ትግራይ፡ ብፍሉይ ኵነታት ንዝሓለፉ 11 መዓልታት ነዳዲ ከይኣቱ ተኸልኪሉ

መዓደሊ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዝሓለፉ 11 መዓልታት "ብፍሉይ ኩነታት" ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ከምዝተኸልከለ ቢሮ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ገሊጹ።

ኩባንያ ቀረብ ነዳዲ ኢትዮጵያ ናብ ኩለን ክልላት ዘካፈሎ ሓበሬታ ምክፍፋል ነዳዲ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ነዳዲ ዝተቛረጸ ኣብ "ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ" ምዃኑ ከምዘመልክት ዳይሬክተር ሓለዋ ተጠቀምቲ ቢሮ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣይተ ካሳሁን ክንደያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቢሮ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ፡ ብሰኑይ 15 መጋቢት 2017 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ናብ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ፌደራልን ትካል መቕረቢ ነዳዲ ኢትዮጵያን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣብ ቐረብ ነዳዲ ዘሎ ጸገም ክፍታሕ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ብ6ን 10ን መጋቢት 2017 ኣቆጸዓጽራ ግእዝ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ብዘይምህላዉ እቲ ኩነታት ይተሓላኽ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ይዅን'ምበር "እቲ ክልከላ ብምቕጻሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ማሕበረ-ቑጠባዊ ምንቅስቓሱ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ። እዚ ጸገም'ዚ ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መፍትሒ ክግበረሉ ጸዊዑ።

ካብ 6 መጋቢት 2017ዓ.ም ንነዘ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ብዘይምህላዉ እቲ ጸገም ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝገበሮን ነዚ ድማ መፍትሒ ክቕመጠሉ 10 መጋቢት 2017 ዓ.ም ምሕታትና ይዝከር ክብል እቲ ኤጀንሲ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መጠን ነዳዲ "ብዓቢኡ ከምዝነከየ" ብምምልካት፤ ብዕለት 4ን 5ን መጋቢት 2017 ዝተራገፈ ነዳዲ "ክልተ መካይን" ጥራይ ከምዝነበረ'ውን እቲ ቢሮ ጠቒሱ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካብ 6 መጋቢት 2017 ጀሚሩ ናብ ትግራይ ዝተለኣኸ ነዳዲ ዘይምህላዉ እዩ እቲ ቢሮ ዝገልጽ።

ድሕሪ ተደጋጋሚ ሕቶን ምይይጥን "ናብ ትግራይ ነዳዲ ክለኣኽ ከምዝፍቀድ ብቓል ተነጊሩና እኳ እንተነበረ . . . እቲ እገዳ ነዳዲ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን" ብምባል፡ እቲ ጸገም ከምዘይተፈትሐ ኣብሪሁ።

መካይን

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዳይሬክተር ሓለዋ ተጠቀምቲ ኣይተ ካሳሁን፡ "ካብ 6 መጋቢት ጀሚሩ ናብ ክልልና ዝኣቱ ነዳዲ የለን" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣቦ መንበር ማሕበር መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ ኣይተ ኪሮስ ኣባይ እውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብታ ከተማ ዝሰርሓ 13 መዐደሊ ነዳዲ ንመወዳእታ ግዜ ነዳዲ ዝረኸባ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣይተ ኪሮስ ዝመርሖ መዐደሊ ነዳዲ ንመወዳእታ ግዜ ቀረብ ነዳዲ ዝረኸበ ብ24 ለካቲት 2017 እዩ።

ኣብታ ከተማ ዝርከባ ንቑጣታት መዓደሊ ነዳዲ ገንዘብ ድሕሪ ምኽፋል ነዳዲ ከምዘይረኸባ ኣይተ ኪሮስ ይዛረብ።

እቲ ዝተወሃቦም ምኽንያት ድማ "እቲ ኣቕራቢ ነዳዲ ተጸበዩ ይብለና ኣሎ" ዝብል እዩ።

ኣብ ቢሮ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ሓለዋ ተጠቀምቲ ኣይተ ካሳሁን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነዳዲ ንምጽዓን ኵሉ ኣሰራርሓታት ወዲአን ኣብ ጅቡቲ ደው ዝብላ ተሽከርከርቲ ቁጽረን 22 ምዃነን ገሊጹ።

ቢቢሲ፡ ንምንታይ ተሽከርከርቲ ናብ ክልል ትግራይ ነዳዲ ከምዘይጽዕና ንምርዳእ ዝሓተቶም ወከልቲ ሰለስተ ኩባንያታት ቀረብ ነዳዲ "እቲ ጉዳይ መንግስቲ እዩ ዝምልከቶ" ብምባል ሓበሬታ ክህቡ ኣይደለዩን።

