ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

ንሰልፊ ዕዮ ዝመርሐ ሰር ኬር ስታመር፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝለዓለ ድምጺ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ’ሎ።

ሰር ኬር፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ነቲ ተሪር ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ጀረሚ ኮርቢን ተኪኡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ (ሌበር ፓርቲ) ብምዃን እቲ ሰልፊ ዝያዳ ተቐባልነት ንኽረክብ ሓያል ጻዕሪ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ሌበር ፓርቲ ስልጣን ካብ ዘይዝሕዝ 14 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።

ህይወት ቅድሚ ፖለቲካ

ናይ ሕጊ ትምህርቲ ኣጠናቒቑ ጠበቓ (ባሪስተር) ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ዘገልግል ዝነበረ ሰር ኬር፡ ኣብ 50ታት ዕድሚኡ’ዩ ኣባል ባይቶ ኰይኑ። እቲ ካብ ንእስነቱ ኣብ ፖለቲካ ተገዳስነት ዝነበሮ ኬር ኣኽራሪ ጸጋማዊ መርገጺ እዩ ነይሩዎ።

ኣብ 1962 ካብ ሰራሕተኛታት ስድራ ቤት ኣብ ለንደን ዝተወልደ ኬሪ፡ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ሳሪይ ኣብ ዝበሃል ከባቢ’ዩ ዓብዩ። ኣቡኡ ሰራሕተኛ ፋብሪካ፡ ኣዲኡ ከኣ ኣላይት ሕሙማን ነርስ ነይራ።

ስድራ ቤቱ ጽኑዓት ደገፍቲ ሰልፊ ዕዮ (ሌበር ፓርቲ) እዮም ነይሮም። ሰር ኬር ብስም እቲ ኣብ ዕደና ዝሰርሕ ዝነበረ ቀዳማይ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስኮትላንዳዊ ኬር ሃርዲ’ዩ ተሰይሙ።

ናብራ ስድራ ቤቱ ቀሊል ኣይነበረን። ኣቡኡ ስቕተኛን ናብ ሰብ ዘይሕወስን እዩ ነይሩ። ኣዲኡ ከኣ መብዛሕትኡ ህይወታ “ስቲል’ስ” ብዝበሃል ብብርቱዕ ረስኒ ዝኽሰት ንስርዓተ ምክልኻል ዘጥቅዕ ሕማም ትሳቐ ነይራ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ክትዛረብን ክትንቀሳቐስን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ እግራ እውን ተቖሪጻ።

ሰር ኬር ወዲ 16 ዓመት እንከሎ’ዩ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጨንፈር መንእሰያት ሌበር ፓርቲ ተጸንቢሩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ‘ሶሻሊስት ኦልተርናቲቭስ’ ንዝተበሃለት ኣኽራሪ ጸጋማዊት መጽሔት እውን ኣርታዒ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ካብ ስድራ ቤቱ ሰር ኬር ፈለማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ኣብ ዩኒቨርሲታት ሊድስን ኦክስፎርድን ድማ ሕጊ ተማሂሩ።

ብድሕሪ’ዚ ጠበቓ (ባሪስተር) ኰይኑ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጥፍ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ሃገራት ካሪብያንን ኣፍሪቃን ናይ ሞት ፍርዲ ንክስረዝ እውን ተቓሊሱ።

ኣብ 1990ታት፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዓቢ ዝርጋሐ ዘለዎ ማክዶናልድስ ብጸለመ ንዝኸሰሱ ኽልተ ተጣበቕቲ ኣከባቢ (ኢኮ-ኣክቲቪስታት) ወኪሉ ነይሩ።

ኣብ 2008 ሰር ኬር፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዳይረክተር ኣኽባሪ ሕጊን ሓላፊ ዘውዳዊ ኣገልግሎት ኰይኑ፤ ካብ 2013 ክሳብ፡ ኣብ 2014 ‘ሰር’ ዝብል ማዕረግ ዝሽለም ሰሪሑ።

ብኸመይ’ከ መራሒ ሰልፊ ኰይኑ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰር ኬር ኣብ 2015 ኣብ ለንደን ንሆልቦርንን ሴንት ፓንክራስን ወኪሉ ኣባል ባይቶ ኰይኑ።

ካብ 2010 ኣትሒዙ ሰልፊ ዕዮ ብሪጣንያ በቲ ተሪር ጸጋማዊ ፖለቲከኛ ብጀረሚ ኮርቢን ይምራሕ ነይሩ። ንሰር ኬር ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ‘ሻዶው ሚኒስተር’ መዚዙ፡ ንከም ኢምግሬሽን ዝኣመሰሉ ኣፈጻጽማ ትካላት መንግስቲ ብጥንቃቐ ክከታተል ሓላፍነት ሂብዎ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብድምጺ ህዝበ ውሳነ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ድሕሪ ምውሳና፡ ሰር ኬር ‘ሻዶው ሰክሬታሪ’ “ብሪግዚት!” ኰይኑ። ነቲ ሓላፍነት ተጠቒሙ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንካልኣ ሳዕ ረፈረንደም ንኽካየድ ክደፍእ ፈቲኑ ነይሩ።

