ምሕፅንታ ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ "ኣብ መንጎ ሞትን ስቓይን" ይርከቡ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ዓለምለኻውያን ትካላት ስደተኛታት ክሕግዝዎም እውን ተማሕጺኖም።
ኣባል ኮሚቴ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ጀማል ጄይላን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት ስደተኛታት ዝግበረሎም ዝነበረ ደገፍ ስለዝተቛረፀ ንዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝፀንሑ ሓቢሩ።
እተን ትካላት ቤት ጽሕፈታተን ስለ ዝዓጸዋ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዝቐርብ ዝነበረ ሕክምናዊ ሓገዝን ምሕዳስ ሰነዳት ስደተኛታትን ደው ከም ዝበለ እውን ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ "እቶም ሕማም ዘለዎም ሰባት መድሃኒት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ሰነዳት ስደተኛነት ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ይእሰሩ ኣለዉ። ብዙሕ ይሳቐዩ ኣለዉ" ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ስድራ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ሰነዶም ከሐድሱ ስለዘይከኣሉ ደቆም ካብ ቤት ትምህርቲ ከትርፉ ከምዝተገደዱ ኣቶ ጀማል ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ስደተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩ ኣለዎም" ዝበለ ኣቶ ጀማል፡ ከምኡ እንተዘይገይሮም ሰነድ ስደተኛነት ከሐድሱ ከምዘይክእሉ እዩ ዝገልጽ።
ቢቢሲ፡ እቲ ትካል ኣብ ዮርዳኖስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምውጽኡ ብዝምልከት ሕቶ ኣቕሪቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ግን ምላሽ ኣይረኸበን።
እንተኾነ፡ እቲ ትካል ካብቲ ከባቢ ምውጽኡ ምስቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሰራዊተን ንምስሓብ ዝወሰድኦ ውሳነ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ 30 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝዓፀወ ጀማል ይዛረብ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ምስቲ ትካል ዝሰርሓ መሻርኽቲ ዘይመንግስታውያን ትካላት ስርሐን ደው ከብላ ስለዝተገደዳ ዓብዪ ፀገም ከምዘጋጠሞም ገሊፁ።
ብዛዕባ ዘጋጠሞም በዳሂ ኩነታት ኣብ ዮርዳኖስ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤስያን ምብራቕ ኣፍሪቃን ደብዳበ ከምዝጸሓፉን ነዚ ስዒቡ ድማ ገለ ደገፍ ከምዝረኸቡን እውን ኣመልኪቱ።
ኣገደስቲ መድሃኒታት ዝወድኡ ተሓከምቲ ስደተኛታት ድማ ንኽልተ ኣዋርሕ ተወሳኺ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ የመን ኣቶ ሙክታር ከደር ናብ ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኢትዮጵያውያን ኣብ በረኻ እናወደቑ ሓደጋ የጋጥሞም ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ መሰጋገርቲ፡ ንገበነኛታት ከምዝተቓልዑን ዝሓመሙ ሰባት ብሕጽረት መድሃኒት ይሳቐዩ ከምዘለዉን ኣመልኪቱ፡ መፍትሒ ክወሃብ ድማ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሃገራዊ ሽማግለ ጉዳያት ስደተኛታት ኣብ የመን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ወጻእተኛታትን ዓብዱልዋሂድ ኣቡራስ ዝምራሕ ኣኼባ ከምዘካየደ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ እወን ኣብ ኣጀንዳኡ ከምዝነበረ፡ ጋዜጣ 'ሱራ ኔት' የመን ጸብጺባ ኣላ።
እዚ ኣኼባ'ዚ ምክትል ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ምክትል ኣቦ መንበር ሽማግለን ሜጀር ጀነራል መሓመድ ኣልሓኪምን ካልኦት ኣባላት ኮሚቴን ኣብ ዝተረኽብሉ እዩ ተኻይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት እናወሰኸ ምምጽኡ ኣመልኪቱ፡ ነቶም ስደተኛታት ንምግታእ ዝተወስደ ስጉምትታት ጸብጻባት ቀሪቡ።
ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ብሓባር ብምስራሕ ነዞም ስጉምትታት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዝዘተዩ እውን ጋዜጣ 'ሱራ ኔት' ጸብጺባ።
ብድምር 18 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ኣብ ኣብ ትሕቲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ከምዘለዉን ካብዚኦም ኣስታት 8 ሽሕ ኣብ ሰንዓ ከምዝርከቡን ኣቶ ጀማል ሓቢሩ።
እቶም ዝተረፉ ዝበዝሑ ኣብ ከተማ ዓደንን ካልኦትን ይነብሩ ከምዘለዉ ይግመት።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሰንዓ ኣስታት 20 ሽሕ ዘይተመዝገቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ስራሕ ሕርሻን ፋብሪካን ተዋፊሮም ይርከቡ።
የመን፡ ልዕሊ 23 ሚልዮን ህዝባ ብሰንኪ ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ኣብ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ይምርኮስ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት እትረከብ የመን፡ ልዕሊ 95 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከምዝነብሩላ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
የመን፡ ብፍላይ ድማ ብሓደገኛ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ዝሰግሩላ ሃገር እያ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዘጋጥሞም ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
![ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ መረፃ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/831a/live/3cf50530-10bd-11f1-b370-c5751d84f588.jpg.webp)







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



