ጻውዒት ሰላም ዘቕረባ ትካላት ኢትዮጵያ ጋዜጣዊ መግለጺ ከይህባ ተኸልኪለን

ምንጪ ስእሊ, AFP/ YASUYOSHI CHIBA
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣመልኪተን፡ ጻውዒት ሰላም ንምቕራብ ጋዜጣዊ መግለጺ ንምሃብ ኣብ ዝተዳለዋሉ ፡ ‘ኣካላት መንግስቲ ኢና’ ብዝብሉ መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝተኸልከላ ገሊጸን።
እተን ትካላት ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ‘መንግስታዊ ኣካላት’፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህባ ከምዘይፍቀደን ብምግላጾም፡ ነቲ መደብ ደው ከብለኦ ከምዝተገደዳ ሓቢረን።
ዋና ዳይረክተር፡ ሓንቲ ካብተን ሲቪል ማሕበራት ዝኾነት፡ ‘መሰላትን ዲሞክራስያዊ ዕብየትን’ [ካርድ]፡ ኣቶ በፍቃዱ ሃይሉ፡ መግለጺ ክህብሉ ዝተደልይሉ ምኽንያት፡ “ንህላወ ኢትዮጵያ ዝፈታተን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ” ካብ ዝብል እምነት ዝተወስደ ተበግሶ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ “እቲ ዘሎ ግጭትን ኵናትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮነስ፡ ንክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ከምዝትንክፍ ገሊጽና ኣለና። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ደቡብን ግጭታት ከምዘሎ ገሊጽና ኣለና፡ ስለዚ እዚ ኩሉ ግጭትን ኩናትን ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦ ኢና ጸዊዕና” ኢሉ።
በፍቃዱ ሃይሉ፡ ነቲ ዘጋጠሞም ክልከላ ኣመልኪቱ፡ “ሎሚ ኣብ ሆቴል ኢንተር ላግዠሪ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ክንህብ ኣብ ዝተኣከብናሉ፡ ሲቪላዊ ክዳን ዝተኸደኑ ‘ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ኢና’ ዝብሉ ሰባት እዚ መግለጺ ክካየድ ኣይክእልን’ዩ ብምባል ንዓናን ነቲ ሆቴልን ከልኪሎሙና” ኢሉ።
እቶም ሰባት፡ መንነቶም ክሕብሩሎም ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑን፡ ኣየናይ ኣካል መንግስቲ ነዚ ውሳነ ከምዝሃበ’ውን ከምዘይሓበርዎም ተዛሪቡ።
እቲ ጻውዒት እንታይ ይብል ?
እቲ ብ35 ሲቪላዊ ማሕበራት ዝተፈረመ መግለጺ፡ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ ጻውዒት ሰላም ዝሓዘ ዀይኑ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘብጸሖ ጉድኣትን ሓደጋን ልዑል ከምዝኾነ ይገልጽ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብታ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዝተቛረጽዋ ክልል ትግራይን ኣዋሰንቲ ከባብታትን፡ ንዝኸፍአ ስቓይን መከራን ከምዝተቓልዑ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺአን ምንባረን ዘዘካኸራ እተን ማሕበራት፡ ብፍላይ ሕዚ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ፡ ሰላማዊ ዕልባት እንተዘይረኺቡ፡ ንህላወ መጻኢ እታ ሃገር’ውን ዝፈታተን ከምዝኾነ ይገልጽ።
ካብቶም ሸሞንተ ጻውዒታት፡ እቶም ጎንጽታት ንምፍታሕ ሓቀኛን ኣሳታፍን ዝርርብ ዕርቂ ክጅመር፡ ዝተቛረጹ መንግስታዊ ኣገልግሎት ብህጹጽ ናብ ንቡር ክምለሱ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ብሕጊ ክሕተቱ፣ ዓሌት ተኮር ዝኾነ ጎስጓሳትን ማእሰርትን ደው ክብል፡ ከምኡ’ውን፡ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዘጋድዱ ፕሮፖጋንዳ ደው ክብሉ ዝብሉ ይርከብዎም።
ካብተን ጻውዒት ዘቕረባ ብዙሓት ሃገር-በቀል ሲቪል ማሕበራት፡ ማሕበር ሰብ-ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ ኢንተር ኣፍሪቃ ግሩፕን ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣምሓራን ይርከበአን።
እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ: ብ18 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ምውልዑ ስዒቡ ናብ ዝሓሰመ ደማዊ ግጭት ከይትእተው ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ነቲ ኲናት መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ሕድሕዶም ዝካሰሱ ኮይኖም፣ ዓለምለኸ ትካላትን መንግስታትን ብወገኖም እቲ ኩናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ [24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም] ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐ ደማዊ ኲናት፡ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝበልዐ ዀይኑ፡ ሚልዮናት ዜጋታት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት፡ ንዝሃለፉ ሃሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተፃብኦታት ምስበፅሑ እቲ ኲናት ዋላ እኳ ሃዲኡ እንተጸንሐ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስእነት መግብን ነዳድን፣ ከምኡ እውን ምቁራፅ ቴሌፎን፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ ዝበሉ መሰረተ ልምዓት ግን ንህዝቢ ናብ ዝሓሰመ ኩነታት ከምዘእተዎ ትካላት ረድኤት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







