እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ንዓመታት ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ብጽኑዕ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰባት ተፈቲሖም
ኣብ ኤርትራ፡ ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላሚያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርትን፡ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ወንጌላውያን ክርስትያንን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ብዋሕስ ከምዘተለቐቝ ተፈሊጡ።
እዞም ዜጋታት፡ ብዝሖም ብጠቕላላ ልዕሊ 20 ከም ዝዀኑ፡ ካብ 6 ክሳብ 20 ዓመታት ከኣ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተዳጕኖም ከም ዝጸንሑ፡ ቢቢሲ ካብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኣዝማዶምን ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ እውን፡ ካብቶም ኣብ መጋቢት 2018፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ዝተሳተፉን፡ ኣብቲ ቀንዲ ጠንቂ ዝዀነ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ብጉዳይ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላሚያ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ተኣሲሮም ዝነበሩ መንእሰያትን ሰብኡትን ከም ዝተፈትሑ ይዝከር።
እዚኣቶም ኣብቲ ጽንኩር ወተሃደራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ሓሽፈራይ፡ ዓላን መትከል ኣብየትን፡ ብዘይንቡር ክሲን ፍርዲን ብኣልማማ ተዳጒኖም ካብ ዝነበሩ ኣማኢት ዜጋታታት ዝተረፉ ምዃኖም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም 6 ዝዀኑ ኣካየድትን ኮሚቴ ወለድን እታ ቤት ትምህርቲ ግን ብፍሉይ ኣብ ማይ ስርዋ ተዳጕኖም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ብዘይፍሉጥ ክሲ ይዅን ፍርዲ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ወንጌላውያን ኣመንቲ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ዝሓለፈ ሓሙስ ከምዝተለቐቝ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።
እቲ ምንጪ ብልክዕ ብዝሒ ወንጌላውያን’ኳ እንተዘየረጋገጸ፡ በብእዋኑ ዝተታሕዙ፡ ክሳብ 20 ዓመትታት ዝተ’ኣስሩ ዝርከብዎም ልዕሊ 14 ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ ኣብ ግንቦት 2002 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኮይነን ብዙሓት ሰዓብቲ ናይተን ካልኦት ዝተኣገዳ እምነታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ተሓለቕቲ ይገልጹ።
ሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያናት እውን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሪም ከምዘለዉ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርሰትያን'ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይግለጽ።
ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መሐሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ዝርከብ ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ንዝቐርበሉ ክስታት ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዛጊት ንምፍታሕ እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።