ክልል ኣምሓራ፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ወልድያ ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝዀነት ከተማ ወልድያ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ንሰዓታት ዝቐጸለ “ከቢድ” ተዅሲ ከም ዝተኻየደ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብሰንበት 03 ጥቅምቲ 2017 [ግ] ምሸት ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ብፍሉይ ኣብ ውሱናት ከባቢታት እታ ከተማ ዝነበረ ኰይኑ፡ ንሰዓታት ከም ዝቐጸለ እቶም ነበርቲ ወሲኾም የረድኡ።

ቢቢሲ፡ ኣብታ ከተማ ብዝተኻየደ ውግእ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት እንተሃልዩ፡ ካብ ሰብመዚ እታ ከተማ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ፡ “ንወተሃደራዊ መአዘዚታት (መዋፈሪ)” ሓይልታት መንግስቲ ከም ዘጥቅዐ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብታ ከተማ ኣብ ጎንደር በርን መቻሬን ዝበሃሉ ከባቢታት “ከቢድ ውግእ” ከም ዝነበረ ዝሓበሩ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰለስተ ነበርቲ፡ ኣብቶም ከባቢታት ሓይልታት መንግስቲ ዝጠቀምሎም መዓስከራት ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።

ብሰንበት ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ዙርያ ወልድያ ኣብ ዘለዉ ጐቦታት ዘለዎ ከባቢ ይትኩሱ ከም ዝነበሩን፡ ንምሸቱ ግን ዕጡቓት ፋኖ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ተዛሪቦም።

ሓደ ነባሪ፡ “ፋብሪካ ሕሩጭ ወልድያ (ኬላ/ጎንደር በር) ኣብ ዝበሃልን ከባቢ ስታድዮምን ከቢድ ተዅሲ ነይሩ” ኢሉ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ፡ “ ምሸት (ሰንበት) ሃንደበት ናብ ውሽጢ ከተማ ብኣንፈት ጎንደር በር ኣትዮም (ዕጡቓት ፋኖ) ከቢድ ተዅሲ ጀሚሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት መጠናዊ ተኹስታት ነይሮም” ብምባል፡ እቲ ልውውጥ ተኹሲ ክሳብ ሰዓት 6፡00 ናይ ለይቲ ከም ዝፀንሐ ተዛሪቡ።

“ኬላን ጎንደር በር ካልኣይ ጣብያ ፖሊስን ዝበሃሉ ከባብታት ኣለዉ። ኣብ ስታድዮም መቻሬ ድማ ሰራዊት ምክልኻል፡ ካምፕ ዝገበሮ ኣሎ። ኣንፈት እቲ ተኹሲ ክርእዮ እንከለኹ ነዞም ቦታታት ዒላማ ዝገበረ ይመስል” ብምባል፡ ዕጡቓት ፋኖ ሓይልታት መንግስቲ ንዝሰፈርሎም ከባብታት ከም ዘጥቅዑ ገሊፁ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ወሎ ኣቶ ኣበበ ፈንታው ኣብቲ ከባቢ ውግእ ከም ዝነበረ ብምርግጋጽ፡ ዕጡቓት ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ “ወተሃደራዊ ነቝጣታት” መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ነታ ከተማ ለቒቘም ከም ዝለቐቝ ተዛሪቡ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ግጭት ካብ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ስለ ዝተኻየደ፡ ንሰዓታት ካብ ዝተሰምዐ ዘናውጽ ተዅሲ ሓሊፉ እንታይ ከም ዘጋጠመ ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘየለ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ወልድያ ቅሩብ ሃዲኡ ዝነበረ ልውውጥ ተዅሲ ዝደገሰሉ እዚ ብሰንበት ዝተኸሰተ ግጭት፡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዝፍለጥ ነገር የለን።

እንተኾነ፡ ካብ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ዝተቐተሉ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ እቶም ነበርቲ ኣሚቶም።

ብፍላይ ከኣ ከቢድ ተዅሲ ኣብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ስታድየም ‘ኣጣና ተራ’፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተጐድኡ ሰባት ኣለዉ ኢሎም።

ሓደ ነባሪ፡ “ዝተጐድአ፤ ዝተወቕዐ ሰብ ከም ዘሎ ንሰምዕ ነይርና። ካብ መንኦም ወገን ምዃኑ ግን ኣይፈለጥናን” ብምባል ተዛሪቡ።

ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝዀነት ወልድያ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንባጃጃት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ተሽከርከርቲ ብዝተነበረ ገደብ፣ ምግፋዕን ማእሰርትን ኣብ “ቅዛነት” እያ ትርከብ ኢሉ።

ነቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ስዒቡ ብሰኑይ 04 ጥቅምቲ 2017 [ግእዝ] ስሩዕ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ከም ዝቐጸለ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ሓደ ነባሪ ድማ፡ “ኣቐዲሙ እውን ምንቅስቓስ ስለ ዝተናወጸ፡ ሓድሽ ዝተወሰኸ ነገር የለን። ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ስለ ዝተገትአ ልሙድ ኵነታት’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

“ባንክታት ሓዊሱ ኵሉ ምንቅስቓስ ኣሎ፣ ይሰርሑ ኣለዉ” ዝበለ ካልእ ነባሪ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እውን ልሙድ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

“ካብ ዝወግሕ ምንቅስቓስ ፓትሮል ኣሎ። እቲ ዝተለመደ ኵነታት እዩ ዘሎ” ብምባል፡ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ኰይኖም’ውን ምንቅስቓሳት ከም ዝቐፀሉ ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2015 [ግ] ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፡ ወልድያ ብተደጋጋሚ ውግእ ካብ መንጐ ዝካየደለን ከተማታት እያ።

ዕጡቓት ፋኖ ናብታ ከተማ ብምእታው ኣብያተ ማእሰርቲ ካብ ምስባር ሓሊፎም ንሰብመዚ መንግስቲ እቲ ከባቢ ዒላማ ዝገብር መጥቃዕትታት ቦምባ ፈጺሞም እዮም።