ሴር ኬሪ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ መራሒ ሌበር ፓርቲ ክኸውን ዕድል ነይሩዎ። እንተዀነ ኣብቲ ምርጫ፡ ካብቲ ኣብ 1935 ዘጋጠሞ ዝኸፍአ ስዕረት ስለዝተጐልበበ ጀረሚ ኮርቢን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ኣገዲድዎ።

ሰር ኬር ንኩባንያታት ጸዓትን ማይን ብምህጋር ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናጻ ናእ ትምህርቲ ዕድል ከምዝህቦም ብምጥባቕ መራሕ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ተዓዊቱ።

ጀረሚ ኮርቢን ንሰልፊ ዕዮ ኣብ መንጐ ጸጋማውያንን ማእከላይ መርገጽን( ሞደረይትን) ስለዝገምዖ እቲ ሰልፊ ውህደት ክፈጥር ከምዝደሊ ተዛሪቡ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ሚስተር ኮርቢን “ኣኽራርነት” ክዕቅብ ከምዝደሊ ተዛሪቡ። ነቶም ነቲ ሰልፊ "ናብ ማእከል ከቕርቡዎ" ዝሓስቡ ሰባት ግን ኣጠንቂቑ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ከኣ ሰር ኬር፡ ብሰንኪ’ቲ ኮርቢን መራሒ ሌበር እንከሎ ብዝተላዕለ ጸረ-ሴማውነት ምትህልላኽ ንጀረሚ ኮርቢን ካብ ሰልፊ ዕዮ ኣጊዱዎ።

ብዙሓት ጸጋማውያን ናይቲ ሰልፊ፡ ሰር ኬር፡ ንነዊሕ እዋን፡ ነቶም ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ኣባላት ጥራይ ንሕጸ ባይቶ ዕድል ንክረኽቡ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይገልጹ።

ሰር ኬር እንታይ’ዩ መርገጺኡ?

ኬር ንመሪሕነት ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ ዝበሎ ብዘየገድስ፡ እቲ ሰልፊ ዝያዳ ተቐባልነት ንኪረክብ ማእከላዊ መርገጺ ክሕዝ ከምዘለዎ ይገብር ኣሎ።

ንሱ፡ ነቲ ድሮ ደኺሙ ዘሎ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ፋይናንስ ዝብሕጉግ ዓቢ ወጻኢታት ዝሓትት ሓያሎ ፖሊሲታት ብምግዳፍ፡ ውሑዳት ሱር በተኻዊ ውጥናት ጥራሕ ከምዝቕጽሉ ገይሩ’ሎ።

ኬር ስታመር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ምህጋር

ሰር ኬር ቅድሚ ሕጂ ንኩባንያታት ጸዓትን ማይን ንምህጋር ዘቕረቦም እማመታት ስሒቡዎ’ሎ።

ይኹን እምበር፡ ዳርጋ ኩለን ህዝቢ ዘመላልሳ ባቡራት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ህዝባዊ ዋንነት ተመሊሰን ኣብ ትሕቲ ዓቢ ብሪጣንያዊ ምድሪ ባቡር ዝተባህለ ሓድሽ ኩባን ከምዝመሓደር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ትምህርቲ

ሰር ኬር፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ተማሃሮ ኮሌጅ ክፍሊት ክስርዝ ኣትዩዎ ንዝነበረ ቃል፡ መንግስቲ ክኸፍሎ ከምዘይኽእል ብምግላጽ ነቲ ሓሳብ ስሒቡዎ ኣሎ።

"ኣብ ድሩት ፋይናንሳዊ ኵነታት ስለእንርከብ፡ ነቲ ቃል ናይ ዘይምኽባር ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ኣብ ወርሒ ግንቦት ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ሰር ኬር፡ ሰልፊ ዕዮ (ሌበር ፓርቲ) ንናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብሪጣንያ ተወሳኺ ግብሪ (ቫት) ከኽፍል ከምዝኾን ተዛሪቡ።

ክሊማዊ ኩነታት

ሌበር ኣብ 2021፡ ኣብ ዓመት 35 ቢልዮን ዶላር ኣብ ፕሮጀክትታት ሓምላይ ጸዓት ከምዘውዕል ዝኣተዎ መብጽዓ'ኳ እንተሰሓበ፡ ኣብ ከም ምህናጽ ናይ ወጻኢ ምንጪ ጸዓት ንፋስን ከምኡ’ውን ምምዕባል ብኤሌክትሪክን ባትርን ዝሰርሓ ተሽከርከር ዘፍርያ ፋብሪካታት ምሕያል ኣብ ዝብል እማመታት ግን ቃሉ ከጽንዕ'ዩ።

