ክብረ ወሰን፡ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝንኣሰ ውሩይ ቀባኣይ ህጻን

ኣደ እቲ ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ወዲ ተባዕታይ ቀባኢ ተባሂሉ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ጋናዊ ህጻን፡ ብስነ-ጥበባዊ ክእለት ወዳ ከም እትሕበን፡ ንስነ ጥበብ ዓለም ከሰጉሞ’ዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋን ገሊጻ።

ኤስ-ሊያም ናና ሳም ኣንክራህ፡ ወዲ ሓደ ዓመትን 152 መዓልትን እንከሎ’ዩ ነዚ ንምእማኑ ዘጸግም ቅያ ኣመዝጊቡ።

“ኣየናይ ሕብሪ ምስ መን ተወሃሃዱ ክኸይድ ይኽእል ዝብል ይፈልጥ’ዩ” ትብል ሻንተል ኩኩዋ ኤጋን።

ንሳ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ስነ-ጥበባዊት ኮይና'ያ ትሰርሕ ዘላ።

ኤጋን፡ ንመጀመርያ ግዜ ንኽእለቱ ዝተረድአት ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ እንከሎ ምዃኑ ኸኣ ትዛረብ።

ኤስ-ሊያም፡ ብሰኑይ ነዚ ‘ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝንኣሰ ወዲ ተባዕታይ ቀባኣይ ህጻን’ ዝብል መጸውዒ ካብ ጊነስ ክብረወሰን ዓለም (GWR) ረኺቡ።

እቲ መስርሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወሲዱ’ዩ።

ኤጋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “ነቲ ኢመይል ምስ ከፈትክዎ ንኣምላኽ ኣመስጊነ” ኢላ።

ኤስ-ሊያም ነዚ ክብረወሰን ንምብጻሕ፡ ኣካል ናይቲ ንህዝቢ ክፉት ዝዀነ ሞያዊ ምርኢት ክኸውንን ስርሑ ክሸይጥን ከም ዘለዎ ክብረወሰን ዓለም ጊነስ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ እቲ ስራሕ ብሞያዊ ደረጃ ክስራሕ ከም ዘለዎን ብውልቁ ከም ዝተሰርሐ መርትዖታት ከም ዝቐረቡን ሓቢሩ።

ስርሓት ኤስ-ሊያም ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምርኢት ቀሪቡ።

ካብቶም ኣብ ምርኢት ዝቐረቡ 10 ስራሓት ትሽዓተ ሸይጡ፤ ኣብቲ ምርኢት ዝተሳተፈት ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ጋና ረበካ ኣኩፎ-ኣዶ ስእሊ ክሰርሓላ ኣዚዛቶ።

እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ህጻን፡ ክሳብ ሕጂ 15 ስእልታት ሸይጡ ኣሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ጨረታ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣኢዱ ኤጋን፡ ንወይዘሪት ዩኒቨርስ 2023 ክትሰርሖ ብትእዛዝ ዝተዋህባ ስራሕ ተዳሉ ነይራ።

ወዳ ንበይና እተዕቢ ኣደ ብምዃና፡ ስራሕ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን ንኣስ-ሊያም ብገለ ነገር ክጽመድ ክትገብር ነይሩዋ።

“ከመይ ቅብኣን ቈልዓ ምዕባይን ከከኣእል ይኽእል?” ኢላ ብምሕሳብ ኣብ መሬት ዓለባ ዘርጊሓ፡ ገለ ቀለም ሂባ ክጻወተሉ ፈቒዳትሉ።

“በቲ ድሙቕ ሕብሪ ኣዝዩ ተገሪሙ” ትብል።

እታ ናይ መጀመርታ ብልጽቲ ስርሑ ‘ዘ ክራውል’ ዝብል ስም ተዋሂቡዋ።

ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኤስ-ሊያም ብድሙቕ ሕብርታትን ኣክሪሊክ ቀለምን ዝግለጽ ኰይኑ፡ ዳይናሚክ ኣብስትራክት ምስልታት ክፈጥር ይጽዕር።

“ስእልታቱ ነገራት ንምርካብ ዝግደስ ሰብ ዘርእዩ’ዮም” ትብል።

ወዳ ኣሰር ጋናዊ ስነጥበባዊ ኣማኦኮ ቦኣፎ ክስዕብ ትምነ።

"ብስነ-ጥበብ፡ ንጋና ኣብ ካርታ ከእትዋ ክኢሉ'ዩ" ትብል።

ብዛዕባ ዓለምለኻውያን ስነጥበባውያን ክመጽእ እንከሎ ግን ወዳ ንኣመሪካዊ ስነጥበባዊ ጃክሰን ፖሎክን ኢንግሊዛዊ ዳምያን ሂርስትን ልዕል ኢሉ ክጥምቶም ትደሊ።

“ጃክሰን ፖሎክ ዋላ'ውን ምስ ኣረገ፡ ንእስነቱ ገና ምስኡ ክኸውን ፈቒዱሉ’ዩ። ስርሑ ህያውን ፍኑውን'ዩ፤ ንስራሕ ወደይ ድማ ብከምኡ እየ ዝሪኦ” ትብል።

ኤጋን፡ ንኣስ-ሊያም ስነ-ጥበባዊ ክእለቱ ንምዕባይ ዓለምለኻዊ ናጻ ዕድላት ትምህርቲ ክትረክብ ተስፋ ኣለዋ።

“ወለዲ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ደቆም ዘሎ ተውህቦ ክጉስጉሱ ከተባብዕ እደሊ” ትብል።

ሕጂ ኤስ-ሊያም ብውፍይቲ ኣዲኡ ዝተዳለወ ናይ ገዛእ ርእሱ ስቱድዮ ኣለዎ፤ ዝቕጽል ብሉጽ ስርሑ ንምፍራይ ኸኣ ድልዊ’ዩ።