ኤርትራ፡ ‘ሓባራዊ ጽንብል ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?’

ሓባራዊ ዝክረ ሰማእታት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel

መግለጺ ስእሊ, ሓባራዊ ዝክረ ሰማእታት

ኤርትራ፡ ትማሊ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታታ ጸንቢላ። እዛ ዕለት፡ በቲ ድሕሪ ናጻነት ግዝያዊ መንግስቲ ዝመስረተ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እያ ተመሪጻ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብ 1982 ብወፍሪ ‘ቀይሕ ኮኾብ’ ዝፍለጥ ዝዓበየን ሓደገኛን ወራር ንምምካት ዝለዓለ መስዋእቲ ስለ ዝተኸፍለ እታ ዕለት ንዕኡ ንምዝካር ከምዝተሓርየት’ዩ ዝንገር።

በቲ መንፈስ ከኣ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ድሮ እታ ዕለት ሽምዓ ወሊዖም ናይ እግሪ ጕዕዞ ወዲቦም ንሰማእታቶም ይዝክሩ። ኣብታ ቀንዲ ዕለት ከኣ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኵለን ከተማታት ኤርትራን ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትን ብድምቀት የኽብርዋ።

ሕብረተሰባት ኮነ ሃገራት ጥንቲ ይዅን ሕጂ ንሰማእታቶም ብዝኸፈሉዎ ክቡር ህይወት ሽምዓ ኣብሪሆም ይዝክርዎ እዮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዝኽሪን [Collective Memories]፡ ኣገዳስነት ጽንብላትን ኣብ ሕብረተሰብን ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስገው ስኮትላንድ ምስ ዝምህር ዶክተር ህያብ ዮሃንስ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ።

ሓባራዊ ዝኽሪ እንታይ እዩ?

ዶ/ር ህያብ ብዛዕባ እኩብ/ሓባራዊ ዝኽሪ ሓደ ሕብረተሰብ ከረድእ እንከሎ፡ “እዚ ንሕሉፍ ነገራት ብኸመይ ከም እትዝክሮ ዘመልክት እዩ፣ ካብ ውልቀሰባዊ ዝኽሪ ዝዓቢ ኰይኑ ብጕጅለ ወይ'ውን ብደረጃ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ዝዝከር ነገራት ዘመላኽት እዩ፡” ይብል።

ሃገራዊ ምልክታትን ጽንብላትን ኣብ ምቛምን ምድልዳልን ሃገራዊ መንነት መሰረት ከምዝዀኑን ኣብ ሓደ ሃገር ዝርከቡ ኵሎም ዜጋታት ብተጻዋርነትን ስኒትን ንኽነብሩ ኣገደስቲ ምዃኖምን ይጠቅስ።

ኣብ ታሪኽ፡ ሕብረተሰባት ብሓባር ዝሓለፍዎን ኣገዳሲ ምዕራፍ ታሪኾምን ንመጻኢኦም ዝገድሶምን ፍጻመታት፡ መዓልቲ ፈልዮም ብሓባር ክጽንብልዎ ኸኣ ይረኣዩ። እተን ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኪዳን መስሪተን ኣንጻር ሂትለርን መሻርኽቱን ዝተዋግኣ ሓይልታት ንኣብነት፡ ወትሩ ሕዳር 11 ንሰማእታተን ብተምሳል ቀይሕ ዕምበባ ይዝክራኦም።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ጥሪ 27 ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ብግፍዒ ንዝተቐትሉን ዝጠፍኡን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝሃለቑን ግዳያት ሆሎኮስት ይዝክራ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ “ሓባራዊ ዝኽሪ” ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ከም ዘጠቓልል ዶ/ር ህያብ ይሕብር።

“እዚ፡ ታሪኻዊ ባህላዊ ሕብረተሰብኣዊ ፍልጠት ናይቲ ጕጅለ እዩ፣ ካልኣይ ሓባራዊ ባህሪ/ባህሊ ናይቲ ሕብረተሰብ ክኸውን እንከሎ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ዝርአ፡ እቲ ኣብ መንጐ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን ዘሎ ፍልጠት ከመይ ይሰርሕ ኣሎ፣ እቲ መስርሕ ካብ ናብ ምስግጋር ፍልጠት ንርእየሉ መገዲ እዩ፡” ይብል።

