እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ምስ ካናዳ ክካየድ ዝጸንሐ ኵሉ ንግዳዊ ዘተታት ብቕልጡፍ 'ከም ዘብቅዐ' ገሊጹ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ካናዳ ክካየድ ዝጸንሐ ኵሉ ንግዳዊ ዘተታት ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እታ ሃገር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ሮናልድ ሬጋን ብዛዕባ ቀረጽ ብኣሉታ ክዛረብ ዘርኢ መወዓውዒ ከም ዝተጠቀመት ጽሒፉ።
ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣጋምሸት፡ "ካብቲ ይቕረ ዘይበሃሎ ባህርያቶም ብምብጋስ፡ ኵሉ ምስ ካናዳ ዝግበር ንግዳዊ ዘተ በዚ ኣብቂዑ ኣሎ፡" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ምስ ሜክሲኮን ካናዳን ብዝገበሮ ስምምዕ፡ ኣብ ትሕቲ USMCA ንዝምደቡ ኣቑሑት ናጻ ክዀኑ እኳ እንተ ኣፍቀደ፡ ካብ ካናዳ ንዝኣትዉ 35 ሚእታዊት ቀረጽ ኣንቢሩ እዩ።
መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ደቓይቕ መወዓውዒ፡ ንዕዳጋ ኣክስዮን (Stock Exchange) ኒውዮርክን ብባንዴራ ኣመሪካ ዝተሰለማ ማሽናትን ዘርኢ ኣሳእል ድምጺ ሬጋን ኣሰንዩ ዘርጊሑ።
እቲ ቪድዮ ዝተጠቀመሉ ድምጺ፡ ሬጋን ኣብ 1987 ንንግዲ ወጻኢ ኣመልኪቱ ኣብ ሃገራዊ ራድዮ ካብ ዝገበሮ መደረ ዝተወስደ እዩ።
"ሓደ ሰብ ኣብ እትዋት ወጻኢ ቀረጽ ንሰልዕ ክብል እንከሎ፡ ከምዚ ንፍርያት ኣመሪካን ዕዮታትን ንምሕላው ጅግንነት ዝገብር ዘሎ ክመስል ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ክሰርሕ ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ፡" ይብል ሬጋን።
"ይዅን'ምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንግዳዊ ዕንቅፋታት ኣብ ነዊሕ ግዜ ንነፍስወከፍ ኣመሪካዊ፡ ሰራሕተኛ ከምኡ'ውን ተጠቃሚ ዝጐድእ እዩ።"
"ልዑል ቀረጽ ምስላዕ ሃገራት ሕነ ክፈድያ ዝገብርን ብርቱዕ ንግዳዊ ኲናት ምልዓሉ ዘይተርፍን እዩ - ዕዳጋ ይንክን ረሞቕ ይብልን፣ ትካላት ንግድን ኢንዱስትሪታትን ይዕጸዉን ሚልዮናት ሰባት ስርሖም ይስእኑን፡" ይብል ሬጋን።
ኣብቲ ምስቲ ቪድዮ ዝተሰነየ ጽሑፍ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኦንታርዮ ዳግ ፎርድ፡ "ኣንጻር እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካናዳ እትገብሮ ቀረጽ ምኻድ ኣየቋረጽናን ኣለና፡" ክብል ጽሒፉ።
ሮናልድ ሬጋን ፋውንደይሽን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ብዛዕባ ቀረጽ ዝገልጽ ዘረባ ሬጋን፡ "ምሩጽ ድምጽን ቪድዮን፡" ከም ዝተጠቀመ ገሊጹ።
"መንግስቲ ካናዳ ነቲ መግለጺታት ንምጥቃምን ንምርታዕን ፍቓድ ኣይኣተተ ኣይተቐበለ፡" ይብል እቲ መግለጺ ወሲኹ።
እቲ ፋውንደይሽን፡ እቲ መወዓውዒ ንመደረ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር "ብጌጋ" ዝገልጽ'ዩ ኢሉ። ንምንታይ ከምኡ ከም ዝበለ ግና ኣይገለጸን።
እቲ ፋውንደይሽን፡ ንሕጋዊ ኣመራጺታቱ ይግምግም ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
እዚ መወዓውዒ ከም ኣካል ናይቲ 75 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣብ መደበራት ተለቪዥን ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ናይ መወዓውዒ ወፍርታት እዩ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ካናዳ ኣብ ጽላታት ዝተመርኰሰ ቀረጽ'ውን ኣንቢሩ ኣሎ። እዚ ድማ 50 ሚእታዊት ኣብ ሓጺናት፡ 25 ሚእታዊት ድማ ኣብ መካይን ዘጠቓለለ እዩ።
እዚ ኣመሪካ ኣብ ዓለማዊ ኣቝሑት ዘንበረቶ ቀረጽ - ብፍላይ እኳ እቲ ኣብ ሓጺን፡ ኣሉሚንየምን መካይንን ዝገበረቶ - ንካናዳ ኣዝዩ ሃስዩዋ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ምቍራጽ ዕዮታትን ጸቕጢ ኣብ ንግዳዊ ትካላትን ፈጢሩ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና እውን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ናይ ቀረጽ ስጕምቲታት ጥርጣረ ንምፍጣር ኣብ X ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ተመሳሳሊ ናይ ሬጋን ክሊፕ ተጠቒሙ።