ኣብ ማሌዥያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ሰባት ሞይቶምን ጠፊኦምን

ምንጪ ስእሊ, MALAYSIA CIVIL DEFENCE FORCE/TWITTER
ኣብ ማሌዥያ ግዝኣት ሴላንጐር ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ብውሑዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ሃለዋት ካልኦት ብዙሓት ድማ ጠፊኡ።
እዚ ምህማም መሬት ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ካብ ርእሰ ከተማ ክዋላ-ላምፑር ንኣንፈት ሰሜን ካብ ጐቦታት ጀንቲንግ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።
ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን፡ በዚ ምህማም መሬት ተቐቢሮም ክዀኑ ንዝኽእሉ ሰባት ንምውጻእ ይጽዕሩ ከምዘለዉ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ንበዓል ናብቲ ከባቢ ዝመጽኡ ክሳብ 100 ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብቲ ኣብ ወሰን ጽርግያ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ኣብ ግዝያዊ ቴንዳታት ኣጽሊሎም ነይሮም።
ክፍሊ ምጥፋእ ሓዊ ማሌዥያ፡ ዛጊት ብውሑዱ 31 ሰባት ከምዝደሓኑ ገሊጹ። እንተዀነ ብውሑዱ ናይ 51 ሰባት ሃለዋት ከምዝጠፍአ ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ምህማም መሬት፡ ካብቲ ካምፕ 30 ሜትሮ ብራኸ ካብ ዝርከብ ቍልቁለት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሄክታር መሬት ተጸልዩ’ዩ።
ጠንቂ እዚ ምህማም መሬት እንታይ ከም ዝዀነ ንጹር ኣይኰነን።
ቅድሚ'ዚ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ዝናብ ይዅን ምንቅጥቓጥ መሬት ከምዘይነበረ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