ዳይረክተር ሓለዋ ተጠቀምቲ ኣይተ ካሳሁን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከባ ተሽከርከርቲ ነዳዲ ክመልኣ ንዝቐረብኦ ሕቶ "ኣይትኣትዉን፡ ኣይተፈቐደን፡ ጀምሩ ኣይተባህለናን" ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃብ።

መዓደሊ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Radio FM Mekelle

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዛዕባ'ዚ ጸገም ምስ ትካላት መንግስቲ ፌደራል ንምዝርራብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣይተ ካሳሁን፡ ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ዘይኣትወሉ ምኽንያት ዝምልከት "ግቡእ ምላሽ" ከምዘይረኸቡ ይዛረብ።

ዋና ዳይረክተር በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ሳህረላ ዓብዱላሂ፡ ኣብ ረቡዕ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝዀነ ነዳዲ ከምዘይኣተወ ብምርግጋጽ "ናብ ትግራይ ጥራሕ ነዳዲ ንኸይኣቱ ዝኽልክል ፍሉይ ስጉምቲ የለን" ኢላ ነይራ።

እታ ዋና ዳይሬክተር፡ እቲ ምኽንያት ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ብዝተፈጥረ ሕጽረት ነዳዲ ከምዝዀነ'ያ ሓቢራ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት'ውን ሕጽረት ከምዘሎ ገሊጻ።

"ናብ ክልል ቤንሻንጉል [ጉሙዝ] እውን ነዳዲ ኣይኣተወን። ናብ ጋምቤላ ከም ክልል 47 ሽሕ ሊትሮ ጥራይ እዩ ኣትዩ። ክልል ኣምሓራ ገለ ናፍታ ረኺቡ ክኸውን ይኽእል። በንዚን ግን ከባቢ 25 ሽሕ [ሊትሮ] ጥራይ እዩ ረኺቡ" ትብል።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ጠለብ ነዳዲ ኣሎ፡ ብዙሕ ትራፊክ መካይን ድማ ኣብዚ እዩ ዘሎ። ነቶም ህጹጽ ዝዀኑ፡ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ፕሮጀክትታት ዝርከቡለን ቀዳምነት ምሃብ'ዩ እምበር ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝተገብረ ነገር ኣይኰነን።"

"ስለዚ ምስቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምዝርራብና ክንቅጽል ኢና፤ ቀዳማይ ዕማምና ቀረብ ምድላውን እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ ሎሚን ጽባሕን ነዳዲ ክበጽሖምን ምርግጋጽን'ዩ" ክትብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ምግላጻ ይዝከር።

ቢቢሲ፡ ኣብ ካልኦት ዞባታት ቀረብ ነዳዲ እንተጋጢሙ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ናብ መራሕቲ ናይቲ ነዳዲ ኣቕራቢ ኩባንያ ዝተገብረ ጻውዒት ቴሌፎን እውን መልሲ ኣይረኸበን።

ይኹን'ምበር ዳይሬክተር ሓለዋ ተጠቀምቲ ኣይተ ካሳሁን፡ ቀረብ ነዳዲ "ሙሉእ ብሙሉእ ዝተቛረጸ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ እዩ" ይብል። ንሱ፡ ከም መወከሲ ትካል ቀረብ ነዳዲ ንክልላት ዝህቦ ሓበሬታ ምክፍፋል ነዳዲ ይጠቅስ።

"ንሕና [ነቲ ሓበሬታ] ንርእዮ ኢና፡ ናብ ኵለን ክልላት ድማ ይኸይድ ኣሎ። ዝኸደሉ ቦታ ክፈላለ ይኽእል'ዩ። ሎሚ ናብ ሓደ ክልል እንተተጻዒኑ ጽባሕ ኣብኡ ደው ክብል ይኽእል'ዩ። ከምዚ ዝበለ ነገር በብእዋኑ ከጋጥም ይኽእል'ዩ፡ ግን ከማና ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸልከለ የለን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን በብመዓልቱ "ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሊትሮ" ነዳዲ ይለኣኽ ከምዘሎ ዝዛረብ ኣይተ ካሳሁን፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ክልል ትግራይ መዓልታዊ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ መካይን ትቕበል ከምዝነበረት ይገልጽ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ምቁራጽ ቀረብ ነዳዲ ትካላት ሕክምናን ተመዛበልቲ ዝሕግዙ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ስርሐን ከካይዳ ከምዘይከኣላ እውን ኣብሪሁ።