ብሪጣንያ፡ ሱናክ ብገዚፍ ስዕረት ዓቃባዊ ሰልፊ 'ተሓታቲ እየ' ኢሉ

ሪሺ ሱናክ

ምንጪ ስእሊ, PA

ብሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰልፊ ዕዮ ዓብላሊ ብዝዀነ ድምጺ ድሙቕ ዓወት ከምዘመዝገበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ዘመዝገቦ ዓቢይ ታሪኻዊ ስዕረት ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰር ኬር ስታመር ዝምራሕ ሰልፊ ዕዮ ብዓቢ ፍልልይ ተዓዊቱ'ሎ። ስታመር ድማ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሱናክ ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ንጹር መደረ፡ ውድቡ ካብዚ ስዕረት'ዚ ክምሃር ጥራይ እዩ ዘለዎ ኢሉ።

ስታመር ኣብ ለንደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ለውጢ ሕጂ'ዩ ዝጅምር" ክብል ንደገፍቱን ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን ቃል ኣትዩ፤ ንዓወት ሰልፊ ዕዮ ድማ ጸንቢሉ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ፡ ካብ 650 መናብር ልዕሊ 500 ዝረኸበ ሰልፊ ዕዮ፡ ብ166 ዓብላልነት ዝቕጽል መንግስቲ ክምስርት ተዳልዩ ኣሎ።

ዓቃባውያን ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ውጽኢት ብምምዝጋብ፡ ልዕሊ 170 መናብር ስኢኖም 136 ኣባላት ባይቶ ጥራይ ሒዞም ተሪፎም ኣለዉ።

ስታመር ንደገፍቲ ሰልፊ ዕዮ ኣብ ዝነቓቕሓሉ እዋን፡ እታ ሃገር ድሕሪ 14 ዓመታት "ተስፋ ብርሃን ጸሓይ" ትርኢ ኣላ፤ ሕጂ ድማ "ንቕድሚት ክትጥምት" ትኽእል እያ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን ዝዳሎ ዘሎ ሰር ኬር ስታመር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክኸውን ዝዳሎ ዘሎ ሰር ኬር ስታመር

መራሒ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኒገል ፋራጅ ድሕሪ ሸሞንተ ፈተነታት ኣብ መወዳእታ ኣብ ክላክተን መንበር ባይቶ ተዓዊቱ። እዚ ድማ መጀመርታ ናይቲ ርኡይ ምንቅስቓስ ጥራይ ምዃኑ ተሓንዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ እዋን ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣለውዎ፣ እቲ ሰልፊ ድማ ካብቲ ዓቃባውያን ዝኸሰርዎ ብዙሕ ድምጺ ከሲቡ ኣሎ።

ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ (ኤስኤንፒ) ናብ ሸሞንተ ኣባላት ባይቶ ጥራይ ክወርድ ትጽቢት ይግበር።

ከም ጸሓፊ ምክልኻል ግራንት ሻፕስን መራሒት ላዕለዋይ ባይቶ ብሪጣንያ [ኮመንስ] ፔኒ ሞርዳውንትን ዝኣመሰሉ ዝለዓለ ጽፍሒ ሒዞም ዝጸንሑ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ፡ በዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት መንበሮም ክስእኑ እዮም።

ሊበራል ዲሞክራትስ ካብ ስዕረት ዓቃባውያን ተጠቀምቲ ኰይኖም ኣለዉ። 66 መናብር ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር፤ እዚ ኣብ ታሪኾም እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ምዃኑ ይግመት።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ነበር ጀረሚ ኮርቢን ከም ናጻ ተወዳዳራይ ኣብ ኢስሊንተን ኖርዝ ዝጸንሖ መንበር ሒዙ ክቕጽል እንከሎ፡ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ጆርጅ ጋሎወይ ግን ኣብ ሮችዴል ዝነበረቶ መንበር ብኣባል ሰልፊ ዕዮ ፖል ዋው ተሳዒሩ ከሲሩዋ'ሎ።

ሓምላይ ሰልፊ እውን ገለ ዓወታት ረኺቡ እዩ። ካርላ ደነር ኣብ ማእከላይ ብሪስቶል፡ ንሰልፊ ዕዮ ክትስዕር እንከላ፡ ካልኣይታ ኣድሪያን ራምሳይ ድማ ኣብ ዌቨኒ ቫሊ ንዓቃባውያን ስዒራ።

ሰልፊ ዕዮ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ዓወት ትጽቢት ዝግበረሉን፡ ትርጉም ዘለዎን'ኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ኣብ 1997 ቶኒ ብሌር ዘመዝገቦ ገዚፍ ዓወት ግን ብተዛማዲ ዝወሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ዝዀነ ኰይኑ ግን እዚ ሰልፊ፡ ድሕሪ 2010 ንፈለማ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተርነት እታ ሃገር ይሕዝ ምህላዉ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እዚ ድማ ኣብ ዓቃባዊ ሰልፊ ለውጢ መሪሕነት ከምዘድሊ ዝእምት ኰይኑ፡ ሱናክ ካብ ስልጣኑ ናይ ምውራድ ተኸእሎታት ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ነበር ሰር ሮበርት ባክላንድ፡ ነቲ ስዕረት ዓቃባውያን "ናይ ምርጫ ኣርማጌዶን" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ እቲ ሰልፊ ዘጋጠመ ውሽጣዊ ግርጭታት ነቒፉ።