እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ይርከቡ ዶ ይዀኑ?

ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ስጳኛ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዝጠፍአት ጃልባ ስደተኛታት 86 ሰባት ኣድሒኖም፤ እንተዀነ ገና ዘይተረኽቡ ስደተኛታት ብብዝሒ ጠፊኦም ብምህላዎም፡ እቲ እለሻ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ይቕጽል ኣሎ።

እታ፡ ሕጂ ድሒኖም ዝበሃሉ ዘለዉ ስደተኛታት ዝነበርዋ ጀልባ ካብ ደሴታት ካናሪ ንኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ 130 ኪ.ሜ ርሒቓ ዝነበረት ኰይና፡ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ሒዛ ከምዝነበረት ይንገር።

እቶም ኣባላት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ብሓንቲ ኮንተይነር እትጽዕን መርከብ ከምዝተሓገዙን ሕጂ ክልቲአን ናብ ደሴት ግራን ካናርያ ገጸን ይኸዳ ከምዘለዋን ተሓቢሩ።

ክልተ ተመሳሰልቲ ጀላቡ'ውን ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ጽዒነን ከም ዝጠፍኣ ይግለጽ። ብዛዕባ እተን ደሃየን ዝተሳእነ ጀላቡ ዝርዝር ሓበሬታ የለን ተባሂሉ ኣሎ።

‘ወኪን ቦርደርስ’ [Walking Borders] ዝተባህለ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝህብ ጕጅለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብታ ሓንቲ ጀልባ ኣስታት 65 ኣብታ ካልአይቲ ድማ ክሳብ 60 ሰባት ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ።

ቅድሚኡ ብ27 ሰነ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካብ እትርከብ ሰኔጋላዊት ከተማ ካፋውንቲን ከምዝተበገሰትን ደሃያ ከምዝተሳእነን ዝዝከር ኰይኑ እዚኣ’ውን ብ23 ሰነ ካብታ ከተማ ከምዝነቐለት እቲ ጕጅለ ይሕብር።

እታ ዝዓበየት መርከብ ብ27 ሰነ ካብ ካፋውንታይን ናብ ደሴታት ካናሪ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን ብዙሓት ህጻናት ዝርከብዎም 200 ሰባት ከም ዝጸዓነት ጕጅለ ‘ዎኪን ቦርደርስ’ ኣፍሊጡ።

እቶም ካብታ ዝተረኸበት ጀልባ ዝደሓኑ ስደተኛታት ድማ 80 ደቂ ተባዕትዮን 6 ደቂ ኣንስትዮን እዮም። ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኵሎም ድዮም ድሒኖም ኣይደሓኑን ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።

እዚ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ ድማ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሓንቲ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ድሕሪ ምጥሓላ እዩ።

እቲ ክስተት ድማ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ሓደጋታት መራኽብ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ሽዑ ካብቲ ሓደጋ ብውሕዱ 78 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ እኳ እንተተረጋገጸ ክሳብ 500 ዝበጽሑ ሰባት ገና ደሃዮም ከምዝጠፍአ ግን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝግበር ጕዕዞ ሓደ ካብቶም ንስደተኛታት ኣዝዮም ሓደገኛታት መስመራት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብሓያል ማዕበል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብቐሊሉ ብዝናወጻ ነኣሽቱ ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ዝጓዓዙ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2022፡ ብውሕዱ 559 ሰባት ናብ ደሴታት ስጳኛ ክበጽሑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኣብ ባሕሪ ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብ 2021 ዝተመዝገበ ቁጽሪ ሞት ድማ 1,126 ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሞሮኮ፡ ማሊ፡ ሰኔጋል፡ ኣይቮሪኮስት ወይ ካብ ካልኦት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝብገሱ ምዃኖም እቲ ትካል ይገልጽ።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ከምዘመልክቶ ኣብ 2022 ብዘይ ፍቓድ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝኣተዉ ሰባት ብዝሖም 15,682 ዝበጽሕ ኰይኑ እዚ ድማ ምስ 2021 ክነጻጸር እንከሎ ብልዕሊ 30 ሚእታዊት ዝነከየ እዩ።