እዚ ማለት፡ ውልቀሰብ ንሕብረተሰብ ክጸልዎ ይኽእል፣ ሕብረተሰብ ከኣ ነቲ ውልቀሰብ ክጸልዎ ይኽእል ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ዘዘውትሮ ጽንብላት ኣብዚ መቓን’ዚ ኣእቲኻ ክርአ ከም ዝኽእል፡ ዶር ህያብ የመልክት።

ዶ/ር ህያብ ዮሃንስ

ምንጪ ስእሊ, Hyab

መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ህያብ ዮሃንስ

ጽንብላት [Rituals] ንሓደ ሕብረተሰብ ስለምንታይ የገድስዎ?

ኣብዚ ዛዕባ እንከረድእ ዶ/ር ህያብ፡ “ጽንብላት ንዝዀነ ሕብረተሰብ ኣገደስቲ እዮም፡” ይብል’ሞ፡ ንገለ ኣገደስቲ ዝብሎም ነጥብታት እንክጠቅስ፡ መንነት ናይቲ ሕብረተሰብ ምውሓስ፣ ፍልቀት ወይ ከኣ ‘ኢቮሉሽን’ ናይቲ ሕብረተሰብ ንምቕላስ፣ ከምኡ’ውን ስምዒታቱን ወኒታታቱን ንምቕላስ ብሓባር ዝግበሩ ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ይዛረብ።

“ነባሪ ሓባራዊ ኣነባብራ ንምፍጣር፣ ወይ’ውን ንዝጸንሐ ምዕቃብን’ውን ሓባራዊ ጽንብላት ኣገደስቲ እዮም።”

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ህይወት ናይቲ ሕብረተሰብ ትርጕም ንኽህልዎ’ውን ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ዶ/ር ህያብ ወሲኹ የረድእ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ “ሕብረተሰባት ንዝዀነ ምስ እምነቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ባህሎም፡ ታሪኾምን መንነቶምን ኣተኣሳሲሮም ዝገብርዎም ጽንብላት፡ ኣባላት ሓደ ሕብረተሰብ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚን ኣብ ሓደ ቦታን መጺኦም ብሓንሳብ ከስተምቕርዎ ስለዝገብሩ፡ ናይ ሓድነት መንፈስን ስምዒትን’ውን የዕሙቕ እዮም” ክብል ከኣ የረድእ።

ምስዚ ተዛሚዱ፡ ምስ ዓለማዊ ግሎባላውነት ዘለዎ ጽልዋ፡ “ስምዒት ዋንነት ምእንቲ ክህሉ፣ ኣብቲ ሰፊሕ ዓለማዊ መድረኽ ቦታኻን ኣበይ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ፡” ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ይረድእ።

“ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ እቲ ፍልቀት ወይ ከኣ ኢቮሉሽን እንብሎ ቅልጣፈ ወሲኹ እዩ፣ እምበር ጸኒሑ እዩ፡” ብምባል፡ እቲ ኣብ ውሱን ከባቢ ዝነበረ ሕጂ ኣብ መንጐ ባህልታት፡ እምነታት፡ ቋንቋታት ብዘሎ ገፊሕን ቅልጡፍን ምጽልላው፡ እቲ ፍልቀት ዝያዳ እናነሃረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

“ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ መንጐ ሓደ ከባብን ዓለምን ዘሎ ርሕቀት ይጸብብ ኣሎ ማለት እዩ።"

ጽንብላት ኣብ ኤርትራ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ሃገርን ሃገራውነት ዝተኣሳሰሩ “ሃገራውያን ጽንብላት” ብወግዒ ተኣታትዮም።

ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር መጠን ከኣ፡ ሃገራዊ ምልክታት፡ ባንዴራ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ኣርማን ብወግዒ ኣፍሊጣ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ተጸንቢራ።

