካብቲ ንቡር ወጻኢ ስምዒታት ክስምዓካ ምስ ዝጅምር ሓገዝ ምሕታት ንቡር እዩ፤ ነውሪ ኣይኰነን። እዚ ድማ እታ ጓለንስተይቲ ስለዝሓመቐት ወይ ጉድለት ስለዘለዋ ዘይኰነስ እዚ ሕማም እዩ። ሕማም ድማ ዝዀነ ሰብ ክሓምም ይኸእል እዩ፡" ብምባል ኵለን ኣደታት ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓታ ተተባብዕ።
ኣብዚ ዘመንዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፈጠሮ ጽልዋ እውን ንገለ ኣደታት ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣያኦ ንምግባር ወይ ንምዃን ኣብ ዝፍትናሉ ምዃን ይአብየን እሞ ይናወጻ።
"ድሕሪ ውላድ ከምቲ ቈልዓ ቅድሚ ምውላድካ ዝነበረካ ሂወት ክትቅጽል ከቢድ እዩ። ስለዚ እታ ኣደ ብዝተኻእለ መጠን ነብሳ ክትኣሊ ኣለዋ። እኹል ድቃስ ስለዘድልያ እቲ እትኸእሎ ሰሪሓ ዝተረፈ ግዜ ከተዕርፈሉ ኣለዋ፣ ገዛ ክትውግን፡ ዕሸል ክትሕብሕብ ኢላ ነብሳ ክትሃሲ የብላን። ምናልባት ልዕሊ ዓቕማ ምስ ዝኸውን ግን ሕክምናዊ ሓገዝ ሓቲተን ግቡእ ፍወሳ ክረኽባ ይግባእ፡" ብምባል ዶክተር ናርዶስ ትላቦ።
ኵለን በኳራት ይዅና ነባራት ኣደታት ፈሳሲ ብብዝሒ ምስታይ፡ መኣዛታት ዘለዎ መግቢ ምምጋብ፡ እኹል ድቃስ ክድቅሳን እውን ወሲኻ ዶ/ር ናርዶስ ታረቀ ትመክር።