እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደተኛታት፡ 150 ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም
ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 150 ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ከም ዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ብሓደገኛ ጉዕዞታት ናብ ሊብያ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ሓዲግ ዝተረፉ'ዮም።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ "ሰብኣዊ በረራ" ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ ትካል ጠቒሱ።
"ሎሚ፡ 150 ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን በዚ ናይዚ ዓመት ፈላሚ በረራ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ናብ ርዋንዳ ግዒዞም ኣለዉ"።
ናብ ርዋንዳ ድሕሪ ምእታዎም "ናብ ሳልሳይ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ዝክኣል እንተዀይኑ ናብ ሃገሮም ብምምላስ ነባሪ ፍታሓት ከናድየሎም" ከም ዝጽዕር ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ'ሎ።
ካብ 2017 ጀሚሩ፡ እቲ ትካል ንልዕሊ 10,000 ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዘሰጋገረ የመልክት።
ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ቅድሚ ሕጂ'ውን ብቐጻሊ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ከግዕዝ ጸኒሑ'ዩ።
እቲ ናይ ምግዓዝ መደብ ብገንዘባዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ካናዳን ኣመሪካን ዝተፈጸመ'ዩ።
ካልኦት 97 ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ ስደተኛታት'ውን ብወለንትኦም ናብ ማሊ ከም ዝተመልሱ ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ-ኦ-ኤም) ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብውሑዱ 73 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 200 ሰባት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።
ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጰያውያን፡ ሶማሊያውያንን ሱዳናውያንን ከም ዝርከብዎም ይፍለጥ።
ዛጊት ኩነታቶም ንዓመታት ዘይተረጋገጸ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከም ዘለዉ'ውን ይግለጽ።
ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ብዙሓት ናብ ሊብያ ክምለሱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ጥራይ ልዕሊ 400 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ከም ዝተመልሱ ጸብጻብ ኣይ-ኦ-ኤም ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣስታት 25 ሽሕ ካብ ባሕሪ ተመሊሶም ነይሮም።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብመትረብ-እንግሊዝ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምውሳድ ዝዓለመ ፖሊሲ ኣውጺኣ ነይራ።
እቲ ሰፊሕ ተቓውሞ ዝገጠሞ ሕጊ፡ ክትግበር ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ብዝቐረበ ሕጋዊ ጥርዓናት ዛጊት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይክኣለን።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት'ውን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ነቲ ፖሊሲ ዘሐይል ሓያል ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝገጠሞ ሕጊ ኣውጺኡ'ሎ።
እቲ ሕጊ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝስጐጕ ሰባት ኣብ መጻኢ ናብ ብሪጣንያ ከይምለሱ ወይ ዜግነት ከይሓቱ ዝኽልክል ኮይኑ፡ ስደተኛታት ኣብተን ቀዳሞት 28 መዓልታት ናይ ማእሰርቲ ዋሕስ ክረኽቡ ወይ ፍርዳዊ ዳህሳስ ክሓቱ ከም ዘይክእሉ ዝገብር'ዩ።
ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ክኣስሮምን ናብ ሩዋንዳ ወይ "ውሕስቲ" ሳልሰይቲ ሃገር ከውጽኦምን ግዴታ ከምዝህልዎ ድማ እቲ ሓድሽ ሕጊ ይጠቅስ።
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፡ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና በረራ ክገብሩ ዘይክእሉ ወይ ድማ ኣብታ ዝእለዩላ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ከጋጥሞም ዝኽእሉ ኸኣ ካብ ብሪጣንያ ዝስጐጉሉ መስርሕ ክደናጐይ ዕድል ይህብ።
ሕቶታት ዕቝባ ድሕሪ ምስጓግ ብማዕዶ ክርአ ዝገብር ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
እንተኾነ ግና፡ ኣብ ባይታ ቅድሚ ምትግባሩ ሓያል ሕጋዊ ብድሆ ክቐርበሉ ትጽቢት ይግበር።
ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ'ውን፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተፈላለዩ ተሪር ስጉምትታት ክወስዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ሓደ ካብኡ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ካልኦት ኣፍደገ ዝዀና ሃገራት ምድጋፍ'ዩ።