“ቅድሚ ናጽነት’ውን ነይሩ እዩ - ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን፣ እቲ ሕብረተሰብ ምስ ባህሉን እምነቱን ተኣሳሲሩ ዘካይዶ ጽንብላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፖለቲካዊ ጽንብላት’ውን ነይሮምዎ እዮም፡” ይብል ዶ/ር ህያብ።

ነዚ እንከረድእ፡ “ንባዕሉ እዚ እዩ እቲ ናተይ መንነት፡ ኢልካ መንነትካ ክትገልጽን ከተነጽርን ምኽኣል ካብ ቀደም ጸኒሑ እዩ፣ እቲ ነጥቢ ከመይ ኣቢልካ ትገልጾን ተንጸባርቘን ወይ 'ኣርቲኩለይት' ትገብሮ ጥራይ’ዩ ዝፈላልዮ፡” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ሰውራ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ መስርሕ ጽንብላት ብዙሕ ከምዝቐየሮን መልክዕ ከምዘትሓዞን ይትንትን።

“ሰውራ ነቲ ብዛዕባ ሃገር፡ መንነት፡ ናጽነት፡ መስዋእቲ፡ እቲ ‘ኮንተክስት’ እናቐየሮን መልክዕ እናፈጠረሉን መጺኡ፤" ድሕሪ ምባል፡ "ኣየኖት ክብሪታት እዮም ኣጕሊሕና ንርእዮም ከኣ ምስ ግዜ ኵሉ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ፡” ኢሉ ይገልጽ።

ካብተን ዓበይቲ ሃገራውያና ጽንብላት ኤርትራ እታ ዓመታዊ ኣብ 20 ሰነ/ ብድሮኡ ምሸት'ውን ሽምዓ ብምውላዕ እትጽንበል መዓልቲ ስውኣት እያ።

ሓደ ሕብረተሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ምስ ምምጻእ ሃገር፡ ህላወ፡ መንነትን፡ ናጽነትን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ታሪኹ ግሉሕ ተራ ዘለዎ ጽንብል ኣጥቢቝ ከም ዝሕዞ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ከምኡ ምዃኑ፡ ዶ/ር ህያብ ይገልጽ።

ብዛዕባ’ዚ እንክትንትን ከኣ፡ “እቲ ቐዳማይ ነገር፡ እቲ ንዅሉ ዝሓቍፍ ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ይሕቈፍ፣ ንዕኡ ዝቐሙ ወይ ዝፈጠሩ ዓንድታት ክህልው ግድን እዩ። ሓደ ካብኡ ኸኣ መስዋእቲ ኰይኑ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ንሰማእታት ሃገር ንምዝካር ዝግበር ጽንብል እዩ፡” ይብል።

እዚ ይዅን ካልኦት ዝካየዱ ጽንብላት ድማ ነቲ ሃገራዊ መንነት ንምድልዳል ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም’ውን ይገልጽ።

“ካብዞም ጽንብላት ወጻኢ’ውን፡ ሓደ ሃገር ነቲ ሃገራዊ መንነት ዝብሎ ንምዅስኳስ ዘድልዩ ነገራት’ውን ኣለው፡” ብምባል፡ ትምህርቲ ዜግነት፡ መጽሓፍቲ ታሪኽ፡ ደርፍታት፡ ፊልምታት ካልእን እቲ ህዝቢ ብሓባር ንዝመጽኦ ዝነግርን ንዝኸዶ ዘማእዝን ነገራት ከነጽሩ ከም ዝኽእሉን ንኣገዳስነቶምን የብርህ።

“ካልኦት ንኣሽቱ ዝመስሉ ነገራት ከም ባንዴራ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ኣስማት ጐደናታትን ትካላትን ካልኦትን ኣለው፣ ብዛዕባ ሓባራዊ ሃገራዊ ባህሊ ክነግሩን ከዕሙቝ ዝኽእሉ ኸኣ እናተፈጠሩ ይኸዱ፡” ይውስኽ።

