ወዲ 70 ዓመት ሓዃራይ ኣብ ጫፍ ጐቦ ሞይቱ ተረኺቡ

ድሃዩ ጠፊኡ ዝነበረ ኢንግሊዝያዊ

ምንጪ ስእሊ, Spanish Civil Guard

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣኽራናት ፒረኒስ ዝጠፍአ እንግሊዛዊ ተጓዓዛይ ሞይቱ ከምዝተረኸበ ሰብመዚ ስጳኛ ገሊጾም።

እቲ ካብ ለንደን ዝመጽአ ወዲ 70 ዓመት ተጉዓዛይ ድሃዩ ምስተስኣነ ብዝተኻየደ ናይ ኣለሻ ስርሒት እዩ ተረኺቡ።

ክኢላታት ምድሓን ኣኽራን ሲቪላዊ ሓለዋ ስጳኛ፡ ትማሊ ሓሙስ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 13፡00 ኣብ ጥቓ ጫፍ ኣስፐ ኣብ ምዕራባዊ ፒረኒስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ሲቪል ሓለዋ፡ እቲ ተጓዓዛይ ብሰለስተ ኣባላት ናይቲ ምድላይን ምድሓንን ጉጅለ ከምዝተረኸበን፡ ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ መዕቆቢ ጎቦ ከምዘሰጋገሮን ገሊጹ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሶኑይ ከባቢ ሰዓት 18፡00 ምስ ሰብመዚ ቤት ጽሕፈት ኢንተርፖል ማንቸስተር ብምትሕብባር እቲ ሰብኣይ ገይርዎ ብዝነበረ ኤሌክትሮኒካዊ ኣምባር ኣሰሩ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።

ኢንተርፖል ክጉዳእ ወይ ክጠፍእ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ነይርዎ።

መንእሰይ ጄይ ስሌተር ካብ 17 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ደሴት ተነሪፍ ስጳኛ ደሃይ ዝጠፍአ ካልእ ተጉዓዘይ’ዩ።

ንመወዳእታ ግዜ ዝተርኣየሉ ቦታ ኣብ ጥቓ ቁሸት ማስካ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናዊ ከባቢ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓደረሉ ቦታ ኣስታት 40 ደቓይቕ ብመኪና ርሒቑ ይርከብ።

ኣብ 2021 ካብ ዱርሃም ዝመጸት ኤስተር ዲንግሊ፡ ኣብ ፒረኒስ ንበይና ድሕሪ ምጉዓዛ ሞይታ ተረኺባ።