እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጣልያ፡መርከብ ስደተኛታት ብምጥሓላ ዛጊት 100 ሰባት ምማቶም ተፈሊጡ
ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ጽንኩር ባሕሪ፡ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 100 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተሰጊኡ ከምዘሎን፡ካልኦት ዓሰርተታት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
እታ መርከብ፡ኣብ ከባቢ ካላብሪያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናብ እትርከብ ከተማ ክሮቶነ ክትጽጋዕ ኣብ ዝፈተነትሉ እያ ተሰባቢራ። ኣብታ መርከብ ብውሕዱ 150 ሰባት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ገሊጾም።
ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ካብ ሕማቕ ኵነታት ዝሃደሙ ከም ዝዀኑ ፕረዚደንት ኢጣልያ ተዛሪቡ።
ናብ ቦታ ሓደጋ ዝበጽሐ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቴዮ ፒያንተዶሲ፡ ዛጊት ኣስታት 30 ሰባት ጠፊኦም ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
ኣብ መንጐ እቶም ሞይቶም ዝተረኽቡ ስደተኛታት፡ ናጽላ ሒደት ኣዋርሕ ከምዝነበረ ማዕከን ዜና ኢጣልያ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ ገማግም ባሕሪ ሬሳታት ይርከብ ከም ዘሎ’ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ’ሎ።
"ድሕሪ’ቲ ፍጻመ፡ ሓምቢሶም ናብ ገማግም ባሕሪ ክበጽሑ ዝኸኣሉ" 80 ሰባት ብህይወት ከምዝተረኽቡ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ።
እታ ጃልባ ኣብ ዝተሰባበረትሉ እዋን ተሳፊሮምዋ ዝነበሩ ሰባት ክንደይ ምዃኖም ብንጹር ዝፍለጥ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን፡ "ልዕሊ 200 ሰባት" ተጻዒኖም ከም ዝነበሩ ገሊጾም፤ እዚ ማለት ድማ ልዕሊ 60 ሰባት ደሃይ የብሎምን።
እታ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ቱርኪ ዝተበገሰት መርከብ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያን ኢራንን ዝመጹ ተጓዓዝቲ እያ ጽዒና ነይራ።
ካብ ግጭትን ድኽነትን ንኽሃድሙ፡ በብዓመቱ ኣሽሓት ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ይሰግሩ።
ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ምስ ኣኻውሕ ድሕሪ ምግጫዋ ዝተበታተነት መርከብ ዝሰዓበ ሓደጋ፡ ብምድርን ብባሕርን ዓቢይ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ከምዘበገሰት ይግለጽ።
ዝተዘርግሐ ቅንጥብጣብ ቪድዮታት፡ ካብቲ ስብርባር ኣካላት እታ መርከብ ዝወጽእ ዕንጸይቲ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ከንሳፍፍ እንከሎ የርኢ።
ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ተጐምጕሞም፡ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ክከታተልዎ ይረኣዩ፤ ገለ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ከንቲባ ከተማ ክሩቶ ኣንቶንዮ ሴራሶ፡ "ከምዚ ዓይነት ትራጀዲ ፈጺሙ ተራእዩ ኣይፈልጥን" ክብል ንራይ ኒውስ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ብኽሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሓቢሩ።
ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምዕጋት ብዝኣተወቶ መብጽዓ ዝተመርጸት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ዝተሰምዓ "ዓሚቕ ሓዘን" ብምግላጽ፡ ንኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ወቒሳ።
"ብዋጋ ናይ ሓሶት መብጽዓ ውሑስ ጕዕዞ፡ ህይወት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ምቕያር ኢሰብኣዊ'ዩ" ክትብል ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።
"መንግስቲ፡ ነዚ ጕዕዞ፡ ምስኡ ድማ ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ትራጀዲ ንምክልኻል ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ፡" ኢላ።
የማናዊ መንግስቲ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ ስደተኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከይበጽሑ ንምግታእ ቃል ኣትዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ንሕግታት ህይወት ኣድሕን ዘጽንዕ ሓድሽ ተሪር ሕጊ ነዲፉ እዩ።
ሚኒስተር ቁጠባ ኢጣልያ ነበር ካርሎ ካለንዳ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቝ ሰባት፡ "ብዝዀነ ይዅን ዋጋ" ክድሕኑ ከምዘለዎም’ኳ እንተገለጸ፡ "ዘይሕጋዊ መስመራት ስደተኛታት ግን ክዕጸዉ ኣለዎም" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሌየን፡ በቲ ፍጻመ "ኣመና ምሕዛና" ብምግላጽ፡ "ህይወት ንጹሃን ስደተኛታት ምጥፍኡ ትራጀዲ'ዩ" ኢላ። ንሳ፡ ናብ ኣውሮጳ ንዝግበር ጕዕዞ ስደት ንምብዳህ፡ ሕግታት ሕቶ ዑቕባ ሕብረት ኣውሮጳ ንምምሕያሽ "ጻዕርታትና ብዕጽፊ ምዕባይ" ወሳኒ ምዃኑ ገሊጻ።
እቶም ብዙሕ ግዜ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ነቶም ዝሞቱ፡ ዝጠፍኡን ዝደሓኑን ይጽልዩ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ወይ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ፡ ሓበሬታ ተቘጻጸርቲ ጕጅለ የመልክት።
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ስርሒታት ድልያን ድሕነትን ዘካይድ ትካል ‘ኤይድ ስቴሽን’ እትመርሕ ረጂና ካትራምቦነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነዞም ጽጕማት ንምሕጋዝ ሓቢረን ክሰርሓ ከም ዝግባእ ኣገንዚባ።
ብተወሳኺ፡ እተን ናብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝቐረባ ሃገራት ነቲ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ክሕዛ ጸዊዓ።
እታ ዳይሬክተር፡ "ሕጂ'ውን ኣብ መንጐ ሃገራት ኣውሮጳ ብንጥፈት ብሓባር ተወሃሂድካ ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ምትሕብባር የለን" ድሕሪ ምባል፡ መንግስታት፡ ጻዕርታት ድልያን ድሕነትን ንምምሕያሽን ውሑስን ሕጋውን መስመራት ንምምዕባልን ብሓባር ክሰርሑን ኣዘካኺራ።