እዚ ምቅይያር እዚ ከኣ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ “ሰልፊ ዕዮ ካብቲ ቀንዲ ከተግብሮ እየ ዝበሎ ፖሊሲታት ይስሕብ” ኣሎ ዝብል ተሪር ነቐፌታ ኣስዒቡሉ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሰር ኬር ብመንገዲ ጂቢ ኢነርጂ ዝተባህለ ሓድሽ ኩባንያ ኣቢሉ፡ 8 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ሓምላይ ጸዓት ከምዘውፍርን፤ ኣብ 2030 ናይ ነዳዲ ጸዓት ዳርጋ ምሉእ ብምሉኡ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝወጽእ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ብዙሓት ክኢላታት ግን ሰልፊ ዕዮ ከምቲ ዝበሎ ክፍጽም ከምዘይኽእል ይኣምኑ።

እስራኤልን ቓዛን

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሰር ኬር ነቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ እትፍጽሞ ዘላ ስርሒታትን መሰል ርእሰ-ምክልኻልን ደጊፉ እዩ።

እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ደገፍቲ ፍልስጤም ዝዀኑ መረጽቲ ቁጥዐ ፈጢሩ። ኣብ ክንድኡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ዝጸውዑ ዓሰርተታት ኣባላት ባይቶ ሌበር ፓርቲ ነቐፌታን ተቓውሞን ገጢሙዎ።

ይኹን’ምበር ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ግን፡ "ነዊሕ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ክግበር ዘለዎ" ክብል ድምጹ ከምዘስምዐ ይዝከር።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ 52 ሚእታዊት ሰባት፡ ሰር ኬር ንጉዳይ እስራኤልን ቃዛን ዝርእየሉ ኣገባብ ሕማቕ ከምዝመስሎም ዩጋቭ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘካየዶ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ የመልክት።

ሰር ኬር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ መደበራት ሑቲ ደብዳብ ምፍጻማ’ውን ደጊፉ’ዩ።

ኤውሮጳ

ኣብ 2019 ሰር ኬር ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ኣለዋ ድዩ የብላን ኣብ ዝብል ካልኣይ ረፈረንደም ክካየድ ደፊኡ ነይሩ።

ሕጂ ግን ብዛዕባ ብሪግዚት ንድሕሪት ምምላስ ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ከም ደረጃታት መግቢ፡ ኣከባቢያዊ ኩነታትን ሰራሕተኛታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ንምፍጣር ክዘራረብ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ

‘ስዕረት ኣይፈቱን’የ’

ሰር ኬር ስታርመር፡ ብዙሕ ግዜ ተቓወምቱ ዘሰልኪ ሰብ’ዩ ክብሉ ይገልጽዎ።

ንሱ ግን ንነብሱ ከም ተጣባቒ ሕግታት ገይሩ እዩ ዝርእያ። ስለዝዀነ ገሊኦም መሳርሕቱ “ሚስተር ሩልስ” (ኣይተ ሕግታት) ክብሉ ዝብል ሳጓ ኣልጊቦሙሉ ኣለው።

ሰር ኬር፡ ኣብ ህይወቱ ሓንሳብ ጥራሕ እዩ ሕጊ ጥሒሱ። መንእሰይ እንከሎ ብዘይ ፍቓድ ንግዲ ኣይስክሪም ክሸይጥ ብፖሊስ ተታሒዙ። እቲ ኣይስክሪም ተሃጊሩ፡ ካልእ ተወሳኺ ስጉምቲ ግን ኣይተወሰደን።

ኣብ ቃለ መሕትታት ብዛዕባ ስብእነቱ ብዙሕ ሓበሬታ ኣይህብን፡ እንተዀነ ግን ተወዳዳሪ መንፈስ ከምዝውንን ይንገር።

"ስዕረት ኣይፈቱን’የ፤ ገሊኦም እቲ ተሳትፎ’ዩ ኣገዳሲ ይብሉ። ኣነ ግን ምስቶም ከምኡ ዝብሉ ኣይኰንኩን" ክብል ንጋዜጣ ጋርድያን ዓባይ ብሪጣንያ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ሰር ኬር ኣብ 2007 ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምስ እትሰርሕ ቪክቶርያ ኣሌክሳንደር ሓዳር መስሪቱ። ክልተ ቆልዑ ድማ ኣለውዎም።

ኣብ ኩዕሶ ኣብ ቁጽሪ ሓሙሽተ ብምጽዋት ይዛነ፤ ካብኡ ብተወሳኺ ከኣ ንጋንታ ኣርሰናል ይድግፍ።