ደሃያ ብዛዕባ ዝተስኣነ ነፋሪት ‘ኤምኤች370’ ዝቐየዐት ተዋዛይት ትህደን ኣላ

ተዋዛይት ጆሴሊን ቺያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ማሌዥያ: ምስ ጉዳይ እታ ቅድሚ ዓመታት ሓደጋ ዘጋጠማን ዛጊድ ደሃያ ዘይተረኸበን ነፋሪት መጓዓዝያ ‘ኤምኤች370’ ዝተሓሓዝ ቅየዐ ዘቕረበት ተዋዛይት (ኮሜዲያን) ክትህደን ናብ ኢንተርፖል ሕቶ ኣቕሪቡ።

ኣብ ሲንጋፖር ዝዓበየትን ዜጋ ኣሜሪካ ዝኾነትን ጆሴሊን ቺያ ምስ ምልዕዓልን ኣጸያፊ ናይ ኢንተርነት ትሕዝቶን ብዝተኣሳሰር ትምርመር ከምዘላ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ዋዛኣ ካብ ማሌዥያ ቁጥዐ ከበግስ ከሎ ሲንጋፖር ድማ ይቕሬታ ክትሓትት ምኽንያት ኮይኑ።

ነፋሪት መጓዓዝያ ኤምኤች370 (MH370) ኣብ መጋቢት 2014 ካብ ኳላ ላምፑር ድሕሪ ምብጋሳ እያ ደሃያ ተሳኢኑ።

ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣለሻ እኳ እንተተኻየደ፡ ቀንዲ ኣካል ናይታ ነፋሪት ግን ክሳብ ሎሚ ኣይተረኸበን። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 239 ሰባት ድማ ኩሎም ሞይቶም ከምዝኾኑ ይእመን።

ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ማሌዥያ ኣክሪል ሳኒ ዓብደላ ሳኒ፡ "ምሉእ መንነት" ሚስ ቺያን ከምኡ’ውን "ሕዚ እትርከበሉ ቦታ" ንምፍላጥ ናብ ኢንተርፖል መመልከቲ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማንሃታን ኣብ ዝርከብ ኮሜዲ ሴላር ዝበሃል ቦታ ካብ ዘቕረበቶ ናይ መድረኽ ስራሕ ዝተወሰደ ሓፂር ቪድዮ ድሕሪ ምጥቕዓ እዩ እቲ ክትዕ ዝጀመረ።

ኣብ ሓደ እዋን ንሓጺር ዕምሪ ኣካል ሓንቲ ሃገር ዝነበራ ሲንጋፖርን ማሌዥያን ኣብ ሞንጎአን ንዘሎ ታሪኻዊ ንሕንሕ ዝምልከት ዝውቱር ሓሳብ እውን ዘጠቓለለ እዩ።

ሲንጋፖር፡ "ቀዳመይቲ ዓለም ሃገር" ንምዃን ክትዛረብ ከላ፡ ማሌዥያ ድማ "ገና ዓባይት ሃገር" ከም ዝኾነት ብምጥቃስ፡ ነፈርቲ ማሌዥያ "በረራ ኣይክእላን እየን" ኢላ።

እቲ ኣብ ማሌዥያ ዕግርግር ዘስዓበ ቪድዮ ንመምርሒታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ምጥሓሱ ብምጥቃስ ቲክቶክ ከምዝኣለዮ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣምባሳደር ሲንጋፖር ኣብ ማሌዥያ፡ ቺያ ንሲንጋፖራውያን ብምውካል ከምዘይተዛረበት ዘፍለጠ ኮይኑ፤ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሲንጋፖር ቪቭያን ባላክሪሽናን ብወገኑ "ሕማቕ መግለጺታታ" ክብል ኮኒንዎ።

ተዋዛይት ቺያ ብሰንበት ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ነቲ ልሙድ ስራሕ "ልዕሊ 100 ግዜ" ብዘይ ዝኾነ ጸገም ከም ዝፈጸመቶ ገሊጻ።

ወሲኻ ድማ እታ ሓፃር ቪድዮ ካብ ዓውዳዊ-ትርጉም ወፃኢ ከምዝተተርጎመት ኣረዲኣ።