እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ልዕሊ 1600 ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይ ቀረጽ ክኣትዉ ፈቒዳ
ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረጽን ኮታን ነጻ ፍርያተን ናብ ቻይና ከእትዋ ካብ ዝተፈቕደለን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ቻይና ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንግዳዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝሓንጸጾ መደብ፡ ብዝሒ ዘለዎም ፍርያት ብዘይ ቀረጽ ናብ ወጻኢ ክኣትዉ ኣፍቂዱ።
ኢትዮጵያ ነዚ ዕድል ንምጥቃም ዘድሊ ሓበሬታ ስለዘይሃበት ኣብቲ መደብ ኣይኣተወትን ተባሂሉ ነይሩ።
ይዅን እምበር ዋና ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን ቁምነገር እውነቱ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይቀረጽ ናብ ቻይና ክኣቱ ከምዝተፈቕደ ገሊጻ።
በዚ መሰረት ቻይና ልዕሊ 1600 ፍርያት ኢትዮጵያ ብዘይ ቀረጽ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፈቒዳ ኣላ።
ብሓፈሻ ካብ 6,422 ፍርያት፡ 1,644 ፍርያት ካብ ቀረጽን ኮታ ነጻን ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትሕብባርን፡ እዚ ዕድል ዕዳጋ ብቻይና ጥራይ ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ዕድል ክትጥቀመሉ ዝዀነ ግዴታ የብላን።
ቅድም ክብል ቻይና ን10 ሃገራት ካብ ቀረጽ ነጻ ዝዀነ ፍርያት ናብ ሃገረን ከእትዋ ዕድል ምስ ሃበተን፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝርዝር ኣትያ ብዘይምንባራ ሕቶ ኣልዒሉ ምንባሩ እታ ዋና ዳይረክተር ጠቒሳ።
"ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃብትን ምህርትን እናሃለዋ ከመይ ኢላ ክትግለል ትኽእል? እዚ ሕቶታት እዚ ብተደጋጋሚ ይለዓል ነይሩ። ንሕና እውን ንጽበ ነይርና። ሕጂ 1644 ፍርያት ካብ ቀረጽ ነጻ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም ኣሎ" ክትብል ገሊጻ።
ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ነዚ ኵሉ ፍርያት ብሓፈሻ ናብ ቻይና ክትሰድድ እያ ማለት ዘይኰነስ "ካብኣቶም ገለ ፍርያት" ክትሰድድ ምዃና ሓቢራ።
ንኣብነት ሕጽረት ሓጺነ መጺን ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ናብ ወጻኢ ክትሰድድ ትኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ይለዓሉ ምህላዎም እታ ዋና ዳይረክተር ጠቒሳ።
ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ዕዳጋታት ዓለም ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጥሪት፡ ዘይቲን ፍርያት ሕርሻን ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ካልኦት ብቻይና ፍቓድ ዝተወሃቦም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዝለኣኹ ፍርያት እውን ከምዘለዉ እታ በዓልቲ ስልጣን ገሊጻ።
ብዙሓት ዓይነታት ፍርያት ናብ ወጻኢ ክትሰድድ እትኽእል'ኳ እንተዀነት፡ ቀዳምነት ክትህቦ ምዃና እውን ተገሊጹ ኣሎ።
ይዅን እምበር ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዝፍቀድ ሰፊሕ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ከተቕርብ እንተኽኢላ ባጤራ ወጻኢ ንምምጻእ ዝሓሸ ዕድል ከምዘለዋ እታ ዋና ዳይሬክተር ኣመልኪታ።
"በዚ መገዲ፡ ብብዝሒ ፍርያት ናብ ወጻኢ ኣብ እንልእከሉ፡ ካብ ቻይና ኣቝሑት ናይ ምእታው ተኽእሎና ይዓቢ" ክትብል ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ዘስዕቦ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣረዲኣ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣጎዋ ብዝብል ስም ተመሳሳሊ ዕድል ስለዝሃበት፡ ካብ ግብሪን ቀረጽን ነጻ ፍርያት ይሰዳ እየን።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ጀሚራ ካብዚ ናይ ናጻ ንግዳዊ ዕድል ተኣጊዳ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።