. . . ተወሳኺ፡ ኣገዳስነት ሓባራዊ ጽንብል ንሕብረተሰብ

“ሃገር፡ ወለንታዊ ዝዀነ ማሕበራዊ ውዕል [Social contract] እዩ፣ እቲ ሕብረተሰብ ብሓባር ንኽነብር፡ ብወለንታኡ ዝኣተዎ ሃገር ንምዃን ውዕል ኣለዎ፡” ይብል’ሞ፡ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ነዊሕ መስርሑ ዘማዕበሎ ናቱ ወግዒ [Norms] ሒዙ እዩ ዝመጽእ፡ ብምባል የረድእ።

“እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ወግዒ ድማ እዩ ነቶም ዓበይቲ ዝኽርታት/ጽንብላት ጠሚሩ ወይ ተቐቢሉ ዝሕዞም። ስለዚ ሃገራት ኣብቲ መዋቕራት ወግዒ ናይቲ ሕብረሰብ ወይ ከኣ ‘ኖርማቲቭ ስትራክቸር’ እየን ኣበርቲዐን ዝሰርሓ።”

እዚ ማለት፡ ነቶም ዓበይቲ ዓንድታት ናይቲ ሕብረተሰብ ወይ ሃገራውነት ከም ዝዕቀቡን ቀጻልነት ከም ዝህልዎምን ይገብራ፣ ኣብዚ ኸኣ እቲ ሕብረተሰብ “ብግዴታ ዘይኰነስ ብወለንታኡ ኣሚኑን ተቐቢሉን ክሳተፍ ይርአ፡” ይብል።

“ሃገር ከኣ ነቲ ዜግነታዊ ግቡኣት [Civic duties] እንብሎም ነገራት ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ዝሰርጽ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።” ይብል።

ኣብ ሃገራዊ ጽንብላትን ምልክታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክቐርብ ይስማዕ እዩ። ገለ ካብኡ፡ ምስ መዓልቲ ስውኣት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ከም ኣብነት ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ጽሑፉ/መጽሓፉ ዘቕረቦ ምጕት ምጥቃስ ይከኣል።

ወልደየሱስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ብህዝባዊ ግንባር ዝተነግረ ብዝሒ ስውኣት፡ ንባዕሉ ስውእ መን’ዩ ዝብል መግለጺ፡ እቲ ዝተወሰነ መዓልቲ’ውን ንናይቲ ውድብ ታሪኽ ጥራይ ዝውክል ምዃኑን ካልእን ኣልዒሉ ርእይቶኡ ብምቕራብ ይምጕት።

ካልኦት’ውን ኣብ ምጽንባል መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ጸገም ከምዘየለ፡ እንተዀነ እቲ ዝንገር ታሪኽ፡ ናይ ሓደ ወገን ታሪኽ ጥራይ ዘጕልሕ ምዃኑ ቅሬታኦም ክገልጹ ይስምዑ እዮም።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ኣብ ዝዀነ ሃገር ዝርአ ልሙድ ነገራት ምዃኑ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ካብኡ ከም ዘይፍለ ዶ/ር ህያብ ኣብ መግለጺኡ ይእምት።

“እቶም ትካላት/ውድባት ወይ መንግስታት ነየናይ [ተግባርን ፍጻመታትን] የዕብዩ ወይ ክብሪታት የጕልሑ ናታቶም ምርጫታት ክህልዎም ግድን እዩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ይዅኑ ማሕበራዊ ጕጀለታት፡ ኣብ ባህሊ፡ ኣብ ታሪኽ ዝዀነ ኣገዳሲ እዩ ንዝበለዎ ወይ ዝኣምኑሉ፣ ምስ ፍልስፍናኦምን ስነሓሳቦምን ዝሳነ ነግራት ከጕልሑሉ ይኽእሉ እዮም።”

እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣይኖት ክብሪታት ዝያዳ ሓቘፍትን ንዅልኻ ጠሚሮም ይሕዙኻን፣ ብኸመይ ትጥምቶም ኣለኻን ወሳኒ ምዃኑ የረድእ።

“በዚ ኸኣ ንነናትካ ፖለቲካዊ ይዅን ማሕበራዊ ረብሓታት ክትብል ረጽሚ ክህሉ ንቡር እዩ።” ክብል የረድእ።